ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ረኣብ ነቶም ሰለልቲ ኣዕቈበቶም

ክልተ ሰለልቲ ኣብ ገዛ ሓንቲ ኣመንዝራ ኢያሪኮ ተሓብኡ፤ ረኣብ ከዓ እታ ልቦና እትዛረብ ኮነት፦ ብምሉኣ እታ ኸተማ ነቲ ኣቦና ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዝገበሮ ሰሚዓ፥ ድሮ ትመክኽ ኣላ። ንሳ ንህይወት ስድራ ቤታ ምስ ህይወቶም ተለዋወጠት፥ ቀይሕ ገመድ ድማ ኣብ መስኮታ ሰቐለት።

ምዕራፍ 2።

ኢያሱ ወዲ ነዌ ድማ ካብ ሽጢም ክልተ ሰብኡት ብሕቡእ ዝስልሉ ሰደደ፦ “ኪዱ፥ ነታ ምድሪ፥ ኣውራ ኸዓ ንኢያሪኮ ስለልዋ።” ንሳቶም ድማ ከይዶም ረኣብ ናብ እትብሃል ኣመንዝራ ገዛ ኣተዉ፤ ኣብኡ ኸዓ ሓደሩ።

ንጉስ ኢያሪኮ ኸዓ “እንሆ፥ ነታ ምድሪ ኽስልሉ፥ በዛ ለይቲ እዚኣ ካብ ደቂ እስራኤል ሰብኡት ናብዙይ መፂኦም” ኢሎም ነገርዎ።

ንጉስ ኢያሪኮ ድማ ናብ ረኣብ ለኣኸ፦ “ነቶም ናባኺ መፂኦም ናብ ገዛኺ ዝኣተዉ ሰብኡት ኣውፅእዮም፤ ንዅላ እታ ምድሪ ኽስልሉ መፂኦም እዮም እሞ።”

እታ ሰበይቲ ግና ነቶም ክልተ ሰብኡት ወሲዳ ሓብአቶም፤ ከምዙይ ከዓ በለት፦ “እወ፥ እቶም ሰብኡት ናባይ መፂኦም ነይሮም፥ ካበይ ከም ዝመፁ ግና ኣይፈለጥኩን። ኣብ ፀልማት፥ እቲ ደገ ኽዕፀው እንተሎ፥ እቶም ሰብኡት ወፁ። እቶም ሰብኡት ናበይ ከም ዝኸዱ ኣይፈልጥን እየ። ክተርክብዎም ኢኹም እሞ፥ ቀልጢፍኩም ስዓብዎም።” ንሳ ግና ናብ ናሕሲ ኣደዪባ፥ ኣብቲ ኣብ ናሕሲ ዝዘርግሐቶ እንጣጢዕ ሓብአቶም። እቶም ሰብኡት ድማ ብመንገዲ ዮርዳኖስ ክሳዕ መሳገሪታት ሰዓብዎም፤ እቶም ሰዓብቲ ምስ ወፁ ኸዓ፥ እቲ ደገ ተዓፅወ።

እቶም ሰለልቲ ቅድሚ ምድቃሶም ድማ፥ ረኣብ ናብኣቶም ናብ ናሕሲ ደየበት፤ ከምዙይ ከዓ በለቶም፦ “እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ ኸም ዝሃበኩም፥ ራዕድኹም ከዓ ኣባና ኸም ዝወደቐ፥ ኣብዛ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም ከዓ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዝመኽኹ እፈልጥ እየ። እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ምስ ወፃእኹም ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንፀፎ፥ ነቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝነበሩ ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን፥ ንሴዎንን ንዖግን ዝገበርኩም፥ ፈፂምኩም ከም ዘጥፋእኩሞም ሰሚዕና ኢና። ሰሚዕና ኸዓ ልብና መኸኸ፤ ብሰንክኹም ድማ ኣብ ሓደ እኳ ትብዓት ኣይተረፈን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ፥ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኣምላኽ እዩ እሞ። ሕዚ ኸዓ፥ ኣነ ፅቡቕ ስለ ዝገበርኩልኩም፥ ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ፅቡቕ ከም እትገብሩ፥ በይዛኻትኩም ብእግዚኣብሄር ምሓሉለይ፤ እሙን ምልክትውን ሃቡኒ፤ ንኣቦይን ኣደይን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ንዅሎም ናታቶም ዝኾኑን ብህይወት ክትገድፉ፥ ንነፍስናውን ካብ ሞት ከተድሕኑ።”

እቶም ሰብኡት ድማ “ነፍስና ኣብ ክንዲ ህይወትኩም ይኹን! ነዚ እንገብሮ ዘለና እንተ ዘይሓበርክዮ፥ ኣቦና ነዛ ምድሪ ምስ ሃበና፥ ርህራሀን ሓቅን ክንገብረልኪ ኢና” በልዋ።

ገዛኣ ኣብ መንደቕ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረ፥ ንሳ ኣብቲ መንደቕ ትነብር ነበረት እሞ፥ ብመስኮት ብገመድ ኣውረደቶም። ከምዙይ ከዓ በለቶም፦ “እቶም ሰዓብቲ ከይረኽቡኹም፥ ናብ እምባ ኺዱ፤ ክሳዕ ዝምለሱ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሓብኡ፤ ድሕሪኡ ናብ መንገድኹም ኪዱ።”

እቶም ሰብኡት ድማ “ካብዛ ዘምሓልክና ማሕላ እዚኣ ንፁሃት ክንኸውን ኢና፤ ናብዛ ምድሪ ምስ ኣቶና፥ ነዛ ቀይሕ ፈትሊ ኣብቲ ዘውረድክናሉ መስኮት እንተ ዘይኣሰርክዮ፥ ንኣቦኺ፥ ንኣዴኺ፥ ነሕዋትኪ፥ ንዅሉ ቤት ኣቦኺ ኸዓ ናብ ገዛ እንተ ዘይኣከብክዮም፤ ካብ ኣፍ ደገ ገዛኺ ናብ ኣደባባይ ዝወፅእ ዝኾነ ሰብ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ ይኹን፤ ንሕና ንፁሃት ኢና። ምሳኺ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሰብ ኢድ እንተ ተንከፎ ግና፥ ደሙ ኣብ ርእስና ይኹን። ነዚ እንገብሮ ዘለና እንተ ሓበርኪ ግና፥ ካብታ ዘምሓልክና ማሕላ ንፁሃት ክንኸውን ኢና።”

ንሳ ድማ “ከምቲ እትብልዎ ይኹን” በለት። ሰደደቶም ከዓ፤ ንሳቶም ድማ ከዱ፤ ነታ ቀይሕ ፈትሊ ኣብቲ መስኮት ኣሰረታ።

ናብ እምባ ኸዱ፤ ክሳዕ እቶም ሰዓብቲ ዝምለሱ ኸዓ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ፀንሑ። እቶም ሰዓብቲ ድማ ንዅላ መንገዲ ደለይዋ፤ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡን። እቶም ክልተ ሰብኡት ድማ ተመሊሶም ካብ እምባ ወሪዶም ተሳገሩ፤ ናብ ኢያሱ ወዲ ነዌ መፂኦም ከዓ፥ እቲ ዝበፅሖም ዅሉ ነገርዎ። ንኢያሱ ኸዓ “ኣቦና ብርግፅ ንዅላ እታ ምድሪ ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅሎም ከዓ ብፍርሒ ኣብ ቅድሜና ይመኽኹ ኣለዉ” በልዎ።