ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሙሴን እስራኤልን ይዝምሩ

ሙሴን እስራኤልን ነቲ ዘጋጠመ ዘመሩ—ፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ተደርብዩ፥ ኣቦና ተዋጋኢ ኾይኑ፥ የማነይቱ ነቲ ፀላኢ ትሰብሮ፥ ፍቕሪ ኪዳኑ ኸዓ ነቶም ዝተበዥዉ ናብ ገዛ ይመርሖም። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ማይ ሰኣኑ፥ እቲ ኣብ ማራ ዘሎ መሪር ቀላይ ድማ ጥዑም ኮነ።

ምዕራፍ 15።

ሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤልን እዝ መዝሙር እዙይ ንኣቦና ዘመሩ፦ ንኣቦና እዝምር ኣለኹ፥ ብኽብሪ ሰዓሩ እዩ እሞ፤ ንፈረስን ንፈረሰኛኡን ናብ ባሕሪ ደርበዮም። ኣቦና ሓይለይን መዝሙረይን እዩ፤ ንሱ ኸዓ ምድሓነይ ኮይኑ እዩ፤ እዙይ ኣቦይ እዩ፥ ከመስግኖውን እየ፥ ኣምላኽ ኣቦይ እዩ፥ ልዕል ከብሎውን እየ። ኣቦና ተዋጋኢ እዩ፤ ኣቦና ስሙ እዩ። ፈርዖን ንሰረገላታቱን ንሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፤ ሕሩያት መሳፍንቲ ኸዓ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ሰጠሙ። a a v4 ብዕብራይስጢ፦ ያም ሱፍ፥ “ባሕሪ ኣእዋም”። እቲ መዓሙቝ ማይ ኸደኖም፤ ከም እምኒ ድማ ናብ መዓሙቝ ወረዱ። ኦ ኣቦና! የማነይትኻ ብሓይሊ ግርምቲ እያ፤ ኦ ኣቦና! የማነይትኻ ነቲ ፀላኢ ትሰብሮ። ብዕቤት ግርማኻ ነቶም ዝትንስኡኻ ትግልብጦም፤ ነቲ ዝነድድ ቍጥዓኻ ትሰዶ፤ ከም ሓሰር ከዓ ይበልዖም። ብእስትንፋስ ኣፍንጫኻ እቲ ማይ ተኸመረ፤ እቲ ዝውሕዝ ማይ ከም ኵምራ ቆመ፤ እቲ መዓሙቝ ማይ ኣብ ልቢ ባሕሪ ረጎደ። እቲ ፀላኢ ድማ “ክስዕብ፥ ክርከብ፥ ነቲ ምርኮ ኸዓ ክመቅል እየ፤ ብእኡ ድማ ክፀግብ እየ። ሰይፈይ ክመልሕ እየ፤ ኢደይ ከዓ ከተጥፍኦም እያ” በለ። ብንፋስካ ነፋሕካ፤ እቲ ባሕሪ ኸደኖም፤ ኣብቲ ብርቱዕ ማይ ከም ዕረር ሰጠሙ። ኦ ኣቦና! ኣብ ማእኸል ኣማልኽቲ ኸማኻ መን ኣሎ? ብቕድስና ግሩም፥ ብኽቡር ተግባራት ዝፍራሕ፥ ተኣምራት ዝገብር፥ ከማኻ መን ኣሎ? የማነይትኻ ዘርጋሕካ፤ እታ ምድሪ ኸዓ ወሓጠቶም። ብምሕረትካ ነቲ ዝተበዣኻዮ ህዝቢ መራሕካዮ፤ ብሓይልኻ ድማ ናብ ቅዱስ ማሕደርካ መራሕኻዮም። እቶም ህዝብታት ሰምዑ፤ ተንቀጥቀጡ፤ ንህዝቢ ፍልስጥኤም ድማ ጓህ ሓዞም። ሕዚ እቶም ሹመኛታት ኤዶም ሰምበዱ፤ ነቶም ዓበይቲ ሞኣብ ራዕዲ ሓዞም፤ ኵሎም እቶም ኣብ ከነዓን ዝነብሩ ኸዓ መኸኹ። ፍርሓትን ራዕድን ወደቖም፤ ብዕቤት ቅልፅምካ ህዝብኻ ኽሳዕ ዝሓልፍ፥ ኦ ኣቦና! እቲ ዝዓደግካዮ ህዝቢ ኽሳዕ ዝሓልፍ፥ ከም እምኒ ቀሰሙ። ናብ ውሽጢ ኸተእትዎምን ኣብ እምባ ርስትኻ ኽትተኽሎምን ኢኻ፤ ኦ ኣቦና! ነታ ንማሕደርካ ዝገበርካ ቦታ፥ ኦ ልዑል ኣቦ! ነቲ ኣእዳውካ ዘቘመቶ መቕደስ። ኣቦና ንዘለኣለመ ኣለም ክነግስ እዩ።

ኣፍራስ ፈርዖንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ምስ ኣተዉ፥ ኣቦና ንማይ እታ ባሕሪ ኣብ ልዕሊኦም መለሶ፤ ደቂ እስራኤል ግና ብንቑፅ ምድሪ ኣቢሎም ብማእኸል እታ ባሕሪ ተሳገሩ። ማርያም እታ ነብይት፥ ሓፍቲ ኣሮን፥ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፤ ኵለን እተን ኣንስቲ ኸዓ ብኸበሮን ብስዕስዒትን ሰዓባኣ። ማርያም ድማ ከምዙይ ኢላ ዘመረትሎም፦ “ንኣቦና ዘምሩሉ፥ ብኽብሪ ሰዓሩ እዩ እሞ፤ ንፈረስን ንፈረሰኛኡን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።”

ናብ ምድረ በዳ

ሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ምድረ በዳ ሱር መርሖም፤ ኣብቲ ምድረ በዳ ሰለስተ መዓልቲ ተጓዒዞም ማይ ኣይረኸቡን። ናብ ማራ መፁ፤ እቲ ማይ ግና መሪር ስለ ዝነበረ ኽሰትይዎ ኣይከኣሉን። ስለዙይ ከዓ ማራ ተሰምየት። እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኣጕረምረሙ፥ “እንታይ ክንሰቲ ኢና?” ከዓ በሉ። ናብ ኣቦና ጨደረ፤ ንሱ ኸዓ ሓደ ጉንዲ ኦም ኣርኣዮ፤ ናብቲ ማይ ደርበዮ፤ እቲ ማይ ድማ ጥዑም ኮነ። ኣብኡ ኣቦና ሕግን ስርዓትን መደበሎም፥ ኣብኡ ድማ ፈተኖም።

ንሱ ድማ ከምዙይ በለ፦ “ንቓል ኣቦኻ ብሓቂ እንተ ሰማዕኻ፥ ኣብ ቅድሚኡ ቅኑዕ እንተ ጌርካ፥ ንትእዛዛቱ እንተ ተኣዘዝካ፥ ኵሉ ሕግጋቱ ድማ እንተ ሓሎኻ፥ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ዘውረድኩዎ ሕማም ሓደ እኳ ኣባኻ ኣየውርድን እየ፤ ኣነ ኣቦኻ እቲ ዝፍውሰካ እየ እሞ።” b b v26 ኣብ መሪር ማይ ማራ፥ ኣቦና ከም እቲ ዝፍውስ ኮይኑ ንርእሱ ገለፀ፤ ነቲ ምረት ናብ ጥዑም እናለወጠ፥ ንርእሱ ኸዓ ከም ፈዋሲ ህዝቡ ኾይኑ ምሳታቶም ተኣሰረ።

ናብ ኤሊም ድማ መፁ፤ ኣብኣ ኸዓ ሰብዓ ኦም ተምርን ዓሰርተ ኽልተ ዓይኒ ማይን ነበረ፤ ኣብኡ ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ማይ ሰፈሩ።