ኣቦ ንግዝኣት ባቢሎን ይእዝዝ
ኤርሚያስ ናይ ዕንፀይቲ ኣርዑት ይኣሲ፥ ናብቶም ካብ ሓሙሽተ ጎረባብቲ ነገስታት ዝመፁ ልኡኻት ድማ ቃል ይሰድድ፦ ንናቡከደነፆር ተገዝኡ ንበሩ ድማ። እቶም ኣቑሑ ቤተ መቕደስ ቀልጢፉ ከም ዝምለስ ዝንበዩ ነቢያት ይሕስዉ ኣለዉ። እቲ ኣቑሑ ናብ ባቢሎን ክኸይድ እዩ፥ መኣዝ ከም ዝምለስ ድማ ኣቦና ጥራሕ ይውስን።
27 1ሴዴቅያስ ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ኽነግስ ምስ ጀመረ፥ እዝ ቃል እዙይ ካብ ኣቦና ናብ ኤርሚያስ መፀ፦
2ኣቦና ኸምዙይ በለኒ፦ ማእሰርትን ኣርዑትን ንባዕልኻ ግበር፥ ኣብ ክሳድካ ድማ ኣንብሮም። 3ሽዑ ብኢድ እቶም ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ዝመፁ ልኡኻት፥ ናብ ነገስታት ኤዶምን ሞኣብን ደቂ ኣሞንን ጢሮስን ሲዶንን መልእኽቲ ስደድ።
4ንጐይተቶም ድማ ከምዙይ ኢሎም ኽነግሩ እዘዞም፦ ኣቦ ሰራዊት ሰማያት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንጐይተትኩም ከምዙይ በልዎም፦ 5ኣነ ባዕለይ ንምድሪ፥ ምስቶም ኣብ ገፅ ምድሪ ዘለዉ ሰብን እንስሳን፥ ብዓብዪ ሓይለይን ብዝርግሕቲ ቕልፅመይን ገበርክዋ፤ ንዝደለኽዎ ድማ እህቦ። 6ሕዚ ድማ እዘን ኵለን ሃገራት እዚኣተን ነቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንባርያይ ሃብክዎ፤ ነቶም ኣራዊት መሮር እውን ኽግዝኡሉ ሃብክዎ። 7ኵሎም ኣህዛብ ድማ ንእኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን፥ ክሳዕ እታ ናይ ባዕሉ ምድሪ ጊዜ እትመፅእ ክግዝእዎ እዮም፤ ሽዑ ብዙሓት ኣህዛብን ዓበይቲ ነገስታትን ንእኡ ኸገዝእዎ እዮም።”
8እቲ ንነቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዘይግዛእ፥ ወይ ክሳዱ ኣብ ትሕቲ ኣርዑቱ ዘየንብር ህዝቢ ወይ መንግስቲ ግና፥ ነቲ ህዝቢ እቱይ ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክቐፅዖ እየ ይብል ኣቦና፥ ክሳዕ ብኢዱ ዘጥፍኦም። 9“እምበኣር ነቶም ‘ንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝኡን ኢኹም’ ዝብሉኹም ነቢያትኩምን ጠንቈልትኹምን ሓለምቲ ሕልምኹምን ገመትትኹምን ደገምትኹምን ኣይትስምዕዎም። 10ንሳቶም ሓሶት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ፤ ካብ ምድሪኹም ኣርሒቖም ይሰዱኹም ኣለዉ፤ ኣነ ኸዓ ከባርረኩም እየ፥ ክትሞቱውን ኢኹም። 11ነቲ ክሳዱ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ኣእትዩ ዝግዛኦ ህዝቢ ግና፥ ኣብ ምድሩ ኽሓድጎ እየ፥ ምእንቲ ኽሓርሳን ኣብኣ ኽነብርን ይብል ኣቦና።”
12ነዝ ዅሉ ቃላት እዚኣቶም ድማ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ተዛረብክዎ፦ ክሳድኩም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ኣእትዉ፤ ንእኡን ንህዝቡን ተገዝኡ፥ ንበሩ ድማ። 13ከምቲ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ንጉስ ባቢሎን ዘይግዛእ ህዝቢ ዝበሎ፥ ንስኻን ህዝብኻን ስለ ምንታይ ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክትሞቱ?
14ነቶም ‘ንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝኡን ኢኹም’ ዝብሉኹም ነቢያት ኣይትስምዕዎም፤ ሓሶት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ። 15ኣነ ኣይለኣኽክዎምን እየ ይብል ኣቦና፥ ንሳቶም ግና ብስመይ ብሓሰት ይንበዩ ኣለዉ፤ ስለዙይ ከባርረኩም እየ፥ ንስኻትኩምን እቶም ዝንበዩልኩም ነቢያትን ድማ ክትጠፍኡ ኢኹም።
16ሽዑ ነቶም ካህናትን ነዝ ኵሉ ህዝቢ እዙይን ከምዙይ በልክዎም፦ ኣቦና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነቶም ‘እንሆ፥ ኣቑሑ ቤት ኣቦና ቀልጢፉ ኻብ ባቢሎን ክምለስ እዩ’ ኢሎም ዝንበዩ ነቢያትኩም ኣይትስምዕዎም፤ ሓሶት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ። 17ኣይትስምዕዎም። ንንጉስ ባቢሎን ተገዝኡ፥ ንበሩ ድማ። እዛ ኸተማ እዚኣ ስለ ምንታይ ዑና ኽትከውን?
18ንሳቶም ነቢያት እንተ ኾይኖም፥ ቃል ኣቦናውን ምሳታቶም እንተሎ ግና፥ እቲ ኣብ ቤቱን ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝተረፈ ኣቑሑ ናብ ባቢሎን ከይከይድ፥ ናብ ኣቦ ሰራዊት ሰማያት ይለምኑ። 19ኣቦ ሰራዊት ሰማያት ብዛዕባ እቶም ኣዕማድን እቲ ባሕርን እቲ መቐመጢ ኣቑሑን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፈ ኻልእ ኣቑሑን ከምዙይ ይብል ኣሎ፥ a a v19 ኣብዙይ “እቲ ባሕሪ” ዝተብሃለ፥ እቲ ኣብ ኣፍደገ ቤተ መቕደስ ደው ኢሉ ዝነበረ፥ ካህናት ዝሕፀቡሉ ዓብዪ ናይ ነሃስ ገበራ ደኣ እምበር፥ ዓብዪ ማይ ኣይኮነን።
20እቲ ነቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንኢኮንያን ወዲ ዮዓቂም ንጉስ ይሁዳ ምስ ኵሎም ክቡራት ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ባቢሎን ምስ ማረኸ ዘይወሰዶ፥
21እወ፥ ኣቦ ሰራዊት ሰማያት ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ኣቦናን ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝተረፈ ኣቑሑ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦
22ናብ ባቢሎን ክውሰዱ እዮም፥ ክሳዕ እታ ኣነ ዝበፅሓሎም መዓልቲ ኸዓ ኣብኡ ክፀንሑ እዮም ይብል ኣቦና። ሽዑ ኸደይቦም፥ ናብዝ ቦታ እዙይ ድማ ክመልሶም እየ።