ሙሴ ንመራሕቲ ተዛረቦም
ንኣቦና ዝተገብረ መብፅዓ ክፍፀም ኣለዎ — ቃል ሰብኣይ ፈፂሙ የእስሮ። መብፅዓ ጓል ወይ ሰበይቲ ግና፥ ኣቦኣ ወይ ሰብኣያ ብዝሰምዓሉ መዓልቲ ክስረዝ ይኽእል፤ ስቕ እንተ ኢሉ ግና ይፀንዕ፥ ኵሉ በደል ከዓ ናቱ ይኸውን።
30 1ሙሴ ድማ ነሕሉቕ ነገዳት ደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦ እቲ ኣቦና ዝኣዘዞ ነገር እዙይ እዩ። 2ሰብኣይ ንኣቦና መብፅዓ እንተ ተመባፅዐ፥ ወይ ርእሱ ብመእሰሪ ኣሲሩ ማሕላ እንተ መሓለ፥ ቃሉ ኣየፍርስ፤ ከምቲ ኻብ ኣፉ ዝወፀ ዅሉ ይፈፅም።
3ሰበይቲ ድማ ገና ጓል እንተላ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እናነበረት ንኣቦና መብፅዓ እንተ ተመባፅዐት፥ ርእሳውን ብመእሰሪ እንተ ኣሰረት፥ 4ኣቦኣ ድማ መብፅዓኣን ነቲ ርእሳ ዝኣሰረትሉ መእሰሪን ምስ ሰምዐ፥ ገለ እንተ ዘይበላ፥ ኵሉ መብፅዓኣን ነፍሲ ወከፍ ርእሳ ዝኣሰረትሉ መእሰሪን ይፀንዕ። 5ኣቦኣ ግና በታ ዝሰምዖ መዓልቲ እንተ ኸልከላ፥ ካብ መብፅዓኣን ካብቲ ርእሳ ዝኣሰረትሉ መእሰሪን ሓደኳ ኣይፀንዕን፤ ኣቦኣ ስለ ዝኸልከላ ኸዓ ኣቦና ይቕረ ክብለላ እዩ።
6ኣብ ትሕቲ መብፅዓኣ፥ ወይ ብዘይ ምስትውዓል ካብ ከናፍራ ዝወፀ ቃል እንተላ፥ እንተ ተመርዐወት፥ 7ሰብኣያ ድማ ሰሚዑ፥ በታ ዝሰምዖ መዓልቲ ስቕ እንተ ኢሉ፥ መብፅዓኣ ይፀንዕ፤ እቲ ርእሳ ዝኣሰረትሉ መእሰሪውን ይፀንዕ። 8ሰብኣያ ግና በታ ዝሰምዖ መዓልቲ እንተ ኸልከላ፥ ነቲ ርእሳ ዝኣሰረትሉ መብፅዓን ነቲ ብዘይ ምስትውዓል ካብ ከናፍራ ዝወፀ ቃልን ይስርዞ፤ ኣቦናውን ይቕረ ክብለላ እዩ።
9ናይ መበለት ወይ ናይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብፅዓ ግና፥ ኵሉ እቲ ርእሳ ዝኣሰረትሉ፥ ኣብ ልዕሊኣ ይፀንዕ።
10ኣብ እንዳ ሰብኣያ እንተ ተመባፅዐት፥ ወይ ብማሕላ ርእሳ ብመእሰሪ እንተ ኣሰረት፥ 11ሰብኣያ ድማ ሰሚዑ፥ ገለ እንተ ዘይበላ፥ እንተ ዘይከልከላ ኸዓ፥ ኵሉ መብፅዓኣ ይፀንዕ፤ ነፍሲ ወከፍ ርእሳ ዝኣሰረትሉ መእሰሪውን ይፀንዕ። 12ሰብኣያ ግና በታ ዝሰምዖ መዓልቲ እንተ ሰረዞ፥ ካብቲ ዝተዛረበቶ፥ ካብ መብፅዓኣን ካብቲ ርእሳ ዝኣሰረትሉ መእሰሪን ሓደኳ ኣይፀንዕን፤ ሰብኣያ ሰሪዙዎ እዩ እሞ፥ ኣቦና ይቕረ ክብለላ እዩ። 13ኵሉ መብፅዓን፥ ርእሳ ንምዋራድ ዝኣሰረትሉ ኵሉ ማሕላን፥ ሰብኣያ ከፅንዖ ወይ ክስርዞ ይኽእል። 14ሰብኣያ ግና ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ስቕ እንተ ኢሉ፥ ንዅሉ መብፅዓኣ ወይ ነቲ ርእሳ ዝኣሰረትሉ መእሰሪ የፅንዖ፤ በታ ዝሰምዖ መዓልቲ ስቕ ስለ ዝበላ፥ ኣፅኒዑ እዩ። 15ድሕሪ ምስምዑ እንተ ሰረዞ ግና፥ ንሱ በደላ ክፅወር እዩ።
16እዝ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ ሕግጋት እዩ፤ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይቱን፥ ኣብ መንጎ ኣቦን ገና ጓል እንተላ ኣብ ገዛኡ እትነብር ጓሉን።