ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ፍርዲ ኣብ ደገ

መግረፍቲ ኣብ ኣርብዓ ግፍዒ ይድረት፥ ሓውካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ምእንቲ ኸይንወር። ነቲ እኽሊ ዝረግፅ ብዕራይ ኣፉ ኣይእሰር። ስም ናይ ዝሞተ ሰብኣይ መበለት ብሓዉ ይፅናዕ፥ እንተ ዘይኮነ እቲ ሓው ኣብ ደገ ይሓፍር። ሚዛንን መስፈርን ድማ ቅኑዕ ይኹን።

ምዕራፍ 25።

ሰባት ተባኢሶም ናብ ፍርዲ እንተ ኸዱ፥ እቶም ኣብ መንጎኦም ዝፍረዱ ፈራዶ ነቲ ንፁህ የፃድቕዎ፥ ነቲ በዳሊ ድማ ይኵንንዎ፤ እቲ በዳሊ ሰብ ክውቃዕ ዝግብኦ እንተ ኾይኑ፥ እቲ ፈራዲ ኣብ ቅድሚኡ ኣደቂሱ፥ ከም መጠን በደሉ ብቝፅሪ የውቅዖ። ኣርብዓ ግዜ ይውቃዕ እምበር ካብኡ ኣይበዝሕ፤ ካብዙይ ንላዕሊ እንተ ወቒዕዎ ግና፥ ሓውካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ይንወር።

ነቲ እኽሊ ዝረግፅ ዘሎ ብዕራይ ኣፉ ኣይትእሰሮ።

ኣሕዋት ብሓደ እንተ ነቢሮም፥ ካባታቶም ሓደ ወዲ ኸይወለደ እንተ ሞተ፥ ሰበይቲ እቲ ዝሞተ ሰብ ናብ ወፃኢ ንኻልእ ሰብኣይ ኣይትመርዓ። ሓው ሰብኣያ ኣእትዩ ይመርዓዋ፥ ምስኣ ይደቅስ፥ ናይ ሓው ሰብኣያ ግቡእ ድማ ይግበረላ። እቲ ንሳ እትወልዶ በዂሪ ብስም እቲ ዝሞተ ሓዉ ይስመ፤ ስሙ ኸዓ ካብ እስራኤል ከይጠፍእ።

እቲ ሰብኣይ ግና ሰበይቲ ሓዉ ከእቱ እንተ ዘይደለየ፥ እታ ሰበይቲ ናብቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ዓበይቲ ደይባ ከምዙይ ትበል፦ “ሓው ሰብኣየይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ከተንስእ ኣብዩ፤ ናይ ሓው ሰብኣየይ ግቡእ ክገብረለይውን ኣይደለየን።” ሽዑ ዓበይቲ እታ ኸተማኡ ፀዊዖም ይዛረብዎ። ንሱ ድማ ፀኒዑ “ኸእትዋ ኣይደልን እየ” እንተ በለ፥ ሰበይቲ ሓዉ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ ናብኡ ቐሪባ፥ ካብ እግሩ ሳእኑ ኣውፂኣ፥ ኣብ ገፁ እንትፍ ኢላ ከምዙይ ትበል፦ “ነቲ ቤት ሓዉ ዘይሃንፅ ሰብ ከምዙይ ይግበሮ።” ዓሌቱ ኸዓ ኣብ እስራኤል “ቤት እቲ ሳእኑ ዝተውፅአ” ተባሂሉ ይፅዋዕ።

ክልተ ሰባት እንተ ተባኣሱ፥ ሰበይቲ እቲ ሓደ ድማ ሰብኣያ ኻብ ኢድ እቲ ዝወቕዖ ኸተድሕን መፂኣ፥ ኢዳ ዘርጊሓ ሕፍረቱ እንተ ሓዘት፥ ኢዳ ቍረፅ፤ ኣይትራህርሃላ።

ኣብ ሳንጣኻ ኽልተ ዓይነት ሚዛን፥ ዓብዪን ንእሽተይን ኣይሃሉኻ። ኣብ ቤትካ ኽልተ ዓይነት መስፈሪ፥ ዓብዪን ንእሽተይን ኣይሃሉኻ። ምሉእ ቅኑዕ ሚዛን ይሃሉኻ፤ ምሉእ ቅኑዕ መስፈሪ ይሃሉኻ፤ ምእንቲ ኣብታ ኣቦኻ ዝህበካ ዘሎ ምድሪ መዓልቲታትካ ክናዋሕ። እቲ ኸምዙይ ዝገብር ኵሉ፥ ዓመፃ ዝገብር ኵሉ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ ፍንፉን እዩ እሞ።

ካብ ግብፂ ኽትወፅእ እንተለኻ፥ ኣማሌቅ ኣብ መንገዲ ዝገበረካ ዘክር፤ ንሱ ኣብ መንገዲ ተራኺቡካ፥ ኣብ ዝደኸምካን ዝሓለልካን ጊዜ ነቶም ብድሕሬኻ ዝተረፉ ኵሎም ቀተለ፤ ንኣቦናውን ኣይፈርሀን። ኣብታ ኣቦኻ ንርስቲ ኽትወርሳ ዝህበካ ዘሎ ምድሪ፥ ኣቦኻ ኻብ ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ፀላእትኻ ዕረፍቲ ምስ ሃበካ፥ ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማይ ደምስሶ፤ ኣይትረስዕ።