ኣቦ ንኪዳኑ የሕድሶ
ሓደስቲ ፅላት ተፀሪቦም ኣብ ታቦት ተቐመጡ፤ ሌዊ ድማ ኣቦና ባዕሉ ርስቱ ኾይኑ ተፈለየ። ሽዑ እቲ ሕቶ፦ ኣቦና እንታይ እዩ ዝደልየካ? ክትፈርሖ፥ ከተፍቅሮ፥ ከተገልግሎ። ንሱ ነቲ ጓና የፍቅሮ፥ ምግቢ ድማ ይህቦ፤ ስለዙይ ንጓኖት ኣፍቅርዎም።
10 1በታ ጊዜ እቲኣ ኣቦና ከምዙይ በለኒ፦ “ክልተ ፅላት እምኒ ከምተን ቀዳሞት ፅረብ፤ ናብ እምባ ናባይ ደይብ፤ ታቦት ዕንፀይቲውን ግበር። 2ነቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ፅላት ዝነበረ ቃላት ኣብተን ፅላት ክፅሕፎ እየ፤ ኣብታ ታቦት ከዓ ኣንብሮም።”
3ካብ ዕንፀይቲ ሰራው ድማ ታቦት ሰሪሐ፥ ክልተ ፅላት እምኒ ከምተን ቀዳሞት ፀሪበ፥ እተን ክልተ ፅላት ኣብ ኢደይ ሒዘ ናብቲ እምባ ደየብኩ። 4ኣብተን ፅላት ድማ ከም ቀደም ነቲ ኣቦና በታ መዓልቲ ኣኼባ ኣብቲ እምባ ካብ ማእኸል እቲ ሓዊ ዝተዛረበኩም ዓሰርተ ትእዛዛት ፀሓፈ፤ ኣቦና ድማ ሃበኒ። 5ተመሊሰ ካብቲ እምባ ወረድኩ፤ ነተን ፅላት ድማ ኣብታ ዝሰራሕክዋ ታቦት ኣንበርኩወን፤ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዘኒ ኸዓ ኣብኣ ፀኒሐን ኣለዋ።
6ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ብኤሮት ብኔያዕቃን ተልዒሎም ናብ ሞሴራ ከዱ፤ ኣብኡ ኣሮን ሞተ፥ ኣብኡውን ተቐበረ፤ ኣልኣዛር ወዱ ኸዓ ኣብ ክንድኡ ኻህን ኮይኑ ኣገልገለ። 7ካብኡ ናብ ጉድጎዳ ተጓዓዙ፤ ካብ ጉድጎዳ ድማ ናብ ዮጥባታ፥ ናብታ ምድሪ ወሓዝቲ ማያት ተጓዓዙ። 8በታ ጊዜ እቲኣ ኣቦና ንነገድ ሌዊ፥ ታቦት ኪዳን ክፆሩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ደው ክብሉ፥ ከገልግልዎ፥ ብስሙውን ክባርኹ ፈለዮም፤ ከምዙይ ከዓ ክሳዕ ሎሚ ይገብሩ ኣለዉ። 9ስለዙይ ሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደን ርስትን የብሉን፤ ከምቲ ኣቦና ዘተስፈዎ ኣቦና ርስቱ እዩ።
10ከምቲ ቀዳማይ ጊዜ ኣብቲ እምባ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፀናሕኩ፤ ኣቦና ድማ መሊሱ ሰምዐኒ፤ ኣቦና ኼጥፍአኩም ኣይደለየን።
11ኣቦና ድማ ከምዙይ በለኒ፦ “ተስእ፤ ነታ ንኣቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣትዮም ምእንቲ ኽወርስዋ፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ ኺድ።”
ኣቦና ካባኻ ዝደልዮ
12ሕዚ ድማ፥ ኦ እስራኤል፥ ኣቦና፥ ንእኡ ክትፈርሕ፥ ብዅሉ መንገድታቱ ኽትከይድ፥ ከተፍቅሮ፥ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ከተገልግሎ፥ 13ነዝ ኣነ ሎሚ ንጥቕምኻ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛት ኣቦናን ሕግጋቱን ክትሕሉ ደኣ እምበር እንታይ ይደልየካ? 14እንሆ፥ ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ምድርን ኵሉ ኣብኣ ዘሎን ናይ ኣቦና እዩ። 15ኣቦና ግና ንኣቦታትካ ኣፍቀሮም፤ ድሕሪኣቶም ከዓ ንዘርኦም፥ ንኣኻ ኻብ ኵሎም ህዝብታት፥ ከምዛ ሎሚ መዓልቲ ሓረየ። 16ስለዙይ ቝልፈት ልብኻ ግረዝ፤ ደጊምውን ተሪር ዝኽሳድካ ኣይትኹን። a a v16 “ቝልፈት ልብኻ ግረዝ” ዝብል፥ ነቲ ንልቢ ተፃራርን ዕፁውን ዝገብሮ ዘበለ ኵሉ ምቝራፅ፥ ንኣቦና ኸዓ ፈፂሙ ምኽፋቱ ዘመልክት እዩ። 17ኣቦና ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ ጐይታ ጐይቶት፥ እቲ ዓቢይን ሓያልን ዝፍራሕን ኣምላኽ፥ ኣድልዎ ዘይገብር ጉቦውን ዘይቅበል እዩ እሞ። 18ንደኽታምን ንመበለትን ይፈርደሎም፤ ንስደተኛ ድማ ምግብን ክዳንን እናሃቦ የፍቅሮ። 19ስለዙይ ንስኻ እውን ኣብ ምድሪ ግብፂ ስደተኛታት ኔርካ ኢኻ እሞ፥ ንስደተኛ ኣፍቅር። 20ንኣቦና ፍራሕ፤ ንእኡ ኣገልግሎ፤ ናብኡ ፅናዕ፤ ብስሙውን መሓል። 21ንሱ ውዳሴኻ፥ ነዝ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ ዓበይትን መፍርህትን ነገራት ዝገበረልካ ኣቦኻ እዩ። 22ኣቦታትካ ብቝፅሪ ሰብዓ ኾይኖም ናብ ግብፂ ወረዱ፤ ሕዚ ኸዓ ኣቦና ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዚሑካ ኣሎ።