ኦ ከውሐይ፥ ስቕ ኣይትበል
ናይ ዳዊት።
ፍርሓት ዳዊት ስቕታ እዩ፦ ኣቦኡ፥ ከውሑ፥ እንተ ዘይመለሰ፥ ድሮ ኣብ ማእኸል ምዉታት እዩ። ምስቶም ኣብ ልቦም ክፉእ እናሃለወ ምስ ጐረባብቶም ሰላም ዝዛረቡ ሰባት ከይስሓብ ይልምን። ኣብ ፈረቓ ተሰሚዑ፥ እታ ፀሎት ናብ ምስጋና ትልወጥ።
28 1ኦ ኣቦይ፥ ናባኻ እፅውዕ ኣለኹ፤ ኦ ከውሐይ፥ ናባይ ፀማም ኣይትኹነኒ፤ ስቕ እንተ በልካ፥ ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ክኸውን እየ።
2ናባኻ ንረድኤት እንተ ኣእዌኹ፥ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ኣእዳወይ እንተ ኣልዒለ፥ ድምፂ ምህለላይ ስማዕ።
3ምስ ሓጥኣን፥ ምስቶም ክፉእ ዝገብሩ፥ ምስቶም ኣብ ልቦም ክፉእ እናሃለወ ምስ ጐረባብቶም ሰላም ዝዛረቡ ኣይትስሓበኒ። 4ከም ግብሮም፥ ከም ክፍኣት ተግባሮም ፍደዮም፤ ከም ግብሪ ኣእዳዎም ፍደዮም፤ እቲ ዝግብኦም ኣብ ልዕሊኦም ምለሰሎም። 5ንግብሪ ኣቦይ ኮነ ንግብሪ ኣእዳዉ ስለ ዘይግደሱ፥ ከፍርሶም እዩ፥ መሊሱውን ኣይሃንፆምን እዩ።
6ኣቦና ይባረኽ፥ ድምፂ ምህለላይ ሰሚዑ እዩ እሞ። 7ኣቦይ ሓይለይን ዋልታይን እዩ፤ ልበይ ብእኡ ይኣምን፥ ተሓገዝኩ ድማ፤ ልበይ ብሓጐስ ይስራሰር፥ ብመዝሙረይ ከዓ አመስግኖ።
8ኣቦይ ሓይሊ ህዝቡ እዩ፤ ንቕቡኡ ድማ ዕርዲ ምድሓን እዩ። 9ንህዝብኻ ኣድሕን፥ ንርስትኻ ድማ ባርኽ፤ ጓስዮም፥ ንዘለኣለም ከዓ ፆሮም።