ቅድሚ ንፋስ ኣውሎ ተኣከቡ
እቲ ፃውዒት ቅድሚ ቍጥዓ ኣቦናን ትእዛዝ ምውላድን ምትእኽኻብ እዩ፥ እቲ እንኮ ተስፋ ዝወሃብ ከዓ ‘ምናልባሽ’ እዩ — ትሕትና ድለዩ፥ ምናልባሽ ክትሕብኡ ኢኹም። ደሓር እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ኣህዛብ በብሓደ ይፅውዑ፥ ብትዕቢተኛ ነነዌ ተወዲኡ፥ ብርእሳ ርግፅተኛ፥ ዑና ተሪፋ።
2 1ተኣከቡ፥ ተኣከቡ፥ ኣቱም ዘይትሓፍሩ ህዝቢ፥ 2ቅድሚ እቲ ትእዛዝ ምውላድ፥ እታ መዓልቲ ኸም ብቝቡቝ ትሓልፍ፥ እቲ ረስኒ ቍጥዓ ኣቦና ናባኻትኩም ቅድሚ ምውራድ፥ እታ መዓልቲ ቍጥዓ ኣቦና ናባኻትኩም ቅድሚ ምምፅኣ። 3ንኣቦና ድለዩ፥ ኣቱም ፍርዱ እትፍፅሙ ኵልኻትኩም ትሑታት እዛ ምድሪ፥ ፅድቂ ድለዩ፥ ትሕትና ድለዩ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቍጥዓ ኣቦና ክትሕብኡ ኢኹም። 4ጋዛ ኽትሕደግ፥ ኣስቀሎና ድማ ዑና ክትከውን እያ፤ ኣዛጦን ፍርቂ መዓልቲ ኽትስጐግ እያ፥ ኣቃሮን ድማ ክትንቀል እያ። 5ኣቱም ኣብ ገምገም ባሕሪ እትነብሩ፥ ህዝቢ ክረታውያን፥ ወይለኹም! ኦ ከነዓን፥ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን፥ ቃል ኣቦና ኣብ ልዕሌኹም እዩ፦ “ሓደ ዝቕመጥ እኳ ክሳዕ ዘይተርፍ ከጥፍአኩም እየ።” 6ገምገም ባሕሪ ኸዓ መጓሰዪ ኽኸውን እዩ፥ ንጓሶት ዝኸውን ሰውሕን ንኣባጊዕ ዝኸውን ደምበን ኣብኡ ክኸውን እዩ። 7እቲ ገምገም ባሕሪ ናይ ተረፍ ቤት ይሁዳ ክኸውን እዩ፤ ኣብኡ ኽጓስዩ፥ ኣብ ኣባይቲ ኣስቀሎና ድማ ምሸት ክድቅሱ እዮም። ኣቦና ኽሕልዎምን ምርኮኣቶም ክመልሰሎምን እዩ እሞ። 8ፀርፊ ሞኣብን ላግፂ ደቂ ኣሞንን፥ በቲ ንህዝበይ ዝፀረፍሉን ኣብ ልዕሊ ምድሮም ዝተዐበዩሉን ሰሚዐ ኣለኹ።
9ስለዙይ ብህይወተይ እምሕል ኣለኹ፥ ኣቦ ሰራዊት፥ ናይ እስራኤል ኣቦና ይብል ኣሎ፥ ሞኣብ ከም ሰዶም፥ ደቂ ኣሞን ድማ ከም ገሞራ፥ ምድሪ ኣሻዅን ጉድጓድ ጨውን፥ ንዘለኣለም ባድማ ክኾኑ እዮም። ተረፍ ህዝበይ ክዘምትዎም፥ እቶም ካብ ህዝበይ ዝተረፉ ድማ ክወርስዎም እዮም። 10“እዝ ስለ ትዕቢቶም ዝረኽብዎ እዩ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ስለ ዝፀረፉን ስለ ዝተዐበዩን፥ እቲ ህዝቢ ድማ ናይ ኣቦ ሰራዊት እዩ። 11ኣቦና ንኣኣቶም ዘፍርሕ ክኸውን እዩ፥ ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ከጥምዮም እዩ እሞ፤ ኵለን ደሴታት ኣህዛብ ድማ ነፍሲ ወከፈን ካብ ቦታአን ክሰግዳሉ እየን።”
12ኣቱም ኢትዮጵያውያን፥ ንስኻትኩምውን ብሰይፈይ ክትቅተሉ ኢኹም።
13ናብ ሰሜን ድማ ኢዱ ክዝርግሕ፥ ንኣሶርውን ከጥፍእ እዩ፥ ንነነዌ ባድማ ክገብራ፥ ከም በረኻ ንቑፅቲ ክገብራ እዩ። 14መጓሰ ኣብ ማእኸላ ክድቅሱ እዮም፥ ኵሉ ዓይነት ኣራዊት ድማ፤ ጉጓን ቅንፍዝን ኣብ ጕልላት ኣዕማዳ ክሓድሩ እዮም። ድምፂ ኣብ መሳዅቲ ክዝምር፥ ዑና ኣብ ድርኵዂት ክኸውን እዩ፥ እቲ ግብሪ ፅሕዲ ተቐሊዑ እዩ እሞ። 15እዛ ብዘይ ጭንቂ ዝነበረት ከተማ እዚኣ፥ ብህድኣት ዝነበረት፥ ብልባ “ኣነ እየ፥ ብዘይ ኣነ ድማ ካልእ የለን” ዝበለት እያ። ከመይ ዝበለት ዑና ኾይና፥ መዕቘቢ ኣራዊት! ዝሓልፍ ዅሉ ብኣኣ የፍጭፀላን ኢዱ የወዛውዘላን።