ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ናብ ኣኼባ ኣቦና ክኣቱ ዝኽእል መን እዩ

መን ናብ ኣኼባ ኣቦና ኸም ዝኣቱ ዝምልከት ሕግታት፥ ከምኡውን ኣቦኻ ስለ ዘፍቀረካ ነቲ መርገም በለዓም ናብ በረኸት ዝቐየረሉ መዘከርታ። ኣቦና ኣብ ማእኸል ሰፈርካ ይመላለስ ስለ ዘሎ፥ እቲ ሰፈር ንፁህ ይኹን። ዝሃደመ ባርያ ናብ ጐይታኡ ኣይተሕልፎ። ካብ ሓውካ ሃረፃ ኣይትውሰድ፤ መብፅዓ ድማ ይፈፀም።

ምዕራፍ 23።

ፍረ ነፍሱ ዝተጨፍለቐ ወይ ብልዕቱ ዝተቘርፀ ሰብ፥ ናብ ኣኼባ ኣቦና ኣይእቶ። ብዝሙት ዝተወልደ ሰብ ናብ ኣኼባ ኣቦና ኣይእቶ፤ ዘርኡ ኸዓ ክሳዕ ዓስራይ ወለዶ ናብ ኣኼባ ኣቦና ኣይእቶ። ኣሞናዊ ኾነ ሞኣባዊ ናብ ኣኼባ ኣቦና ኣይእቶ፤ ካብኣቶም ዝኾነ ሰብ ክሳዕ ዓስራይ ወለዶ ንዘለኣለም ናብ ኣኼባ ኣቦና ኣይእቶ። ካብ ግብፂ ክትወፁ እንተለኹም ኣብ መንገዲ ብእንጀራን ማይን ስለ ዘይተቐበሉኹም፥ ክረግሙኹም ከዓ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ካብ ፋቱራ ናይ መስጴጦምያ ቈፀርዎ እዮም እሞ። ኣቦኻ ግና ንበለዓም ክሰምዖ ኣበየ፤ ኣቦኻ ስለ ዘፍቀረካ ኸዓ፥ ነቲ መርገም ንበረኸት ቀየረልካ። ብዅሉ ዘመንካ ንዘለኣለም ሰላሞም ኮነ ሃብቶም ኣይትድለ። ንኤዶማዊ ኣይትንዓቕ፤ ንሱ ሓውካ እዩ እሞ። ንግብፃዊ ኣይትንዓቕ፤ ኣብ ሃገሩ ጓና ኔርካ ኢኻ እሞ። እቶም ኣብ ሳልሳይ ወለዶ ዝተወለድሎም ውሉድ፥ ናብ ኣኼባ ኣቦና ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም።

ቅድስና ኣብ ሰፈር

ኣብ ልዕሊ ፀላእትኻ ሰፊርካ ክትዋጋእ ምስ ወፃእኻ፥ ካብ ኵሉ እኩይ ነገር ርእስኻ ሓሉ። ካባኻትኩም ሓደ ሰብ ብለይቲ ዘርኢ ፈሲስዎ እንተ ረኺሱ፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር ይውፃእ፤ ናብ ሰፈር ከዓ ዳግም ኣይእቶ። ምሸት ምስ ቀረበ ድማ ብማይ ይተሓፀብ፤ ፀሓይ ምስ ዓረበት ከዓ ናብ ሰፈር ይመለስ። ኣብ ወፃኢ ሰፈር፥ ናብኡ ወፂእኻ ደገ እትፍትነሉ ቦታ ይሃሉኻ። ካብ ኣፅዋርካ ሓደ መጓሓፊ ተማላእ፤ ኣብ ወፃኢ ምስ ተቐመጥካ ድማ ብእኡ ጕድጓድ ኵዒትካ ርስሓትካ ደፍኖ። ኣቦኻ ኼይዱ ከድሕነካን ፀላእትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ክህበካን ኣብ ማእኸል ሰፈርካ ይመላለስ እዩ እሞ፤ ስለዙይ ኣብ ማእኸልካ ዘሕፍር ነገር ርእዩ ካባኻ ከይምለስ፥ ሰፈርካ ቅዱስ ይኹን።

ሕግጋት ናይ ሓባር ናብራ

ካብ ጐይታኡ ናባኻ ዝሃደመ ባርያ፥ ናብ ጐይታኡ ኣይተሕልፎ። ኣብ ማእኸልካ፥ ኣብታ ዝመረፃ ኸተማኻ፥ ኣብ ዝደለዮ ኵሉ ምሳኻ ይንበር። ኣይትግፍዓዮ።

ካብ ኣዋልድ እስራኤል ኣመንዝራ መቕደስ ኣይትኹን፤ ካብ ኣወዳት እስራኤል ከዓ ኣመንዝራ መቕደስ ኣይኹን። a a v17 “ኣመንዝራ መቕደስ” ምስ ኣምልኾ ጣኦት ዝተኣሳሰረ ደኣ እምበር፥ ከም ንቡር ዝሙት ኣይነበረን፤ እዝ ልምዲ እዙይ ጾታዊ ርክብ ምስ ኣምልኾ ጣኦት ዝሓዋወሰ ነበረ፤ ኣቦናውን ኣብ ማእኸል ውሉዱ ከምዙይ ክግበር ይኽልክል እዩ። ዓስቢ ኣመንዝራ ወይ ዋጋ ከልቢ፥ ንዝኾነ መብፅዓ ናብ ቤት ኣቦኻ ኣይተእቱ፤ ክልቲኦም ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ ፅዩፋት እዮም እሞ። b b v18 “ከልቢ” ኣብዙይ ተባዕታይ ኣመንዝራ መቕደስ ንምባል ዝዝረብ ቃል እዩ፤ ዋግኡ ድማ ከም ናይ ኣመንዝራ፥ ከም መባእ ክቐርብ ክልኩል እዩ።

ንሓውካ ሃረፃ ኣይትውሰደሉ፤ ናይ ገንዘብ ኮነ ናይ እኽሊ ወይ ናይ ዝልቃሕ ዝኾነ ነገር ሃረፃ ኣይትውሰደሉ። ካብ ጓና ሃረፃ ውሰድ እምበር ካብ ሓውካ ኣይትውሰድ፤ ናብታ ክትወርሳ እትኣትዋ ዘለኻ ምድሪ ኣብ እትገብሮ ኵሉ ግብሪ ኢድካ ኣቦኻ ምእንቲ ኽባርኸልካ።

ንኣቦኻ መብፅዓ ምስ ተመባፅዕካ፥ ንምፍፃም ኣይትደንጒ፤ ኣቦኻ ብርግፅ ካባኻ ክደልዮ እዩ እሞ፤ ኣባኻ ኸዓ ሓጢኣት ይኸውን። ግና መብፅዓ ካብ ምእታው እንተ ተቖጠብካ፥ በደለኛ ኣይትኸውንን። ነቲ ንኣቦኻ ዝተመባፅዕካዮ፥ ሓልዎ ፈፅም፤ ብገዛእ ኣፍካ ብፍቓድካ ተዛሪብካ ኢኻ እሞ። ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ብፃይካ ምስ ኣተኻ፥ ከም ዝደለኻዮ ወይኒ ፀጊብካ ብላዕ፤ ናብ መትሓዚኻ ግና ሓደ እኳ ኣይተእቱ። ናብ ዘይተዓፀደ እኽሊ ብፃይካ ምስ ኣተኻ፥ ብኢድካ ሰዊት ክትቅንጥብ ትኽእል ኢኻ፤ ኣብ ዘይተዓፀደ እኽሊ ብፃይካ ግና ማዕፀድ ኣይተእቱ።