ሕዝቅያስ ንቤት ኣቦ የንፅሆ
ኣብ ቀዳማይ ወርሑ ሕዝቅያስ ነቲ ኣቦኡ ዝዓፀዎ መዓፁ መሊሱ ከፈተ፤ ነቶም ሌዋውያን ድማ ነቲ ርኽሰት ካብቲ ቅዱስ ቦታ ከውፅእዎ ገበረ። መስዋእትን ፀናፅልን በገናን መለከትን ተመለሱ፤ ኣገልግሎት ቤት ኣቦና ድማ ብሃንደበት ተመልሰ — ኵሉ ኸዓ ተሓጐሰ።
29 1ሕዝቅያስ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ኮነ ነገሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ኣብያ ጓል ዘካርያስ ነበረ። 2ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ቅኑዕ ገበረ። 3ኣብ ቀዳማይ ዓመት ንግስናኡ፥ ኣብ ቀዳማይ ወርሒ፥ መዓፁ ቤት ኣቦና ከፈተ፤ ሓደሶም ድማ። 4ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣእተወ፤ ኣብቲ ምብራቓዊ ኣደባባይ ድማ ኣከቦም። 5ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣቱም ሌዋውያን፥ ስምዑኒ! ሕዚ ርእስኹም ቀድሱ፤ ነታ ቤት ኣቦና፥ ነቲ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ከዓ ቀድሱ፤ ነቲ ርኽሰት ድማ ካብቲ ቅዱስ ቦታ ኣርሕቑ። 6ኣቦታትና በዲሎም ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበሩ፤ ሓደግዎ ኸዓ፤ ገፆም ካብ ማሕደር ኣቦና መሊሶም ዝባኖም መለሱ። 7ነቲ መዓፁ ኣፍ ደገ ዓፀዉ፤ ነቲ መብራህቲ ኣጥፍኡ፤ ኣብቲ መቕደስ ድማ ንኣቦና፥ ንኣምላኽ እስራኤል፥ ዕጣን ኣይተኸኑን፤ ዝሕረር መስዋእቲ ኸዓ ኣየቕረቡን። 8ስለዙይ ቝጥዓ ኣቦና ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ወደቐ፤ ከምቲ ባዕልትኹም በዒንትኹም እትርእይዎ ዘለኹም፥ መፍርሂን መገረሚን መፅረፊን ገበሮም። 9እንሆ ኣቦታትና ብሰይፊ ወደቑ፤ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ኣንስትናን ድማ ብምኽንያት እዙይ ተማሪኾም ኣለዉ። 10ሕዚ ድማ፥ እቲ ነዳዲ ቝጥዓኡ ካባና ምእንቲ ኽምለስ፥ ምስ ኣቦና፥ ምስ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኪዳን ክኣቱ እሓስብ ኣለኹ። 11ኣቱም ደቀይ፥ ሕዚ ሸለል ኣይትበሉ፤ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢልኩም ከተገልግልዎ፥ ኣገልገልቱ ኴንኩም ዕጣን ክትተኽኑን ኣቦና ሓርዩኹም እዩ እሞ።”
12ሽዑ እቶም ሌዋውያን ተሲኦም ደው በሉ፦ ካብ ቀዓታውያን ማሓት ወዲ ኣማሳይን ኢዩኤል ወዲ ኣዛርያስን፤ ካብ ሜራራውያን ቂስ ወዲ ዓብዲን ኣዛርያስ ወዲ ይሃላልኤልን፤ ካብ ጌርሾናውያን ኢዮኣ ወዲ ዚማን ኤደን ወዲ ኢዮኣን፤ 13ካብ ደቂ ኤሊሳፋን ሺምሪን የኢኤልን፤ ካብ ደቂ ኣሳፍ ዘካርያስን መታንያን፤ 14ካብ ደቂ ሄማን የሒኤልን ሺምዒን፤ ካብ ደቂ ይዱቶን ድማ ሳማያን ዑዝኤልን። 15ኣሕዋቶም ኣከቡ፤ ርእሶም ቀደሱ፤ ከምቲ ንጉስ ብቓል ኣቦና ዝኣዘዞም ድማ፥ ቤት ኣቦና ከንፅሁ ኣተዉ። 16እቶም ካህናት ድማ ነታ ውሽጣዊት ቤት ኣቦና ከንፅሁ ኣተዉ፤ ኵሉ እቲ ኣብ መቕደስ ኣቦና ዝረኸብዎ ርኽሰት ድማ ናብቲ ኣፀድ ኣውፅእዎ። እቶም ሌዋውያን ከዓ ወሲዶም ናብ ሩባ ቄድሮን ኣውፅእዎ። 17ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ቀዳማይ ወርሒ ኽቕድሱ ጀመሩ፤ ብሻምነይቲ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ድማ ናብ ኣፍ ደገ ኣቦና በፅሑ። ንቤት ኣቦና ኸዓ ሸሞንተ መዓልቲ ቀደስዋ፤ ብመበል ዓሰርተ ሽዱሽተ መዓልቲ ናይ ቀዳማይ ወርሒ ድማ ወድኡ። 18ሽዑ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ኣትዮም ከምዙይ በሉ፦ “ንዅሉ ቤት ኣቦና ኣንፂህናዮ ኢና፤ ነቲ መሰውኢ ዝሕረር መስዋእትን ንዅሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ ሰደቓ እንጀራ ህልውናን ንዅሉ ኣቑሑኡን። a a v18 እንጌራ ህልውና፦ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም ቀፃሊ መባእ ኮይኑ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣብ ፍሉይ ጣውላ ዝተቐመጠ ዓሰርተው ክልተ እንጌራ እዩ። 19ነቶም ንጉስ ኣካዝ ብግዜ ዘይምእማኑ ዝጓሓፎም ኵሎም ኣቑሑ ድማ ኣዳሊናዮምን ቀዲስናዮምን ኣለና፤ እንሆ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ኣቦና ኣለዉ።”
ኣምልኾ ናብ ቤት ኣቦ ይምለስ
20ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ ኣንጊሁ ተሲኡ፥ ነቶም ሹማምቲ እታ ኸተማ ኣከበ፤ ናብ ቤት ኣቦና ድማ ደየበ። 21ሸውዓተ ኣብዑርን ሸውዓተ ኣባጊዕን ሸውዓተ ዕያውትን ሸውዓተ ድቤላ ኣጣልን ድማ፥ ንመንግስትን ንመቕደስን ንይሁዳን ዝኸውን መስዋእቲ ሓጢኣት ኣምፅኡ፤ ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ከዓ ኣብ መሰውኢ ኣቦና ኸቕርብዎም ኣዘዞም። 22ነቶም ኣብዑር ድማ ሓረዱ፤ እቶም ካህናት ከዓ ነቲ ደም ወሲዶም ኣብ መሰውኢ ነፀግዎ። ነቶም ኣባጊዕ ሓሪዶም ድማ ነቲ ደም ኣብ መሰውኢ ነፀግዎ፤ ነቶም ዕያውቲ ሓሪዶም ከዓ ነቲ ደም ኣብ መሰውኢ ነፀግዎ። 23ነቶም ናይ ሓጢኣት መስዋእቲ ዝኾኑ ኣጣል ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ጉባኤን ኣቕረቡ፤ ኣእዳዎም ከዓ ኣብ ልዕሊኦም ኣንበሩ። 24እቶም ካህናት ድማ ሓረድዎም፤ ንዅሉ እስራኤል ምእንቲ ኽትዕረቕ ከዓ ብደሞም ኣብ መሰውኢ ናይ ሓጢኣት መስተስረዪ ገበሩ፤ እቲ ንጉስ ንዅሉ እስራኤል ዝኸውን ዝሕረር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ኣዚዙ ነበረ እሞ።
25ነቶም ሌዋውያን ድማ ከምቲ ዳዊትን እቲ ናይ ንጉስ ራእይ ነጋሪ ጋድን ነቢይ ናታንን ዝኣዘዝዎ፥ ብፀናፅልን ብበገናን ብመሰንቆን ኣብ ቤት ኣቦና ኣሰለፎም፤ እቲ ትእዛዝ ካብ ኣቦና ብኣፍ ነብያቱ መፂኡ ነበረ እሞ። 26እቶም ሌዋውያን ድማ ብመሳርሒ ዳዊት፥ እቶም ካህናት ከዓ ብመለኸት ደው በሉ። 27ሕዝቅያስ ድማ እቲ ዝሕረር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኽስዋእ ኣዘዘ፤ እቲ መስዋእቲ ምስ ጀመረ ኸዓ፥ መዝሙር ኣቦና ምስ መለኸትን ምስ መሳርሒ ዳዊት ንጉስ እስራኤልን ጀመረ። 28ኵሉ እቲ ጉባኤ ድማ ሰገደ፤ እቶም መዘምራን ዘመሩ፤ እቶም ነፋሕቲ መለኸት ድማ ነፍሑ፤ እዙይ ኵሉ ኽሳዕ እቲ ዝሕረር መስዋእቲ ዝውዳእ ነበረ።
29እቲ መስዋእቲ ምስ ተወድአ ድማ፥ ንጉስን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን ተምበርኪኾም ሰገዱ። 30ንጉስ ሕዝቅያስን እቶም ሹማምትን ድማ ነቶም ሌዋውያን፥ ብቓላት ዳዊትን ኣሳፍ እቲ ራእይ ነጋርን ንኣቦና ኸመስግንዎ ኣዘዝዎም። ንሳቶም ከዓ ተሓጒሶም ዘመሩ፤ ተምበርኪኾም ድማ ሰገዱ።
31ሽዑ ሕዝቅያስ ከምዙይ በለ፦ “ሕዚ ርእስኹም ንኣቦና ቀዲስኩም ኣለኹም፤ ቅረቡ እሞ መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ናብ ቤት ኣቦና ኣምፅኡ።” እቲ ጉባኤ ድማ መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣምፅአ፤ ድሌት ልቡ ዘለዎ ዅሉ ኸዓ ዝሕረር መስዋእቲ ኣምፅአ። 32እቲ ጉባኤ ዘምፅኦ ዝሕረር መስዋእቲ ድማ፥ ሰብዓ ኣብዑርን ሚእቲ ኣባጊዕን ክልተ ሚእቲ ዕያውትን ነበረ፤ እዝ ኵሉ ኸዓ ንኣቦና ዝኸውን ዝሕረር መስዋእቲ ነበረ። 33እቲ ዝተቐደሰ መባእ ድማ፥ ሽዱሽተ ሚእቲ ኣብዑርን ሰለስተ ሽሕ ኣባጊዕን ነበረ። 34እቶም ካህናት ግና ንዅሉ እቲ ዝሕረር መስዋእቲ ኽገፍፍዎ ውሑዳት ነበሩ፤ ስለዙይ ኣሕዋቶም ሌዋውያን እቲ ዕዮ ኽሳዕ ዝውዳእን እቶም ካህናት ርእሶም ክሳዕ ዝቕድሱን ረድእዎም፤ እቶም ሌዋውያን ርእሶም ንምቕዳስ ካብቶም ካህናት ብልቢ ቅኑዓት ነበሩ። 35ብዘይካ እቲ ብዙሕ ዝሕረር መስዋእቲ፥ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋናን መስዋእቲ መስተን ነበረ። ከምዙይ ገይሩ ኸዓ፥ ኣገልግሎት ቤት ኣቦና ተመለሰ። 36ሕዝቅያስን ኵሉ እቲ ህዝብን ድማ፥ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ዘዳለወሎም ተሓጐሱ፤ እቲ ነገር ብድንገት ኮይኑ ነበረ እሞ።