ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሕግጋት ቤትን ብፃይን

ንሰባት ኣብቲ ዝበዝሐ ተነቃፍነቶም ዝሕልዉ ሕግታት፦ ሓዳስ ሰበይቲ ዘእተወ ንሓደ ዓመት ካብ ውግእ ነፃ ይኹን፥ መጥሐን ትሕጃ ኣይውሰድ፥ ክዳን ድኻ ፀሓይ እንተይዓረበት ይምለስ፥ ዓስቢ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ይከፈል። እቲ ዝተረስዐ እንዳእትን እቲ ዝተረፈ ዘይትን ወይንን ድማ ናይ ስደተኛን ደኽታምን መበለትን እዩ።

ምዕራፍ 24።

ሓደ ሰብ ሰበይቲ ኣእትዩ፥ ኣብኣ ዘሕፍር ነገር ስለ ዝረኸበ ደስ እንተ ዘይበለቶ፥ መፍትሒኣ ዝነግር ፅሑፍ ፅሒፉ ኣብ ኢዳ ይህቦ፥ ካብ ቤቱ ድማ ይስደዳ፥ a a v1 ሙሴ ብሰሪ ትሪ ልቢ ሰብ ፍትሕ ፈቒዱ እዩ፤ ኢየሱስ ግና ናብቲ ናይ ኣቦና ናይ መጀመርታ ንምሉእ ዕድመ ዝኸውን ሓድነት ዝነበረ መደብ ኣመልከተ (ማቴዎስ 19፥8)። ካብ ቤቱ ወፂኣ ኸዓ ኸይዳ ሰበይቲ ኻልእ ሰብ እንተ ኾነት፥ እቲ ኻልኣይ ሰብኣያ ድማ እንተ ፀልኣ፥ መፍትሒኣ ዝነግር ፅሑፍ ፅሒፉ ኣብ ኢዳ ይህቦ፥ ካብ ቤቱ ድማ ይስደዳ፥ ወይ ከዓ እቲ ሰበይቱ ኽትከውን ዝወሰዳ ኻልኣይ ሰብኣይ እንተ ሞተ፥ እቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያ ድማ፥ ድሕሪ ምርኻሳ መሊሱ ኣይመርዓያ፤ እዙይ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ፅዩፍ እዩ እሞ፥ ነታ ኣቦኻ ንርስቲ ዝህበካ ምድሪ በደል ኣይተምፅኣላ።

ሓደ ሰብ ሓዳስ ሰበይቲ ምስ ኣእተወ፥ ናብ ውግእ ኣይኺድ፥ ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይወሃቦን፤ ነታ ዘእተዋ ሰበይቲ ደስ ከብላ፥ ሓደ ዓመት ኣብ ቤቱ ናፃ ይኹን።

ዝኾነ ሰብ ክልተ መጥሐን፥ ወይ እታ ላዕለወይቲ መጥሐን ጥራሕ፥ ትሕጃ ዕዳ ኣይሓዝ፤ ነፍሲ ሰብ ትሕጃ ይሕዝ ኣሎ እዩ እሞ።

ሓደ ሰብ ካብ ኣሕዋቱ ደቂ እስራኤል ንሓደ ሰሪቑ፥ ባርያ ጌሩ እንተ ተጠቒሙሉ ወይ እንተ ሸጦ እንተ ተረኺቡ፥ እቲ ሰራቒ ይሙት። ነቲ ክፉእ ድማ ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።

ብዛዕባ ሕማም ለምፂ፥ ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝክዎም፥ ከምቲ እቶም ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ዝምህሩኹም ጌርኩም ፈፂምኩም ክትገብሩ ኣዚኹም ተጠንቀቑ። ካብ ግብፂ ክትወፅእ እንተለኻ፥ ኣቦኻ ኣብ መንገዲ ንማርያም ዝገበረላ ዘክር።

ንብፃይካ ዝኾነ ነገር ምስ ኣለቃሕካዮ፥ ትሕጃ ኽትወስድ ናብ ቤቱ ኣይትእቶ። ኣብ ወፃኢ ደው በል፤ እቲ ዝተለቅሐ ሰብ ድማ ነቲ ትሕጃ ናባኻ የውፅኣልካ። ድኻ ሰብ እንተ ኾይኑ ድማ፥ ትሕጃ ምሳኻ ኣይሕደር። ብኽዳኑ ደቂሱ ምእንቲ ክባርኸካ፥ ፀሓይ እንተይዓረበት ትሕጃ ምለሰሉ፤ ኣቦኻ ድማ ፅድቂ ጌሩ ክሓስበልካ እዩ።

ሓው ይኹን ኣብ ምድርኻ ኣብ ከተማታት ዝነብር ስደተኛ፥ ድኻን ምስኪንን ዝኾነ ዕሱብ ሰራሕተኛ ኣይትዓምፆ። ንሱ ድኻ እዩ እሞ ተስፋ ኣብኡ ገይሩ ኣሎ፤ ዓስቡ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ፀሓይ እንተይዓረበት ክፈሎ፤ እንተ ዘይኮነ ናባኻ ናብ ኣቦና ክፅውዕ እዩ እሞ ሓጢኣት ይኾነካ።

ወለዲ ብሰሪ ደቆም ኣይቀተሉ፥ ደቂውን ብሰሪ ወለዶም ኣይቀተሉ፤ ነፍሲ ወከፍ ብገዛ ሓጢኣቱ ይሙት።

ንስደተኛን ንደኽታምን ፍርዲ ኣይተቕይኖም፤ ክዳን መበለት ድማ ትሕጃ ኣይትሓዝ። ኣብ ግብፂ ባርያ ኸም ዝነበርካ፥ ኣቦኻ ድማ ካብኡ ኸም ዝተቤዘወካ ዘክር፤ ስለዙይ ከምዙይ ክትገብር እእዝዘካ ኣለኹ።

ኣብ ግራትካ ምስ ዓፀድካ፥ ሓንቲ እንዳእቲ እንተ ረሳዕካ፥ ኽትወስዳ ኣይትመለስ። ኣቦኻ ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካ ምእንቲ ክባርኸልካ፥ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ሕደጋ። ኣውሊዕካ ምስ ሃረምካ፥ ነቲ ጨንፈር ደጊምካ ኣይትሕለፎ፤ እቲ ዝተረፈ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ይኹን።

ወይኒ ኣታኽልትኻ ምስ ቀረምካ፥ ነቲ ዝተረፈ ኣይትቐርም፤ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ይኹን። ኣብ ምድሪ ግብፂ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር፤ ስለዙይ እዩ ከምዙይ ክትገብር ዝእዝዘካ ዘለኹ።