ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ጢሞቴዎስ ብስራት የምፅእ

ጳውሎስ ደጊም ክፅወር ስለ ዝሰኣነ፥ ኣብ ኣቴና በይኑ ተሪፉ፥ እምነቶም በቲ መከራ ፀኒዑ ኣሎ እንተ ዄይኑ ምእንቲ ኽፈልጥ ንጢሞቴዎስ ሰደዶ። ጢሞቴዎስ ድማ ብፅቡቕ ብስራት ተመሊሱ መፀ፤ እቲ ዕረፍቲ ኸዓ ይስማዕ፦ ሕዚ ህያዋን ኢና። ፍቕሮም ኢየሱስ ኣብ ዝመፅኣሉ ክበዝሕ ድማ ይፅሊ።

ምዕራፍ 3።

ስለዙይ ደጊም ክንፅወሮ ምስ ሰኣንና፥ ኣብ ኣቴና በይንና ክንተርፍ መረፅና፥ ንጢሞቴዎስ፥ ሓውናን ኣብ ወንጌል ክርስቶስ ዓያዪ ኣቦናን፥ ኣብ እምነትኩም ምእንቲ ኼፅንዓኩምን ኼተባብዓኩምን ሰደድናዮ፥ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም በዝ መከራ እዙይ ምእንቲ ኸይናወፅ፤ ንሕና ነዙይ ከም እተመደብና ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ምሳኻትኩም እንተለና፥ መከራ ኸም እንቕበል ኣቐዲምና ነጊርናኩም ነይርና፤ ከምቲ እትፈልጥዎ ድማ ኮነ። ስለዙይ ደጊም ክፅበ ምስ ሰኣንኩ፥ ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ ሰደድኩ፤ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም፥ ድኻምናውን ከንቱ ኸይከውን ፈሪሐ።

ሕዚ ግና ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባና መፂኡ፥ ናይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን ብስራት ኣምፂኡልና፤ ከምቲ ንሕና ኽንርእየኩም እንናፍቕ ንስኻትኩምውን ክትርእዩና እናናፈቕኩም፥ ኵልሻዕ ብፅቡቕ ከም እትዝክሩና ነጊሩና። ስለዙይ ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣብ ኵሉ ጭንቅናን መከራናን፥ እምነትኩም ኣፀናንዓና፥ ንስኻትኩም ብጐይታ ፀኒዕኹም እንተ ደው ኢልኩም፥ ሕዚ ህያዋን ኢና እሞ። ብምኽንያትኩም ኣብ ቅድሚ ኣቦና በቲ እንሕጐሶ ኵሉ ሓጐስ፥ ነቦና እንታይ ምስጋና ኽንፈድየሉ ንኽእል? ብለይትን ብመዓልትን ገፅ ንገፅ ክንርእየኩምን፥ ነቲ ገና ዝጐድሎ እምነትኩም ክንመልእን፥ ኣበርቲዕና ንፅሊ ኣለና።

ሕዚ ኸዓ ባዕሉ ኣቦናን ጐይታና ኢየሱስን ነቲ መንገድና ናባኻትኩም የቕንዖ። ጐይታ ድማ፥ ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም፥ ንስንሳትኩምን ንዅሉን ብፍቕሪ የዕብየኩምን የብዝሓልኩምን። ጐይታና ኢየሱስ ምስ ኵሎም ቅዱሳኑ ኣብ ዝመፅኣሉ ጊዜ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ብቕድስና ነውሪ ዘይብሉ ኾይኑ፥ ንልብኹም ምእንቲ ኼፅንዖ። a a v13 ‘ቅዱሳኑ’ ዝበሃል ንመላእኽቲ፥ ወይ ነቶም ድሮ ዝሞቱ ኣመንቲ፥ ወይ ንኽልቲኣቶም ከመልክት ይኽእል እዩ።