ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንኣቦ ዝሓደገ ንጉስ

ኣካዝ ንደቁ ኣብ ለሰ ብሓዊ ኣንደዶም፥ ናብ ኢድ ኣራምን እስራኤልን ከዓ ተዋህበ። እቲ ዘገርም ድማ፥ ሰሜናይ ነቢያትን ሓለቓታትን ንምሩኻት ይሁዳ ኣኽዲኖም ኣብሊዖም ናብ ዓዶም ምስዳዶም እዩ። ኣካዝ ነቲ ስዕረት፥ ነቶም ዝሰዓርዎ ኣማልኽቲ ብምስዋእን መዓፁ ቤት ኣቦና ብምዕፃውን መለሰ።

ምዕራፍ 28።

ኣካዝ ወዲ ዕስራ ዓመት ኮይኑ ነገሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። ከም ኣቦሓጎኡ ዳዊት ግና ኣብ ቅድሚ ኣቦና ቅኑዕ ነገር ኣይገበረን። ኣብ ክንድኡ ደኣ ብመንገዲ ነገስታት እስራኤል ከደ፤ ንበዓሊም ድማ ብፍሲ ዝተሰርሑ ጣዖታት ገበረ። ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ድማ ዕጣን ኣዕጠነ፤ ከምቲ ኣቦና ካብ ቅድሚ እስራኤል ዝሰጎም ኣህዛብ ዝገብርዎ ርኹስ ነገራት እናቐድሐ ድማ ንደቁ ብሓዊ ኣንደዶ። ኣብ በረኽትን ኣብ ኩርባታትን ኣብ ትሕቲ ኵሉ ቈፃል ኦምን ድማ ሰውአ፤ ዕጣንውን ኣዕጠነ። a a v4 እቲ በረኽቲ ኣብ ብዘላ ከነዓን ንኣምልኾ ጣዖት ዝጥቀሙሉ ኣብ ርእሲ ኩርባ ወይ ኣብ ደገ ዝነበረ ቦታታት ኣምልኾ ነበሩ።

ስለዙይ ኣቦና ናብ ኢድ ንጉስ ኣራም ኣሕሊፉ ሃቦ፤ ንሱ ድማ ወቕዖ፥ ብዙሓት ምሩኻትውን ማሪኹ ናብ ደማስቆ ወሰዶም፤ ናብ ኢድ ንጉስ እስራኤልውን ተዋሃበ፥ ንሱ ኸዓ ብርቱዕ ወቕዓ ወቕዖ። ጴቃሕ ወዲ ሬማልያ ድማ ንኣቦና ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደጉ፥ ኣብ ይሁዳ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ጀጋኑ ሰባት ብሓንቲ መዓልቲ ቀተለ። ዝክሪ ዝበሃል ጀግና ኤፍሬም ድማ ንመዓሴያ ወዲ ንጉስን ንኣዝሪቃም ሓለቓ ቤተ መንግስትን ንሕልቃና ካልኣይ ንጉስን ቀተለ። ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ኣሕዋቶም ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣንስትን ኣወዳትን ኣጓላትን ማረኹ፤ ብዙሕ ምርኮውን ማሪኾም ናብ ሰማርያ ወሰድዎ። ኣብኡ ድማ ዖዴድ ዝበሃል ነቢይ ኣቦና ነበረ። ነቲ ናብ ሰማርያ ዝምለስ ዝነበረ ሰራዊት ተቐበሎ እሞ ከምዙይ በሎም፦ “እንሆ፥ ኣቦና ኣምላኽ ኣቦታትኩም ብይሁዳ ተቘጢዑ ናብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንስኻትኩም ግና ክሳዕ ሰማይ ዝበፅሐ ቝጥዓ ሒዝኩም ቀተልኩምዎም። ሕዚ ድማ ንሰብ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ተባዕትዮን ኣንስትዮን፥ ባሮት ክትገብርዎ ትሓስቡ ኣለኹም። ንስኻትኩም ባዕልኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣቦኻትኩም በደል ሓጢኣት የብልኩምን ድዩ? ሕዚ ድማ ስምዑ፤ እቲ ነዳዲ ቝጥዓ ኣቦና ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፥ ነቶም ዝማረኽኩምዎም ኣሕዋትኩም መልስዎም።” ገለ ኻብ ሓለቓታት ደቂ ኤፍሬም፥ ኣዛርያስ ወዲ ዮሃናን፥ በረክያ ወዲ መሺሌሞት፥ የሕዝቅያ ወዲ ሻሉም፥ ኣሜሳይ ወዲ ሃድላይ፥ ነቶም ካብ ውግእ ዝመፅእ ተቓወምዎም። ከምዙይ ድማ በልዎም፦ “ነዞም ምሩኻት ናብዙይ ኣይተእትዉዎም፤ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትናን በደልናውን ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኽትውስኹ ትሓስቡ ኣለኹም። በደልና ድሮ ዓብዪ እዩ፤ ነዳዲ ቝጥዓውን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣሎ።”

ስለዙይ እቶም ተዋጋእቲ ነቶም ምሩኻትን ነቲ ምርኮን ኣብ ቅድሚ እቶም ሓላቑን ኣብ ቅድሚ ኵሉ ጉባኤ ኣሕለፍዎም። እቶም ብስም ዝተፀውዑ ሰባት ድማ ነቶም ምሩኻት ወሲዶም ካብቲ ምርኮ ንዅሎም ዕሩዳት ከደኑ። ክዳውንትን ኣሳእን ሃብዎም፤ ኣብሊዖምን ኣስቲዮምን ብዘይቲ ድማ ቀብእዎ፤ ነቶም ዝደኸሙ ድማ ኣብ ኣእዱግ ኣፀዊዖም ናብ ኣሕዋቶም ናብ ኢያሪኮ ኸተማ ተምሪ ኣምፅእዎም፤ ድሕሪዙይ ናብ ሰማርያ ተመለሱ።

በቲ ጊዜ እቲ ንጉስ ኣካዝ ክሕግዝዎ ናብ ንጉስ ኣሶር ለኣኸ። ኤዶማውያን ድማ ከም ብሓድሽ መፂኦም ንይሁዳ ወረርዎ፤ ምሩኻትውን ማሪኾም ወሰዱ፤ ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ቈላን ኣብ ደቡብ ይሁዳን ዘለዋ ኸተማታት ወረርወን፤ ንቤትሸመሽን ንኤሎንን ንግዴሮትን ንሶኮን ንተምናን ንጊምዞን ምስ ቑሸታተን ሒዞም ኣብኡ ተቐመጡ። ኣቦና ድማ ብሰንኪ ኣካዝ ንጉስ እስራኤል ንይሁዳ ኣትሓቶ፤ ንሱ ኣብ ይሁዳ ዓመፅ ኣስፋሕፈሐ፥ ንኣቦናውን ፈፂሙ በደለ። b b v19 ኣካዝ ኣብ ይሁዳ እዩ ዝነግስ ነበረ፤ “ንጉስ እስራኤል” ኢልካ ምፅዋዑ ድማ ነቲ ናይቶም ዓመፀኛታት ነገስታት ሰሜናይ መንግስቲ መንገዲ ክሳዕ ክንደይ ፈፂሙ ከም ዝሓዞ ዘመልክት እዩ። ቲልጌትፒልኔሰር ንጉስ ኣሶር ድማ ናብ ኣካዝ መፀ፤ ግና ቲልጌትፒልኔሰር ኣብ ክንዲ ዝሕግዞ ኣፅበቦ። ኣካዝ ድማ ካብ ቤት ኣቦናን ካብ ቤተ መንግስትን ካብ ሓላቑን መዛግብቲ ወሲዱ ንንጉስ ኣሶር ሃቦ፤ ግና ኣይረድኦን።

እዝ ንጉስ ኣካዝ እዙይ ድማ በቲ ዝፀበቦ ጊዜ ኣብ ኣቦና ኣዝዩ መሊሱ በደለ። ነቶም ዝሰዓርዎ ኣማልኽቲ ደማስቆ ድማ ሰውአሎም፤ “ኣማልኽቲ ነገስታት ኣራም ረዲኦምዎም እዮም እሞ፥ ምእንቲ ኽረድኡኒ ኣነውን ክስውኣሎም እየ” ኢሉ ሓሰበ። ንሳቶም ግና ንእኡን ንብዘሎ እስራኤልን ኣጥፍእዎም። ኣካዝ ድማ ኣቑሑ ቤት ኣቦና ኣከበ፥ ቈራሪፁ ኸዓ ሰባበሮ፤ ኣፍ ደገታት ቤት ኣቦናውን ዓፀወ፤ ኣብ ኩሉ መኣዝን ኢየሩሳሌም ድማ መሰውኢታት ንርእሱ ሰርሐ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ይሁዳ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ዘዕጥነሉ በረኽቲ ሰርሐ፤ ንኣቦና ኣምላኽ ኣቦታቱ ኸዓ ኣቘጥዖ።

እቲ ዝተረፈ ግብሩ፥ ኵሉ መንገዱውን ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ፥ እንሆ ኣብ መፅሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተፀሒፉ ኣሎ። ኣካዝ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ተቐበረ፤ ግና ናብ መቓብር ነገስታት እስራኤል ኣየእተውዎን። ኣብ ክንድኡ ድማ ወዱ ሕዝቅያስ ነገሰ።