ዳዊት ንዕዳ ደም ሳኦል የተዓሪቕ
ዳዊት ብዛዕባ ናይ ሰለስተ ዓመት ጥሜት ንኣቦና ጠየቐ፤ ሳኦል ነቶም ጊብዖናውያን ከም ዝቐተሎም ከዓ ተነግሮ፤ ሸውዓተ ኻብ ደቁ ድማ ተሰቕሉ። ሪፅጳ ነቶም ሬሳታት ክሳዕ ዝናም ዝወርድ ካብ ኣዕዋፍን ኣራዊትን ሓለወቶም፤ ዳዊት ከዓ ምስ ዓፅሚ ሳኦል ቀበሮም። ድሕሪኡ ሓደ ግዙፍ ፍልስጥኤማዊ ኽቐትሎ ቀረበ።
21 1ኣብ ዘመን ዳዊት ድማ ሰለስተ ዓመት፥ ዓመት ድሕሪ ዓመት፥ ጥሜት ኮነ፤ ዳዊት ከዓ ብዛዕባኡ ንኣቦና ጠየቐ። ኣቦና ድማ “ነቶም ጊብዖናውያን ስለ ዝቐተሎም፥ ኣብ ልዕሊ ሳኦልን ኣብ ልዕሊ ቤቱን ዕዳ ደም ኣሎ” በለ።
2እቲ ንጉስ ድማ ነቶም ጊብዖናውያን ፀዊዑ ተዛረቦም። (እቶም ጊብዖናውያን ኻብ ደቂ እስራኤል ዘይኮኑ፥ ተረፍ ኣሞራውያን እዮም ነይሮም፤ ደቂ እስራኤል ድማ ብህይወት ክሓድግዎም መሓሉ ነይሮም፤ ሳኦል ግና ንእስራኤልን ንይሁዳን ስለ ዝቐንአ፥ ክቐትሎም ደለየ።) 3ዳዊት ድማ ነቶም ጊብዖናውያን “እንታይ ክገብረልኩም? ንህዝቢ ኣቦና ምእንቲ ኽትምርቑ ኸመይ ገይረ ኸተዓሪቕ?” በሎም።
4እቶም ጊብዖናውያን ድማ “ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሳኦልን ስድራ ቤቱን ዝርከብ ነገር ብሩር ወይ ወርቂ ኣይኮነን፤ ኣብ እስራኤል ድማ ንሓደ ሰብ ክንቀትሎ መሰል የብልናን” በሉ። ዳዊት ከዓ “ዝበልኩምዎ ዘበለ ኽገብረልኩም እየ” በለ።
5ንንጉስ ድማ “እቲ ዘጥፍኣናን ኣብ ኵሉ ዶብ እስራኤል ቦታ ምእንቲ ኸይተርፈና ድማ ንምጥፋእና ዝሓሰበን ሰብኣይ፥ 6ካብ ደቁ ሸውዓተ ሰባት ይወሃቡና፤ ንሕና ድማ ኣብ ገባዖ ሳኦል ሕሩይ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንሰቕሎም ኢና” በሉ። እቲ ንጉስ ድማ “ክህበኩም እየ” በለ።
7እቲ ንጉስ ግና ዳዊትን ዮናታን ወዲ ሳኦልን ኣብ ቅድሚ ኣቦና ንሓድሕዶም ስለ ዝተማሓሓሉ፥ ንሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ተናሕሰየሉ። 8እቲ ንጉስ ግና ነቶም ሪፅጳ ጓል ኣያ ንሳኦል ዝወለደትሎም ክልተ ኣወዳት፥ ኣርሞኒን ሜምፊቦስቴን፥ ምስቶም ሜራብ ጓል ሳኦል ንዓድርኤል ወዲ ቤርዜሊ መሖላታዊ ዝወለደትሎም ሓሙሽተ ኣወዳት ወሰደ። 9ንሳቶም ድማ ኣብ ኢድ እቶም ጊብዖናውያን ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣብቲ እምባ ሰቐልዎም፤ እቶም ሸውዓተ ድማ ብሓንሳእ ወደቑ። ኣብ ቀዳማይ መዓልቲታት ቀውዒ፥ ቀውዒ ስገም ኣብ ዝጅመረሉ ጊዜ ተቐተሉ።
10ሽዑ ሪፅጳ ጓል ኣያ ወጮ ወሲዳ ኣብ ልዕሊ እቲ ኸውሒ ኣንፀፈቶ፥ ካብ መጀመርታ ቀውዒ ክሳዕ ኣብ ልዕሊ እቶም ሬሳታት ዝናም ዝወርድ፤ ብቐትሪ ነተን ኣዕዋፍ ካብኣቶም ትኽልክል፥ ብለይቲ ኸዓ ነተን ኣራዊት መሮር። a a v10 ወጮ፥ ንሓዘንን ጓህን ከም ዝረአ ምልክት ገይሩ ዝልበስ፥ ሐሪን ፀሊምን ዓለባ ነበረ። 11እቲ ሪፅጳ ጓል ኣያ ሰበይቲ ወሰን ሳኦል ዝገበረቶ ንዳዊት ምስ ነገርዎ፥ 12ናብ ሰብ ኢያቤስ ገለዓድ ከይዱ፥ ነቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ኣብ ጊልቦዓ ብዝቐተልሉ መዓልቲ ዝሰቐልዎ፥ ካብ ኣደባባይ ቤትሳን ብምስጢር ዘልዓልዎ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ወሰደ። 13ካብኡ ድማ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ኣዕፅምቲ ዮናታን ወዱን ኣደየቦ፤ ነቲ ኣዕፅምቲ እቶም ዝተሰቕሉ ሰባት ከዓ ኣከቡ። 14ነቲ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ኣብ ፄላ ኣብ ብንያም፥ ኣብ መቓብር ቂስ ኣቦኡ ቀበርዎ፤ ነቲ ንጉስ ዝኣዘዞ ዅሉ ኸዓ ገበሩ። ድሕሪ እዙይ ድማ ኣቦና ምእንቲ እታ ምድሪ ዝቐረበ ፀሎት ሰምዐ።
ጀጋኑ ዳዊት ንዓበይቲ ፍልስጥኤማውያን ሰዓርዎም
15ደጊም ከዓ ኣብ መንጎ ፍልስጥኤማውያንን እስራኤልን ውግእ ኮነ። ዳዊት ድማ ምስ ሓሻኽሩ ንፍልስጥኤማውያን ክዋጋእ ወረደ፥ ደኸመ ኸዓ። 16ኢሽቢበኖብ፥ ካብ ዘርኢ ራፋ ዝኾነ፥ ርእሲ ኲናቱ ብነሃስ ዝተሰርሐ ሰለስተ ኪሎ ግራም ምስ ፈረቓ ዝምዘን፥ ሓዱሽ ሰይፊ ዝዓጠቐ ሰብኣይ ንዳዊት ክወግኦ ደለየ። b b v16 ራፋ፥ ናይቶም ብዘይ ልሙድ ዓበይቲ ዝነበሩ ጀጋኑ፥ ማለት እቶም ኣብ መንጎ ፍልስጥኤማውያን ዝተዋግኡ ዓበይቲ ሰባት ዓሌት ኣቦ ነበረ። 17ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ግና ንዳዊት ክሕግዞ መፂኡ፥ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቀተሎ። ሽዑ ሰብ ዳዊት ከምዙይ ኢሉ መሓለሉ፦ “ደጊም መብራህቲ እስራኤል ከይተጥፍእ፥ ምሳና ናብ ውግእ ኣይትውፃእ።”
18ድሕሪ እዙይ ድማ ኣብ ጎብ ምስ ፍልስጥኤማውያን ካልእ ውግእ ኮነ። ሽዑ ሲበካይ ኩሳታዊ ንሳፍ፥ ካብ ደቂ ራፋ ንሓደ ዝኾነ፥ ወቒዑ ቀተሎ። 19ኣብ ጎብ ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ካልእ ውግእ ኮነ፤ ኣብኡ ኤልያናን ወዲ ያዓረ ኦሬጊም ቤተልሔማዊ ንጐልያድ ጌታዊ፥ ዛቢያ ዅናቱ ኽንዲ መጠቕለሊ ኣላማይ ዝነበረ፥ ቀተሎ። 20ኣብ ጌት ድማ ደጊም ውግእ ኮነ፤ ኣብኡ ሓደ ዓብዪ ሰብኣይ ነበረ፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኢዱ ሽዱሽተ ኣፃብዕቲ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እግሩ ድማ ሽዱሽተ ኣፃብዕቲ፥ ኵሉ ዕስራን ኣርባዕተን ነበሮ፤ ንሱ ኸዓ ንራፋ ተወሊዱ ነበረ። 21ንእስራኤል ምስ ፀረፈ ኸዓ፥ ዮናታን ወዲ ሳሚ ሓው ዳዊት ወቒዑ ቀተሎ። 22እዞም ኣርባዕተ እዚኣቶም ኣብ ጌት ካብ ራፋ እዮም ተወሊዶም፤ ብኢድ ዳዊትን ሓሻኽሩን ድማ ወደቑ።