ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣብ ዘመን ኢዮስያስ ዝመፀ ቓል

ሓፃር መፅሓፍ ዝመፅእ ፍርዲ ኮይና፥ ኣብ ሓደ ኻብቶም ኣብ ፅሑፍ ዝርህርሁ ተስፋታት ትውዳእ። ድሕሪ እቲ ተግሳፃት፥ ኣቦና ኣብ ልክዕ ማእኸል ህዝቡ ደው ኢሉ ይግለፅ — ከም ኣቦ ኣብ ልዕሊ ዝፈትዎ ቘልዓ፥ ኣብ ልዕሊኦም እናደረፈ።

ምዕራፍ 1።

ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ንይሁዳ ኣብ ዝገዝኣሉ ዘመን፥ ቃል ኣቦና ናብ ሶፎንያስ ወዲ ኩሺ፥ ወዲ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣማርያስ፥ ወዲ ሕዝቅያስ መፀ።

“ንኹሉ ኻብ ገፅ ምድሪ ፈፂመ ክፀርጎ እየ’ ይብል ኣቦና።

ይሁዳ ካብ ኣቦ ነዊሕ ምግላስ

“ሰብን እንስሳን ክፀርግ እየ፤ ኣዕዋፍ ሰማይን ዓሳ ባሕርን ክፀርግ እየ፤ ፍራስ ጣኦታት ድማ ምስ ሓጥኣን ክፀርግ እየ። ንሰብ ካብ ገፅ ምድሪ ከጥፍእ እየ’ ይብል ኣቦና። ‘ኢደይ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኣብ ልዕሊ ኵሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ክዝርግሕ እየ። ካብዝ ቦታ እዝ ኵሉ ተረፍ በዓል፥ ስም እቶም ካህናት ጣኦት ምስቶም ካህናት ከጥፍእ እየ፥ እቶም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ንሰራዊት ሰማይ ዝሰግዱ፥ እቶም ዝሰግዱን ብኣቦና እናመሓሉ ብሚልኮም ዝምሕሉን፥ a a v5 ሚልኮም ዓብዪ ኣምላኽ ኣሞናውያን ነበረ፤ እቲ ስም ባዕሉ ትርጉም ንግስና ዝሓዘ እዩ። እቶም ካብ ምስዓብ ኣቦና ንድሕሪት ዝምለሱ፥ ንኣቦና ዘይደልዩን ዘይጥይቕዎን ከዓ።”

ኣብ ቅድሚ እቲ ልዑል ኣቦ ስቕ በሉ! መዓልቲ ኣቦና ቀሪባ እያ እሞ፤ መስዋእቲ ኣዳልዩ ንዕዱማቱ ድማ ቐዲስዎም። b b v7 መዓልቲ ኣቦና — እታ ባዕሉ ዝዓየላ መዓልቲ እያ። ኣብዙይ ስሙ ብግልፂ ይጥቀስ፤ ከምዙይ ከዓ እቲ ኣንባቢ ርሑቕ ኣምላኽ ዘይኮነስ ነቲ ዝፈርድ ኣቦ ይረኽቦ። እቲ ዝፈጥርን ዘድሕንን ኣቦ ባዕሉ፥ ነዝ ዘመን ናብቲ ዝተመደበሉ ፍርዲ የብፅሖ።

“ብመዓልቲ መስዋእቲ ኣቦና ንሹማምንትን ንደቂ ንጉስን ጓና ክዳን ንዝኽደኑ ዅሎምን ክቐፅዕ እየ። በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ኣብ ልዕሊ ድርኵዂት ዝዘልሉ፥ ንቤት ጐይታኦም ዓመፅን ተንኰልን ዝመልእዋ ዅሎም ክቐፅዕ እየ። c c v9 ኣብ ልዕሊ ድርኵዂት ምዝላል ኣረማዊ ጥንቈላ ነበረ፤ ምናልባሽ ምስቲ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ቤት ዳጎን ዝገብርዎ ዝነበሩ ልምዲ ዝተኣሳሰረ እዩ (1 ሳሙኤል 5፥5 ረአ)። በታ መዓልቲ እቲኣ’ ይብል ኣቦና፥ ‘ድምፂ ኣውያት ካብ ደገ ዓሳ፥ ዋይዋይታ ኻብ ካልኣይ ክፋል ከተማ፥ ዓብዪ ድምፂ ምስባር ከዓ ካብ ኵረባታት ክለዓል እዩ። ኣብ መኽተሽ እትነብሩ ኣልቅሱ! ኵሎም ነጋዶ ፀጥ ኢሎም እዮም እሞ፤ ብሩር ዝመዝኑ ዅሎም ተቘሪፆም እዮም።’” d d v11 መኽተሽ (ብእብራይስጢ ማክተሽ) ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ጎዳጓዳ ናይ ዕዳጋ ከባቢ ነበረ፤ ብምኽንያት ከም ፃሕሊ ዝኾነ ቅርፁ ኸዓ ተሰምየ።

በቲ ጊዜ እቲ ንኢየሩሳሌም ብመብራህቲ ክምርምራ እየ፤ ነቶም ከምቲ ኣብ ድቕሉ ዝረግአ ወይኒ ዝዀኑ፥ ብልቦም ድማ፥ “እግዚኣብሄር ፅቡቕ ኮነ ክፉእ ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ” ዝብሉ ሰባት ክቐፅዕ እየ። e e v12 ኣብ ድቕሉ እንተይተንቀሳቐሰ ዝተገደፈ ወይኒ ይጠጥቕን ይመርርን — እዙይ ከዓ ነቶም ኣዚዮም ስለ ዝረግኡን ዝዛነዩን ካብ ኣቦና ገለ ዘይፅበዩ ሰባት ዘመልክት ምስሊ እዩ።

ጥሪቶም ክዝመት፥ ኣባይቶም ከዓ ክባድም እዩ። ኣባይቲ ክሃንፁ እዮም ግና ኣይክነብሩለንን፤ ኣታኽልቲ ወይኒ ክተኽሉ እዮም ግና ወይኖም ኣይክሰትዩን እዮም።

ዓባይ መዓልቲ ኣቦና ቀሪባ እያ — ቀሪባ፥ ቀልጢፋ ድማ ትመፅእ ኣላ። ስምዑ! መዓልቲ ኣቦና መሪር እያ፤ ኣብኡ እቲ ሓያል ተዋጋኢ ዓው ኢሉ ይጠርዕ። እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቍጥዓ፥ መዓልቲ ፀበባን ጭንቅን፥ መዓልቲ ዕንወትን ብርሰትን፥ መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥ መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን እያ፥ መዓልቲ ድምፂ መለኸትን ኣውያት ውግእን ኣብ ልዕሊ እተን ዝተዓረዳ ከተማታትን ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ መኣዝን ነዋሕቲ ግምቢታትን እያ።

ኣብ ሰባት ከምዙይ ዝበለ ፀበባ ከምፅእ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኣብ ኣቦና ሓጢኣት ስለ ዝገበሩ፥ ከም ዕዉራት ሃሰስ ክብሉ እዮም። ደሞም ከም ሓመድ፥ ስጋኦም ከዓ ከም ፋርስ ክፈስስ እዩ። ብሩሮም ኮነ ወርቆም፥ በታ መዓልቲ ቍጥዓ ኣቦና ከድሕኖም ኣይኽእልን እዩ። ብሓዊ ቅንኣቱ ኵላ ምድሪ ክትበልዕ እያ፤ ኣብ ኵሎም ነበርቲ ምድሪ ብድንገት መወዳእታ ከምፅእ እዩ እሞ።