ሙሴ ኣብ እምባ
ሙሴ ናብ ናባው ይድይብ፥ ኣቦና ድማ ነታ ዘይኣትዋ ኵላ ምድሪ ኣርኣዮ። ኣብኡ ኣብ ሚእትን ዕስራን ዓመቱ፥ ኣዒንቱ ገና እናበርሃ፥ ሞተ፥ ኣቦና ድማ ሓደ እኳ ኣብ ዘይፈልጦ ቀበሮ። እስራኤል ሰላሳ መዓልቲ በኸዩ፤ ካብኡ ንደሓር ከም ሙሴ ገፅ ንገፅ ዝፈለጦ ነቢይ የለን።
34 1ሙሴ ኸዓ ካብ ጐላጕል ሞኣብ ናብ እምባ ናባው፥ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ ናብ ዘሎ ርእሲ ፈስጋ ደየበ፤ ኣቦና ድማ ነታ ኵላ ምድሪ፥ ካብ ገለዓድ ክሳዕ ዳን ኣርኣዮ፥ 2ንዅሉ ንፍታሌምን ንምድሪ ኤፍሬምን ምናሴን፥ ክሳዕ ባሕሪ ምዕራብ ንዅላ ምድሪ ይሁዳን፥ 3ንደቡብን ንጐልጐልን፥ ነቲ ለሰ ኢያሪኮ፥ ነታ ተምሪ ዘለዋ ኸተማ፥ ክሳዕ ዞዓር ኣርኣዮ።
4ኣቦና ድማ ከምዙይ ኢሉ በሎ፦ “እዛ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ፦ ‘ንዘርእኻ ክህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩላ ምድሪ እዚኣ እያ። በዒንትኻ ኸም እትርእያ ገይረ ኣለኹ፤ ናብኣ ግና ኣይትሰግርን ኢኻ።”
5ባርያ ኣቦና ሙሴ ድማ፥ ከምቲ ኣቦና ዝበሎ፥ ኣብኡ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ሞተ። 6ኣቦና ድማ ኣብ ምድሪ ሞኣብ፥ ኣብ መንፅር ቤተፌጎር ኣብ ዘሎ ለሰ ቀበሮ። ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ድማ መቓብሩ ዝፈልጥ የለን። 7ሙሴ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት ኮይኑ ሞተ፤ ኣዒንቱ ኣይደኸማን፥ ጉልበቱውን ኣይጐደለን ነበረ። 8ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ንሙሴ ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ፤ መዓልቲታት ብኽያትን ሓዘንን ክሳዕ ዝተፈፀመ። 9ኢያሱ ወዲ ነዌ ድማ፥ ሙሴ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢሩ ስለ ዝነበረ፥ መንፈስ ጥበብ መልኦ ነበረ። ደቂ እስራኤል ከዓ ሰምዕዎ፤ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ ገበሩ። 10ካብኡ ንደሓር ከም ሙሴ ዝበለ፥ ኣቦና ገፅ ንገፅ ዝፈለጦ ነቢይ፥ ኣብ እስራኤል ኣይተልዓለን፤ 11ነቲ ኣቦና ኣብ ግብፂ፥ ኣብ ፈርዖንን ኣብ ኵሎም ሓሻኽሩን ኣብ ኵላ ሃገሩን ክገብሮ ዝለኣኾ ዅሉ ምልክታትን ተኣምራትን፥ 12ነቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኵሉ እስራኤል ዝገበሮ ዅሉ ብርቱዕ ኢድን ኵሉ ዓብዪ ዘስካሕክሕ ተግባራት እዩ።