ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ፃውዒት ህዝቅያስ፦ ናብ ኣቦኹም ተመለሱ

ሕዝቅያስ ንዅሎም እስራኤል፥ ነቲ ሰሜንውን ሓዊሱ፥ ናብ ፋሲካ ዓደሞም፤ ብዙሓት ካህናት ስለ ዘይተዳለዉ ኸዓ ብሓደ ወርሒ ደንጉዩ ተገብረ። ልኡኻቱ ኣብ ገለ ኸተማታት ተላገፁሎም፥ ኣብ ገሊኡ ድማ ተቐበልዎም። ብዙሓት ከይተቐደሱ በልዑ፥ ንሱ ኸዓ ምእንታኦም ፀለየ — ኣቦና ድማ ሰሚዑ ኣሕወዮም።

ምዕራፍ 30።

ህዝቅያስ ድማ ናብ ኵሎም እስራኤልን ይሁዳን ለኣኸ፤ ናብ ኤፍሬምን ምናሴን ከዓ መልእኽቲ ፀሓፈ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፋሲካ ምእንቲ ኸብዕሉ፥ ናብ ቤት ኣቦና ናብ ኢየሩሳሌም ክመፁ። እቲ ንጉስን ሹመኛታቱን ኵሉ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ጉባኤ ከዓ ነቲ ፋሲካ ኣብ ካልኣይ ወርሒ ኽገብርዎ ደልዮም ነበሩ፤ ካህናት በቂዖም ስለ ዘይተቐደሱ፥ እቶም ህዝቢ ኸዓ ኣብ ኢየሩሳሌም ስለ ዘይተኣከቡ፥ በቲ ጊዜ እቲ ኽገብርዎ ኣይከኣሉን ነይሮም እሞ። እቲ ነገር ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስን ኣብ ቅድሚ ኵሉ እቲ ጉባኤ ከዓ ፅቡቕ ኮይኑ ተርኣዮም፤ ስለዙይ ድማ ነቲ ፋሲካ ንኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ምእንቲ ክገብርዎ፥ እቶም ህዝቢ ናብ ኢየሩሳሌም ክመፁ፥ ካብ ቤርሳቤህ ክሳዕ ዳን ብዅላ እስራኤል ኣዊጆም ለኣኹ፤ ከምቲ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ብዙሓት ኮይኖም ተኣኪቦም ኣየብዓልዎን ነይሮም እሞ።

እቶም ልኡኻት ድማ ካብ ኢድ እቲ ንጉስን ሹመኛታቱን ብዝተውሃቦም መልእኽቲ፥ ከምቲ እቲ ንጉስ ዝኣዘዞም፥ ብዅላ እስራኤልን ይሁዳን ከይዶም ከምዙይ በሉ፦ “ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ናብ ኣቦና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን እስራኤልን ተመለሱ፤ ንሱ ድማ ናባኻትኩም ናብቶም ዝተረፍኩም ካብ ኢድ ነገስታት ኣሶር ዘምለጥኩም ተረፍ ክምለስ እዩ። ከምቶም ንኣቦና ኣምላኽ ኣቦታቶም ዝበደልዎ ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩም ከዓ ኣይትኹኑ፤ ንሱ ኸዓ ከምቲ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም ዑና ገበሮም። ከም ኣቦታትኩም ኣይትተርሩ፤ ነፍስኹም ንኣቦና ሃቡ፤ ናብቲ ንዘለኣለም ዝቐደሶ መቕደሱ ድማ ምፁ፤ እቲ ነዳዲ ቝጥዓኡ ካባኻትኩም ምእንቲ ኽምለስ ከዓ ንኣቦኹም ኣገልግሉ። ናብ ኣቦና እንተ ተመለስኩም፥ ኣሕዋትኩም ምስ ደቅኹም ካብ ማረኽቶም ምሕረት ክረኽቡ፥ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ክምለሱ እዮም እሞ። ኣቦኹም ለጋስን መሓርን እዩ፤ ናብኡ እንተ ተመሊስኩም፥ ገፁ ካባኻትኩም ኣይመልስን እዩ።”

እቶም ልኡኻት ድማ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ብኤፍሬምን ምናሴን ክሳዕ ዛብሎን ከዱ፤ እቶም ህዝቢ ግና ሰሓቑሎምን ኣላገፁሎምን። እንተ ኾነ ገሊኣቶም ካብ ኣሴርን ምናሴን ዛብሎንን ርእሶም ኣትሒቶም ናብ ኢየሩሳሌም መፁ። ኢድ ኣቦና ድማ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነበረት፤ ከምቲ እቲ ንጉስን ሹመኛታትን ብቓል ኣቦና ዝኣዘዝዎ ምእንቲ ኽገብሩ ድማ ሓደ ልቢ ሃቦም።

ነቲ በዓል ቅጫ ኣብ ካልኣይ ወርሒ ምእንቲ ኸብዕሉ፥ የመና ብዙሕ ጉባኤ ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከበ። ተልዒሎም ድማ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ መሰውኢታት ኣልዓሉ፤ ንዅሎም መሰውኢ ዕጣን ከዓ ኣልዒሎም ናብ ሩባ ቄድሮን ደርበይዎም። ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይ ካልኣይ ወርሒ ድማ ነቲ ፋሲካ ሓረድዎ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከዓ ሓፈሩ እሞ ርእሶም ቀደሱ፥ መስዋእቲ ምሕራር ከዓ ናብ ቤት ኣቦና ኣእተዉ። ከምቲ ሕጊ ሙሴ ብዓል እግዚኣብሄር ዝእዝዞ፥ ከም ስርዓቶም ኣብ ቦታኦም ደው በሉ፤ እቶም ካህናት ድማ ነቲ ሌዋውያን ዘቐበልዎም ደም ነፀግዎ። ኣብ ማእኸል እቲ ጉባኤ ብዙሓት ርእሶም ዘይቀደሱ ነበሩ እሞ፥ ንዅሎም እቶም ዝረኸሱ ፋሲካ ሓሪዶም ንኣቦና ምእንቲ ኽቕድስዎም፥ ሌዋውያን ተሓቢኦም። ካብቶም ህዝቢ ብዙሓት፥ ብዙሓት ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ይሳኮርን ዛብሎንን፥ ርእሶም ኣይነፅሁን ነይሮም፥ ከምቲ ተፅሒፉ ዘሎ ኸይገበሩ ግና ነቲ ፋሲካ በልዑ። ህዝቅያስ ግና ከምዙይ ኢሉ ፀለየሎም፦ “እቲ ሕያዋይ ኣቦና ንዅሉ ይቕረ ይበለሉ፥ ከምቲ ናይ ቅድስና መቕደስ ፅሩይ እኳ እንተ ዘይኮነ፥ ንኣቦና ኣምላኽ ኣቦታቱ ኽደሊ ልቡ ዘቕንዐ ዅሉ።”

ኣቦና ኸዓ ንህዝቅያስ ሰምዖ፥ ነቶም ህዝቢ ድማ ኣሕወዮም። እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ድማ፥ ነቲ በዓል ቅጫ ሸውዓተ መዓልቲ ብዓብዪ ሓጐስ ገበርዎ፤ ሌዋውያንን ካህናትን ከዓ ዕለት ዕለት ብዓብዪ ድምፂ መሳርሒ ንኣቦና የመስግንዎ ነበሩ። ህዝቅያስ ድማ ነቶም ንኣቦና ብምግልጋል ጥበበኛታት ዝኾኑ ዅሎም ሌዋውያን ኣፀናንዖም። ሸውዓተ መዓልቲ ኸዓ መስዋእቲ ምስጋና እናሰውኡ፥ ንኣቦና ኣምላኽ ኣቦታቶም እናመስገኑ፥ ናይ በዓል ግዴኦም በልዑ።

ሽዑ ድማ ኵሉ እቲ ጉባኤ ነቲ በዓል ካልእ ሸውዓተ መዓልቲ ኽገብሩ ተሰማምዑ፤ ሸውዓተ መዓልቲ ኸዓ መሊሶም ብሓጐስ ገበርዎ። ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ድማ ነቲ ጉባኤ ሽሕ ዝራብዕን ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕን ሃበ፤ እቶም ሹመኛታትውን ሽሕ ዝራብዕን ዓሰርተ ሽሕ ኣባጊዕን ሃቡ፤ ብዙሓት ካህናት ከዓ ርእሶም ቀደሱ። ኵሉ ጉባኤ ይሁዳ፥ ምስ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን፥ ምስ ኵሉ እቲ ኻብ እስራኤል ዝመፀ ጉባኤ፥ እቶም ካብ ምድሪ እስራኤል ዝመፁ ስደተኛታትን እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነብሩን ድማ ተሓጐሱ። ኣብ ኢየሩሳሌም ዓብዪ ሓጐስ ኮነ፤ ካብ ዘመን ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ጀሚሩ፥ ከምዙይ ዝበለ ኣብኣ ኣይኮነን ነይሩ እሞ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ተሲኦም ነቶም ህዝቢ ባረኽዎም፤ ድምፆም ከዓ ተሰምዐ፤ ፀሎቶም ድማ ናብ ቅዱስ መንበሪኡ ናብ ሰማይ በፅሐ።