ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ልቢ ኣቦ ኣብ ኣገልግሎት

ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣብ ማእኸሎም ከመይ ከም ዝተመላለሰ፥ ብዘይ ምሽሓጥ፥ ብዘይ መሸፈኒ ስስዐ፥ ብዘይ ብስልጣኑ ምፅቃጥ ይከላኸል። ብመጀመርታ ንርእሱ ምስ ንደቃ እተጥቡ እኖ፥ ድሕሪኡ ኸዓ ምስ ንደቁ ዝከናኸን ኣቦ ኣመሳሰለ፤ ንሓደ እኳ ምእንቲ ኸየኽብድ ለይቲ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ኸዓ ኣዘኻኸሮም።

ምዕራፍ 2።

ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ምምፃእና ናባኻትኩም ከንቱ ከም ዘይነበረ፥ ንስኻትኩም ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ከምትፈልጥዎ፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ፊልጶስ መከራ ተቐቢልና ተሳቒና እኳ እንተነበርና፥ ብርቱዕ ተቓውሞ እናሃለወ፥ ወንጌሉ ኽንነግረኩም ኣብ ኣቦና ትብዓት ረኸብና። እቲ ምሕፅንታና ካብ ስሕተት ወይ ካብ ርኽሰት ኣይኮነን፤ ንሓደ እኳ ከነታልል ኣይንፍትንን ኢና። እኳ ደኣ፥ ኣቦና ፈቲኑ ወንጌል ስለ ዝኣመነና፥ ከምዙይ ንዛረብ ኣለና፤ ንሰብ ከነሐጕስ ዘይኮነስ፥ ነቲ ልብና ዝፍትን ኣቦና ከነሐጕስ ኢና። ከምትፈልጥዎ፥ ብቃላት ምሽሓጥ ከቶ ኣይተዛረብናን፤ ንስስዐ መሸፈኒ ኽኾነና ድማ ኣይኮነን፤ ኣቦና ምስክር እዩ። ካብ ሰብ ውዳሰ ኣይደለናን፤ ካብ ንስኻትኩም ኮነ ካብ ካልኦት፤ ከም ሃዋርያት ክርስቶስ መጠን ግና ብስልጣንና ክንፀቕጠኩም ምኸኣልና። ኣብ ማእኸልኩም ግና፥ ከምታ ንደቃ ብርህራሀ እትከናኸን ዘተጥቡ እኖ፥ ህዱኣት ኮንና። ስለዙይ ብዙሕ ፍቑራትና ኮይንኩም ኢኹም እሞ፥ ብዙሕ እናናፈቕናኩም፥ ወንጌል ኣቦና ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ነፍስና እውን ክንዕደለኩም ተሓጐስና። ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ድኻምናን ፃዕርናን ትዝክሩ ኢኹም፤ ንሓደ እኳ ካባኻትኩም ከይነኽብድ፥ ወንጌል ኣቦና እናሰበኽናልኩም፥ ለይትን መዓልትን ሰራሕና። ኣብ ማእኸልኩም ኣመንቲ ብኸመይ ብቕድስናን ብፅድቅን ብዘይ ነቐፌታን ከም ዝተመላለስና፥ ንስኻትኩምን ኣቦናን ምስክር ኢኹም። ከምትፈልጥዎ፥ ከምቲ ኣቦ ንደቁ ዝገብሮ፥ ንነፍሲ ወከፍኩም እናመዓድናን እናፅናናዕናን እናተማሕፀናን ሓዝናኩም፥ ነቲ ናብ መንግስቱን ክብሩን ዝፅውዓኩም ኣቦና ዝበቅዕ ህይወት ክትነብሩ፥ ተማሕፀናኩም።

ስለዙይ ድማ ንኣቦና እንተየቋረፅና ኵልሻዕ ነመስግኖ ኣለና፤ ነቲ ካባና ዝሰማዕኹምዎ ቓል ኣቦና ምስ ተቐበልኩም፥ ከም ቓል ሰብ ዘይኮነስ፥ ብሓቂ ኸም ዘለዎ፥ ከም ቓሉ ተቐበልኩምዎ፤ ንሱ ድማ ኣባኻትኩም ኣመንቲ ይሰርሕ ኣሎ። ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ነተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾና ኣብያተ ክርስቲያናት ኣቦና ተመሰልኩምወን፤ ከምቲ ንሳቶም ካብ ኣይሁድ ዝተቐበልዎ፥ ንስኻትኩምውን ካብ ህዝብኹም ከምኡ መከራ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፤ እቶም ንጐይታ ኢየሱስን ንነቢያትን ዝቐተሉ፥ ንዓና ዘሳደዱና፥ ንኣቦና ዘጕህዩ፥ ንዅሉ ሰብ ዝፃረሩ፥ ነቶም ኣህዛብ ምእንቲ ኽድሕኑ ከይንዛረቦም ይኽልክሉና፤ ኵሉ ጊዜ ድማ ነቲ መስፈሪ ሓጢኣቶም ይመልእዎ ኣለዉ። ሕዚ ግና ቍጥዓ ኣብ መወዳእታ በፅሖም።

ከም ብሓድሽ ንምርኣይኩም ምናፍቕ

ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ንቑሩብ ጊዜ ብኣካል እምበር ብልብና ዘይኮነ፥ ካባኻትኩም ተፈሊና ኽነሰ፥ ገፅኩም ንምርኣይ ብዙሕ ሃረር ኢልና ኣዝዩ ተሃንጠና። ናባኻትኩም ክንመፅእ ደሊና፤ ኣነ ጳውሎስ ከዓ ደጋጊመ፤ ሰይጣን ግና ከልከለና። ኣብ ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ምምፅኡ፥ ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ኣኽሊል ትምክሕትና እንታይ እዩ? ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን? እወ፥ ንስኻትኩም ክብርናን ሓጐስናን ኢኹም።