ኣቦና ንኢያሱ ኣዘዞ
ኢያሱ ብዝመርሖ ምውራስን ምስፋርን እታ ተስፋ ዝተውሃበት ምድሪ። ከቢድ ዕዮ ክጅመር እንተሎ፥ ኣቦና ንህዝቡ ኣብ ናይ ባዕሎም ትብዓት ዘይኮነስ፥ ኣብ ህላወኡ ደኣ የፅንዖም።
1 1ባርያ ኣቦና ሙሴ ምስ ሞተ፥ ኣቦና ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ኣገልጋሊ ሙሴ፥ ከምዙይ በሎ፦
2“ባርያይ ሙሴ ሞይቱ እዩ። ሕዚ ተስእ፤ ንስኻን እዞም ኵሎም ህዝብን ናብታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ዘለኹ ምድሪ ነዝ ዮርዳኖስ ተሳገሩ። 3ከምቲ ንሙሴ ዝተስፈኽዎ፥ ነፍሲ ወከፍ እግርኻ ዝረግፆ ቦታ ንኣኻ ሂበዮ ኣለኹ። 4ወሰንካ ካብዝ ምድረ በዳን ካብዝ ሊባኖስ እዙይን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥ ኵላ ምድሪ ኬጢያውያንን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ብወገን ምዕራብ ፀሓይን ይኸውን። 5ኣብ ኵሉ ዘመን ህይወትካ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዝብል ሰብ የለን። ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ኣይጠልመካን፤ ኣይሓድገካንውን እየ።
6“ፅኑዕን ተባዕን ኩን፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብታ ኣነ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኽተውርሶም ኢኻ እሞ። 7ጥራሕ ፅኑዕን የመና ተባዕን ኩን፤ እቲ ባርያይ ሙሴ ዝኣዘዘካ ዅሉ ሕጊ ተጠንቂቕካ ኽትሕልዎ ተኣዘዞ። ኣብ ዝኸድካዮ ዅሉ ምእንቲ ኽትዕወት፥ ካብኡ ናብ የማን ወይ ናብ ፀጋም ኣይትዘንብል። 8እዝ መፅሓፍ ሕጊ እዙይ ካብ ከናፍርካ ኣይፈለ፤ ኣብኡ ዝተፅሓፈ ዅሉ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮ፥ ብመዓልትን ብለይትን ኣብኡ ሕሰብ። ሽዑ መንገድኻ ይቕናዕ፥ ትዕወትውን። 9ኣነዶ ኣይኣዘዝኩኻን? ፅኑዕን ተባዕን ኩን። ኣነ ኣቦኻ ኣብ ዝኸድካዮ ዅሉ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ።”
ኢያሱ ንህዝቢ ኽሳገሩ ኣዳለዎም
10ሽዑ ኢያሱ ነሕሉቕ እቲ ህዝቢ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦
11“ብማእኸል ሰፈር ሓሊፍኩም ነቲ ህዝቢ ኸምዙይ ኢልኩም ኣዝዝዎ፦ ‘ስንቂ ኣዳልዉ፤ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነታ ኣቦኹም ክትወርስዋ ዝህበኩም ምድሪ ክትኣትዉ፥ ነዝ ዮርዳኖስ ክትሳገሩ ኢኹም እሞ።’”
12ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ከዓ ኢያሱ ኸምዙይ በሎም፦
13“ነቲ ባርያ ኣቦና ሙሴ ዝኣዘዘኩም ዘክሩ፦ ‘ኣቦኹም ዕረፍቲ ይህበኩም ኣሎ፥ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ክህበኩም እዩ።’ 14ኣንስትኹምን ደቅኹምን ጥሪትኩምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ይንበሩ፤ ንስኻትኩም ኵሎም ጀጋኑ ግና ተዓጢቕኩም ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ተሳጊርኩም ርድእዎም፥ 15ክሳዕ ኣቦና ከምቲ ንኣኻትኩም ዝሃበኩም፥ ነሕዋትኩምውን ዕረፍቲ ዝህቦም፥ ንሳቶምውን ነታ ዝህቦም ዘሎ ምድሪ ዝወርስዋ። ሽዑ ናብ ርስትኹም ተመሊስኩም ውረስዋ፤ ንሳ ኸዓ እታ ባርያ ኣቦና ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ዝሃበኩም ምድሪ እያ።”
16ንኢያሱ ድማ ከምዙይ ኢሎም መለስዎ፦ “ነቲ ዝኣዘዝካና ዅሉ ክንገብሮ ኢና፤ ናብ ዝለኣኽካና ዅሉውን ክንከይድ ኢና። 17ንሙሴ ብዅሉ ነገር ከም ዝተኣዘዝናዮ፥ ንኣኻ ኸዓ ክንእዘዘካ ኢና። ጥራሕ ኣቦኻ፥ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፥ ምሳኻ ይኹን። 18ነቲ ትእዛዝካ ዝዓምፅ፥ ኣብ ዝኾነ እትእዝዞ ንቓላትካ ዘይእዘዝ ዝኾነ ሰብ፥ ይቀተል። ንስኻ ጥራሕ ፅኑዕን ተባዕን ኩን።”