ኣብ ማእኸል እቶም ንሰላም ዝፀልኡ
መዝሙር ዕርገት።
ሓደ መንገደኛ ንዘረባ ሰላሙ ብውግእ ዝምልሱ ሰባት ኣብ ማእኸሎም ምንባር ኣሰልክዩዎ ኣሎ። ብዛዕባ መታለሊ ልሳን ናብ ኣቦና የማርር፥ ናይ ተዋጋኢ ፍላፃታትን ዝነድድ ፍሕምን ብዝመስል መልሲ ይምለሰሉ፥ ስደቱ ድማ ይሰምዮ፦ ሞሳሕ፥ ድንኳናት ቄዳር።
120 1ብጊዜ መከራይ ናብ ኣቦና ፀዋዕኹ፤ ንሱ ኸዓ መለሰለይ።
2ኦ ኣቦይ፥ ካብ ከናፍር ሓሶት፥ ካብ መታለሊ ልሳን ኣናግፈኒ። 3ኣቦና እንታይ ክህበካ እዩ፥ ኣታ መታለሊ ልሳን፥ እንታይከ ኣብ ልዕሌኻ ክውስኸልካ እዩ? 4ናይ ተዋጋኢ ብሉሓት ፍላፃታት፥ ምስ ዝነድድ ፍሕሚ ኽሊዐው። a a v4 እታ ኽሊዐው፥ ጠፀፃኣ ብብርቱዕ ሙቐት ኣዝዩ ነዊሕ ጊዜ ዝነድድ፥ ኣብ በረኻ ዝርከብ ቈጥቋጥ እያ።
5ወይለይ፥ ኣብ ሞሳሕ ስለ ዝነብር፥ ኣብ ማእኸል ድንኳናት ቄዳር ስለ ዝሓድር! b b v5 ሞሳሕ ኣብ ርሑቕ ሰሜን ነበረ፤ ቄዳር ከዓ ኣብ ርሑቕ ደቡብ ምብራቕ ኣብ በረኻ ዓረብ ነበረ፤ ክልቲኦም ናይታ እትፍለጥ ዓለም ኣብ ተፃረርቲ ወሰናት ዝርከቡ ቦታታት እዮም፤ ብፀላእቲ ጓኖት ተኸቢቡ ዝነብር ህይወት ንምምሳል ብሓባር ተፀዊዖም። 6ኣብ ማእኸል እቶም ንሰላም ዝፀልኡ፥ ኣዝዩ ነዊሕ ጊዜ ነበርኩ። 7ኣነ ንሰላም እየ፤ ክዛረብ ከለኹ ግና፥ ንሳቶም ንውግእ እዮም።