እስራኤል ንዅሉ ጣዖት የፍርስ
እቲ በዓል፥ እቶም ህዝቢ ወፂኦም ነቲ ሓወልትታትን በረኽትን ብምስባር ተወድአ። ሽዑ ዓስራት ኣዝዩ ብዝሒ ኣትዩ ኵመር ኵመር ኮነ፤ መዛግብ ክስራሕ ኣድለየ፤ እቲ ምክፍፋል ድማ፥ ካህናትን ሌዋውያንን ንሕጊ ኣቦኦም ርእሶም ክህቡ ምእንቲ፥ ብስም ተሰርዐ።
31 1እዙይ ምስ ተፈፀመ፥ ኵሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ እስራኤል ናብ ከተማታት ይሁዳ ወፂኦም ነቲ ሓወልትታት ሰበሩ፤ ነቲ ናይ ኣምልኾ ዓፀድ ቘረፁ፤ ነቲ ኣብ ኵሉ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን ዝነበረ በረኽትን መሰውኢታትን ከዓ ኣፍሪሶም ፈፂሞም ኣጥፍእዎም። ሽዑ ኵሎም እስራኤል ነናብ ከተማታቶም፥ ነፍሲ ወከፍ ናብ ርስቱ ተመለሱ።
2ሕዝቅያስ ድማ ንኻህናትን ሌዋውያንን፥ ኣብ ደጌታት ሰፈር ኣቦና ከገልግሉን ከመስግኑን ከመስኵሑን፥ በብኽፍሎም ነፍሲ ወከፍ ከከም ኣገልግሎቱ፥ ንካህናትን ሌዋውያንን ማዕረ፥ ንዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ሰርዖም።
3እቲ ንጉስ ድማ ካብ ገንዘቡ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ናይ ንጉሆን ናይ ምሸትን ዝቃፀል መስዋእትን፥ ነቲ ኣብ ሰናብቲ፥ ሰርቀ ወርሒ፥ ምዱባት በዓላት ዝቅረብ መስዋእትን፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ኣቦና ተፅሒፉ ዘሎ ሃበ። 4ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ህዝቢ ድማ፥ ንሕጊ ኣቦና ምእንቲ ክፅንዑ፥ ብፅሒት ካህናትን ሌዋውያንን ክህቡ ኣዘዞም። 5እቲ ትእዛዝ ምስ ተዘርግሐ ኸዓ፥ ደቂ እስራኤል በዅሪ እኽልን ወይንን ዘይትን መዓርን ኵሉ እቶት ግራትን ብዙሕ ሃቡ፤ ዓስራት ኵሉ ነገር ድማ ብዙሕ ኣእተዉ። 6እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዝነብሩ ደቂ እስራኤልን ሰብ ይሁዳን ድማ፥ ዓስራት ኣብዑርን ኣባጊዕን፥ ዓስራት እቲ ንኣቦና ዝተቐደሰ ቅዱስ ነገርን ኣምፂኦም ኵመር ኵመር ገበርዎ።
7ነቲ ኵመር ኣብ ሳልሳይ ወርሒ ክገብሩ ጀሚሮም፥ ኣብ ሻውዓይ ወርሒ ድማ ወድኡ። a a v7 ሳልሳይ ወርሒ ኣብ መወዳእታ ጉንበትን ሰነን እዩ ዝኣቱ፤ ሻውዓይ ወርሒ ኸዓ ኣብ መስከረምን ጥቅምትን እዩ፤ ኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ናይ ምሃብ ማለት እዩ። 8ሕዝቅያስን እቶም ሹመኛታትን መፂኦም ነቲ ኵመር ረአዩ፤ ንኣቦናን ንህዝቡ እስራኤልን ድማ ባረኹ። 9ሕዝቅያስ ድማ ንኻህናትን ሌዋውያንን ብዛዕባ እቲ ኵመር ጠየቖም። 10ኣዛርያስ እቲ ካብ ቤት ሳዶቅ ዝኾነ ሊቀ ካህን ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ህዝቢ ናብ ቤት ኣቦና መስዋእቲ ከምፅእ ካብ ዝጀመረሉ ጊዜ ጀሚሩ፥ በሊዕና ፀጊብና፤ ብዙሕ ድማ ተሪፉ፤ ኣቦና ንህዝቡ ባሪኽዎ እዩ እሞ፥ እዝ ዓብዪ ትርፊ እዙይ ተሪፉ።”
11ሽዑ ሕዝቅያስ ኣብ ቤት ኣቦና መዛግብ ክሰናድዉ ኣዘዞም፤ ንሳቶም ድማ ኣሰናድዉ። 12ነቲ መስዋእቲ፥ ዓስራት፥ እቲ ዝተቐደሰ ውህብቶ ድማ ብእሙንነት ኣእተዉ። ኮነንያስ እቲ ሌዋዊ ሓለቓኦም ነበረ፤ ሽሜ ሓዉ ድማ ካልኣዩ ነበረ። 13ይሄኤልን ኣዛዝያስን ናሖትን ኣሳሄልን የሪሞትን ዮዛባድን ኤሊኤልን ይስማክያስን ማሓትን በናያስን ድማ፥ ብንጉስ ሕዝቅያስን ብኣዛርያስ ሓለቓ ቤት ኣቦናን ተሸይሞም፥ ኣብ ትሕቲ ኮነንያስን ሽሜ ሓዉን ተቖፀብቲ ነበሩ። 14ቆሬ ወዲ ዪምና፥ እቲ ብወገን ምብራቕ ዝነበረ ሌዋዊ ሓላዊ ደገ ድማ፥ ነቲ ንኣቦና ዝውፈ ናይ ፍቓድ መስዋእቲ ይሕልዎ ነበረ፤ መስዋእቲ ኣቦናን እቲ ኣዝዩ ቅዱስ ዝኾነ መባእን ድማ ይመቕል ነበረ። 15ኣብ ትሕቲኡ ኸዓ ኤዴንን ሚንያምንን የሱዓን ሳማያን ኣማርያስን ሴካንያስን ኣብ ከተማታት ካህናት ብእሙንነት የገልግሉ ነበሩ፤ ንኣሕዋቶም ካህናት በብኽፍሎም፥ ንዓብዪን ንንእሽቶን ማዕረ ይመቅሉ ነበሩ፤ 16ብዘይ እዚ ኸዓ ነቶም በብትውልዶም ዝተመዝገቡ፥ ካብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ተባዕትዮ፥ ንኵሎም እቶም ነንዕለቱ ተራኦም ክፍፅሙ ናብ ቤት ኣቦና ዝኣትዉ፥ ከከም ኣገልግሎቶምን ክፍሎምን ይህብዎም ነበሩ። 17ካህናት በብዓሌቶም ተመዝገቡ፤ ሌዋውያን ድማ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ከከም ተራኦምን ክፍሎምን ተመዝገቡ። 18ምስ ኵሎም ህፃውንቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፥ ኵሉ እቲ ማሕበር ተመዝገበ፤ ብእሙንነት ርእሶም ብቅድስና ቀዲሶም እዮም እሞ። 19ነቶም ኣብ ዙርያ ከተማታቶም ኣብ ዘላ ግራውቲ መጓሰ ዝነብሩ፥ ካብ ዘርኢ ኣሮን ዝኾኑ ካህናት ድማ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ፥ ንዅሉ ተባዕታይ ካህንን ንዅሎም በብትውልዶም ዝተመዝገቡ ሌዋውያንን ብፅሒት ክህቡ፥ ብስም ዝተፀውዑ ሰባት ተመደቡ።
20ሕዝቅያስ ኣብ ኵሉ ይሁዳ ከምዙይ ገበረ። ኣብ ቅድሚ ኣቦና ድማ ፅቡቕን ቅኑዕን እሙንን ዝኾነ ገበረ። 21ኣብ ኵሉ ዝጀመሮ ስራሕ፥ ንኣገልግሎት ቤት ኣቦናን ንሕግን ትእዛዝን ምሕላውን ንኣቦና ምድላይን ብምሉእ ልቡ ገበረ፤ ስራሑ ኸዓ ቐንዖ።