ኣቦ ንእስራኤል ንዮርዳኖስ የሳግሮም
ዮርዳኖስ ተመሊኡ ፈሲሱ ነበረ፥ እቲ ህዝቢ ኸዓ ነዛ መንገዲ ኻብ ቅድሚ ሕዚ ሓሊፍዋ ኣይፈልጥን ነበረ። ኣቦና ነቶም ካህናት ነቲ ታቦት ፆይሮም ናብ ማይ ክኣትዉ ነገሮም፤ ኣእጋሮም ምስ ረገፁዎ ጥራሕ ከዓ እቲ ፈለግ ኣብ ሓደ ኵምራ ደው በለ። ብምሉኡ እቲ ህዝቢ ኸዓ ብነቑፅ ምድሪ ተሳገረ።
3 1ኢያሱ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንሱን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ከዓ ካብ ሽጢም ተልዒሎም ናብ ዮርዳኖስ በፂሖም፥ ከይተሳገሩ ኣብኡ ሰፈሩ። 2ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ እቶም ኣሕሉቕ ብማእኸል እቲ ሰፈር ሓለፉ፥ 3ነቲ ህዝቢ ድማ ከምዙይ ኢሎም ኣዘዝዎም፦ “ነቲ ታቦት ኪዳን ኣቦኻትኩም እቶም ሌዋውያን ዝኾኑ ካህናት ፆይሮም ምስ ረኣኹምዎ፥ ካብ ቦታኹም ተልዒልኩም ስዓብዎ። 4ግና ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎኡን ርሕቐት ይኹን፤ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ጫማ ብመጠን ይኹን፤ ነዛ መንገዲ እዚኣ ካብ ቅድሚ ሕዚ ሓሊፍኩማ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፥ እታ እትኸድዋ መንገዲ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ናብኡ ኣይትቕረቡ።”
5ኢያሱ ድማ ነቲ ህዝቢ “ፅባሕ ኣቦና ኣባኻትኩም ተኣምራት ክገብር እዩ እሞ፥ ንባዕልኻትኩም ቀድሱ” በሎም። 6ሽዑ ኢያሱ ነቶም ካህናት “ነቲ ታቦት ኪዳን ፆሩ እሞ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ተሳገሩ” በሎም። ንሳቶም ድማ ነቲ ታቦት ኪዳን ፆይሮም ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ኸዱ።
7ኣቦና ንኢያሱ ከምዙይ በሎ፦ “ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ ምሳኻ ኸም ዝህሉ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኵሉ እስራኤል ልዕል ልዕል ከብለካ ክጅምር እየ። 8ነቶም ታቦት ኪዳን ዝፆሩ ካህናት ድማ ‘ናብ ወሰን ማይ ዮርዳኖስ ምስ በፃሕኹም፥ ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉ’ ኢልካ ኣዝዞም።”
9ኢያሱ ድማ ንደቂ እስራኤል “ናብዙይ ቅረቡ እሞ ቃል ኣቦኻትኩም ስምዑ” በሎም። 10ኢያሱ ኸዓ ከምዙይ በለ፦ “ህያው ኣቦ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዘሎ ብእዙይ ክትፈልጡ ኢኹም፦ ንሱ ነቶም ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ሔዋውያንን ፈሪዛውያንን ጌርጌሳውያንን ኣሞራውያንን ኢያቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ብርግፅ ከሳጕጎም እዩ። 11እንሆ፥ ታቦት ኪዳን ጐይታ ኵሉ ምድሪ ቀቅድሜኹም ናብ ዮርዳኖስ ይሳገር ኣሎ። 12ሕዚ እምበኣር ካብ ነገዳት እስራኤል ዓሰርተ ኽልተ ሰባት፥ ከካብ ነገድ ሓድሓደ ሰብ፥ ምረፁ። 13ከብዲ ኣእጋር እቶም ታቦት ጐይታ ኣቦ ኵሉ ምድሪ ዝፆሩ ካህናት ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ምስ ረገፀ፥ እቲ ካብ ላዕሊ ዝውሕዝ ማይ ዮርዳኖስ ክቕረፅ እዩ፤ ኣብ ሓደ ኵምራ ኸዓ ደው ክብል እዩ።”
14እቲ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ክሳገር ካብ ድንኳናቶም ምስ ተልዓለ፥ እቶም ካህናት ነቲ ታቦት ኪዳን ፆይሮም ቀቅድሚኦም ከዱ፤ 15እቶም ታቦት ዝፆሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በፅሑ፥ ኣእጋር እቶም ታቦት ዝፆሩ ካህናት ከዓ ኣብ ወሰን እቲ ማይ ተጠልቀ፥ (ዮርዳኖስ ብዅለን መዓልቲታት ዓፂድ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ኵሉ ገምገም ይፈስስ ነበረ እሞ)፥ 16እቲ ካብ ላዕሊ ዝውሕዝ ማይ ደው በለ፥ ኣብ ርሑቕ ኣብ ኣዳም፥ እታ ኣብ ጥቓ ፃርታን ዘላ ኸተማ፥ ኣብ ሓደ ኵምራ ኾይኑ ተላዕለ፤ እቲ ናብ ባሕሪ ዓረባ፥ ባሕሪ ጨው፥ ዝወርድ ማይ ከዓ ፈፂሙ ተቘረፀ። እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ ተሳገረ። a a v16 ኣዳም ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ዘላ ኸተማ እያ እምበር፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሰብ ኣይኮነን። እብራይስጢ፦ ባሕሪ ጨው። 17እቶም ታቦት ኪዳን ኣቦና ዝፆሩ ካህናት ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ ኣብ ንቑፅ ምድሪ ፀኒዖም ደው በሉ፤ ኵሉ እስራኤል ድማ ኵሉ እቲ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ፈፂሙ ክሳዕ ዝሳገር ኣብ ንቑፅ ምድሪ ተሳገረ።