ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንሓደ ሓሰተኛ ነቢይ የቃልዕ

ሃናንያ ኣብ ቅድሚ ኵሉ፥ ኣርዑት ባቢሎን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ከም ዝስበር የውጅ፥ ነዙይ ንምርግጋፅ ድማ ነቲ ናይ ኤርሚያስ ኣርዑት ይሰብሮ። ኤርሚያስ ኣሜን ኢሉ ይምልስ፥ ድሕሪኡ ኣብ ክንዲ ዕንፀይቲ፥ ናይ ኣቦና ናይ ሓፂን ኣርዑት ሒዙ ይምለስ፥ ንሃናንያ ድማ ንህዝቢ ሓሶት ክኣምኑ ስለ ዝመሃረ ክመውት ምዃኑ ይነግሮ። ሞተ ድማ።

ምዕራፍ 28።

በታ ዓመት እቲኣ፥ ኣብ መጀመርታ ዘመን መንግስቲ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ብራብዓይ ዓመት ብሓምሻይ ወርሒ፥ እቲ ካብ ገባዖን ዝኾነ ነቢይ ሃናንያ ወዲ ዓዙር፥ ኣብ ቤት ኣቦና፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኵሎም እቲ ህዝብን ከምዙይ በለኒ፦ “እግዚኣብሄር ፀባኦት፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ሰቢረዮ ኣለኹ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ነቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ካብዙይ ናብ ባቢሎን ዝወሰዶ ኵሉ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ናብዛ ቦታ እዚኣ ክመልሶ እየ። ንኢኮንያንን ወዲ ዮያቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ንኵሉ ናብ ባቢሎን ዝተማረኸ ናይ ይሁዳ ምርኮን ናብዛ ቦታ እዚኣ ክመልሶም እየ፤ ንኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየ እሞ፥ ይብል እግዚኣብሄር።”

ነቢይ ኤርሚያስ ድማ ኣብ ቤት ኣቦና ደው ኢሎም ኣብ ቅድሚ ዝነበሩ እቶም ካህናትን ኵሎም እቲ ህዝብን፥ ንነቢይ ሃናንያ መለሰሉ። ነቢይ ኤርሚያስ ከምዙይ በለ፦ “ኣሜን! ኣቦና ኸምኡ ይግበር። ነቲ ኣቑሑ ቤት ኣቦናን ኵሎም እቶም ምሩኻትን ካብ ባቢሎን ናብዛ ቦታ እዚኣ ብምምላስ፥ ነቲ ዝተነበኻዮ ቃላት የፅንዓዮ። ሕዚ ግና ነዝ ኣነ ንኣኻን ንዅሎም እዞም ህዝቢ እዚኣቶምን ዝዛረቦ ዘለኹ ቃል እዙይ ስማዕ፦ እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ነቢያት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም፥ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣህዛብን ዓበይቲ መንግስታትን፥ ውግእን ጥፍኣትን መቕሰፍትን ተነበዩ። እቲ ሰላም ዝንበ ነቢይ፥ ቃሉ ምስ ተፈፀመ ጥራሕ እዩ ብሓቂ ብኣቦና ኸም ዝተልኣኸ ዝፍለጥ።”

ሽዑ ነቢይ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነቢይ ኤርሚያስ ኣልዒሉ ሰበሮ፥ ሃናንያ ድማ ንዅሎም እቲ ህዝቢ ከምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከምዙይ ጌረ ንኣርዑት ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ካብ ክሳድ ኵሎም ኣህዛብ ክሰብሮ እየ።” ድሕሪዙይ ነቢይ ኤርሚያስ ከደ።

ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነቢይ ኤርሚያስ ምስ ሰበሮ፥ ቃል ኣቦና ናብ ኤርሚያስ ከምዙይ መፀ፦

“ኺድ እሞ ንሃናንያ ከምዙይ በሎ፦ ኣቦና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንስኻ ናይ ዕንፀይቲ ኣርዑት ሰቢርካ ኣለኻ፥ ግና ናይ ሓፂን ኣርዑት ክትገብር ኢኻ። እቲ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ኣቦና ናይ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ እዩሞ፦ ናይ ሓፂን ኣርዑት ኣብ ክሳድ ኵሎም እዞም ኣህዛብ እዚኣቶም፥ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽግዝኡ፥ ኣንቢረ ኣለኹ፤ ክግዝኡሉ ድማ እዮም። ነቲ ኣራዊት በረኻ እውን ሂበዮ ኣለኹ።”

“ነቢይ ኤርሚያስ ንነቢይ ሃናንያ ከምዙይ በሎ፦ ‘ስማዕ ሃናንያ! ኣቦና ኣይለኣኸካን፤ ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ብሓሰት ኣእመንካዮ።’

ስለዙይ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ በዛ ዓመት እዚኣ ካብ ገፅ ምድሪ ከወግደካ እየ፤ ኣብ ልዕሊ ኣቦና ዓመፅ ስለ ዝሰበኽካ ክትመውት ኢኻ።”

ነቢይ ሃናንያ ድማ በታ ዓመት እቲኣ፥ ብሻውዐይቲ ወርሒ ሞተ።