ኣቦና ይዛረብ
ኣቦና ባዕሉ ነቲ ዓሰርተ ቓላት ተዛረቦ፥ ብትእዛዝ ዘይኮነ ብመንነቱ ጀሚሩ፦ እቲ ኻብ ባርነት ዘውፅኦም እዩ። ተኣማንነት፥ ስም፥ ሰንበት፥ ወለዲ፥ ህይወት፥ መርዓ፥ ንብረት፥ ሓቅን ትምኒትን። እቶም ህዝቢ ንሙሴ ምእንታኦም ክሰምዕ ለመንዎ፥ ንሱ ኸዓ ናብቲ ግብ ዝበለ ፀልማት ኣተወ።
20 1ኣቦና ድማ ነዚ ኵሉ ቓላት እዚ ተዛረበ፦
2ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ ኣቦኻ ኣነ እየ።
3ኣብ ቅድመይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።
4ዝተቐረፀ ምስሊ፥ ወይ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት፥ ወይ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ፥ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዘሎ ማይ ናይ ዘሎ ዝኾነ ምስሊ ንርእስኻ ኣይትግበር። 5ኣይትስገደሎም ኣይተምልኾምን፤ ኣነ ኣቦኻ ቐናእ ኣቦ እየ እሞ፥ ካብቶም ዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ልዕሊ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ኤምፅእ፥ 6ንዝፈትዉንን ትእዛዛተይውን ንዝሕልዉን ኣእላፋት ግና ምሕረት እገብር።
7ስም ኣቦኻ ብኸንቱ ኣይትፅዋዕ፤ ኣቦና ነቲ ስሙ ብኸንቱ ዝፅውዕ ሰብ በደል ዘይብሉ ኣይገብሮን እዩ እሞ።
8ንመዓልቲ ሰንበት ዘክር፥ ቅድስቲ ጌርካ ሓልዋ። 9ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ፥ ኵሉ ተግባርካ ድማ ግበር። 10እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንኣቦኻ ሰንበት እያ። ንስኻ፥ ወድኻ፥ ጓልካ፥ ኣገልጋሊኻ ወይ ኣገልጋሊትካ፥ ጥሪትካ፥ ወይ እቲ ኣብ ማዕፆኻ ዘሎ ጓና፥ ኣብኣ ዝኾነ ስራሕ ኣይትግበሩ። 11ኣቦና ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ፈጢሩ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕረፈ። ስለዙይ ኣቦና ንሰንበት መዓልቲ ባሪኹ ቀደሳ።
12ነቦኻን ነዴኻን ኣኽብር፤ ኣብታ ኣቦኻ ዝህበካ ምድሪ መዓልቲታትካ ምእንቲ ኽነውሕ።
13ኣይትቕተል።
14ኣይትዘሙ።
15ኣይትስረቕ።
16ኣብ ልዕሊ ብፃይካ ብሓሰት ኣይትመስክር።
17ቤት ብፃይካ ኣይትመነ። ሰበይቲ ብፃይካ ኮነ ግዙኡ ወይ ኣገልጋሊቱ፥ ብዕራዩን ኣድጉን፥ ወይ ናይ ብፃይካ ዝኾነ ነገር ኣይትመነ።
18ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ነጐድጓድን ምብራቕ መብረቕን ድምፂ መለኸትን እቲ ዝተክኽ እምባውን ረአዩ። ምስ ረአዩ ኸዓ ተንቀጥቀጡ፤ ርሕቕ ኢሎምውን ደው በሉ።
19ናብ ሙሴ ድማ “ንስኻ ተዛረበና፥ ንሕናውን ክንሰምዕ ኢና። ኣቦና ግና ከይንመውት፥ ምሳና ኣይዛረብ” በልዎ።
20ሙሴ ድማ ነቲ ህዝቢ “ኣይትፍርሑ፤ ኣቦና ፍርሑ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽፀንሕ፥ ከይትሓጥኡውን፥ ክፍትነኩም እዩ ዝመፀ” በሎም። 21እቲ ህዝቢ ድማ ርሕቕ ኢሉ ደው በለ፤ ሙሴ ግና ናብቲ ኣቦና ዝነበሮ ግብ ዝበለ ፀልማት ቀረበ።
ሙሴ ይቐርብ
22ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ ኻብ ሰማይ ከም ዝተዛረብኩኹም ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኢኹም። 23ምሳይ ዝኾኑ ናይ ብሩር ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፤ ናይ ወርቂ ኣማልኽቲ ድማ ንርእስኻትኩም ኣይትግበሩ። 24ናይ ምድሪ መሰውኢ ስራሕለይ፤ ኣብኡ ድማ ዚሕረቕ መስዋእትኻን መስዋእቲ ሰላምን፥ ኣባጊዕኻን ከፍትኻን ሰውእ። ኣብ ኵሉ ስመይ ዝዝከረሉ ቦታ ናባኻ ክመፅእ፥ ክባርኸካውን እየ። 25ናይ እምኒ መሰውኢ እንተ ገበርካለይ፥ ብእተፀርበ ኣእማን ኣይትስርሓዮ፤ ኣብ ልዕሊኡ መሳርሒ እንተ ኣልዓልካሉ ኣርኪስካዮ ኢኻ እሞ። 26ሕፍረትካ ኣብ ልዕሊኡ ምእንቲ ኸይቅላዕ፥ ናብ መሰውእየይ ብመደያይቦ ኣይትደይብ።”