እታ ኣቦኻ ዝህበካ ምድሪ
በዅሪ ፍረ ምድሪ እናኣምፀአ፥ እቲ ኣምላኺ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ዓው ኢሉ የዘንቱ — ኣቦይ ኰብላሊ ሶርያዊ ነበረ፥ ኣእዌና፥ ኣቦና ድማ ሰሚዑ ኣውፅአና — ሽዑ ድማ ምስ ሌዋውን ስደተኛን ይህብን ይሕጐስን። ሎሚ ንስኻ ህዝቡ ኽትከውን ኣወጀ።
26 1ናብታ ኣቦኻ ንርስቲ ዝህበካ ምድሪ ምስ ኣተኻ፥ ወሪስካያ ኣብኣ ተቐመጥ፤ 2ካብቲ ኣቦኻ ኻብ ዝህበካ ምድሪ ዝርከብ ዅሉ ፍረ ምድሪ፥ ገለ በዅሪ ወሲድካ ኣብ መሶብ ኣንብሮ፥ ናብታ ኣቦኻ ስሙ ኸንብረላ ዝሓረያ ቦታ ድማ ኪድ። 3ናብቲ ሽዑ ዘገልግል ካህን ድማ ኬድካ ፦ “ናብታ ኣቦና ኽህበና ነቦታትና ዝመሓለሎም ምድሪ ከም ዝኣተኹ፥ ሎሚ ንኣቦኻ እገልፅ ኣለኹ” በሎ። 4እቲ ካህን ድማ ነቲ መሶብ ካብ ኢድካ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ኣቦኻ የንብሮ። 5ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ ድማ ከምዙይ ኢልካ ግለፅ ፦ “ኣቦይ ኰብላሊ ሶርያዊ ነበረ፤ ናብ ግብፂ ወሪዱ ኸዓ ብቝፅሪ ውሑድ ኾይኑ ኣብኡ ኸም ስደተኛ ተቐመጠ፤ ኣብኡ ድማ ዓብዪን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ኾነ።” 6ግብፃውያን ግና ኣሳቐዩና፥ ኣጨነቑና፥ ናብ ከቢድ ባርነት ድማ ኣገደዱና። 7ናብ ኣቦና ኣእዌና፤ ኣቦና ድማ ድምፅና ሰምዐ፤ መከራናን ፃዕርናን ጭቆናናን ከዓ ረአየ። 8ስለዙይ ኣቦና ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልፅምን ብዓብዪ ፍርሓትን ብምልክትን ብተኣምራትን ካብ ግብፂ ኣውፅአና። 9ናብዝ ቦታ እዙይ ኣምፂኡና ኸዓ ነዛ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ነዛ ምድሪ እዚኣ ሃበና። 10“ሕዚ ድማ ኦ ኣቦና፥ ነቲ ንስኻ ዝሃብካኒ በዅሪ ፍረ ምድሪ ኣምፂአ ኣለኹ።” ሽዑ ኣብ ቅድሚኡ ኣንብሮ፥ ኣብ ቅድሚኡ ድማ ስገድ። 11ንስኻን እቲ ሌዋዊን እቲ ኣብ ማእኸልካ ዝነብር ስደተኛን፥ በቲ ኣቦኻ ንዓኻን ንስድራኻን ዝሃበካ ዅሉ ፅቡቕ ነገር ተሓጐሱ።
12ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት፥ ዓመት ዓስራት፥ ምሉእ ዓስራት ፍርያትካ ኣምፂእኻ ምስ ወዳእካ፥ ነቲ ሌዋዊን ነቲ ስደተኛን ነቲ ደኽታምን ነታ መበለትን ድማ ኣብ ከተማታትካ ኾይኖም ምእንቲ ኽበልዑን ኽፅገቡን ምስ ሃብካዮም፥ 13ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ ኸምዙይ በል ፦ ነቲ ቅዱስ ግደ ኻብ ቤተይ ኣውፂአ፥ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ዅሉ ንሌዋዊን ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ሃብክዎም። ትእዛዛትካ ኣይጠሓስኩን፥ ኣይረሳዕኹን። 14ኣብ ሓዘነይ ካብኡ ኣይበላዕኹን፤ ረኺሰ ኸለኹ ካብኡ ኣየርሓቕኩን፤ ካብኡ ንምዉታት ኣይሃብኩን። ንቓል ኣቦይ ተኣዘዝኩ፤ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ዅሉ ገበርኩ። 15ካብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ቅዱስ ማሕደርካ ጠምት እሞ፥ ንእስራኤል ህዝብኻን ነታ ነቦታትና ኸም ዝመሓልካሎም ንኣና ዝሃብካና፥ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድርን ባርኽ።
ብምሉእ ልብን ነፍስን ምእዛዝ
16ሎሚ ኣቦኻ ነዞም ሕግጋትን ፍርድታትን ክትገብሮም ይእዝዘካ ኣሎ፤ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ድማ ሓልዎምን ግበሮምን። 17ሎሚ ንኣቦኻ ኣቦኻ ኽትገብሮ፥ ብመንገዱ ኽትከይድ፥ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ክትሕሉ፥ ንእኡ ድማ ክትእዘዞ ገሊፅካ ኢኻ። 18ሎሚ ኣቦኻ ኸምቲ ዝተመባፅዓልካ፥ ህዝቡን ሕልፊ ገንዘቡን ክትከውን፥ ኵሉ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕሉ ገሊፁካ ኣሎ፥ 19ንእኡ ኸዓ ንምስጋናን ንዝናን ንኽብርን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ዝገበሮ ኣህዛብ ልዑል ክገብረካ እዩ፤ ከምቲ ዝተዛረበ ድማ ንኣቦኻ ቅዱስ ህዝቢ ክትከውን ኢኻ።