ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

በዓል መለኸት

እታ ሻውዐይቲ ወርሒ ምልእቲ እያ፦ ድምፂ መለኸት፥ ናይ መዓልቲ ስርየት ነፍሲ ምዋራድ፥ ሽዑ ድማ በዓል ዳስ፥ ኣብኡ እቶም ዝራብዓት ኣብ ሸውዓተ መዓልቲ ኻብ ዓሰርተ ሰለስተ ናብ ሸውዓተ ይጎድሉ፥ ቅድሚ መዕፀዊ ጉባኤ። ነፍሲ ወከፍ በዓል ውሱን መስዋእቱ ኣለዎ፥ ኵሉሻዕ ምስቲ ናይ ኵልሻዕ።

ምዕራፍ 29።

“ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ፤ መለኸት እትንፍሑላ መዓልቲ እያ። ንኣቦና ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ፦ ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም። መስዋእቲ እኽሎም ድማ ብዘይቲ ዝተለወሰ ፅቡቕ ሕሩጭ ይኹን፤ ነቲ ዝራብዕ ኣስታ ሽዱሽተ ሊትሮ፥ ነቲ ማጕላ ኣስታ ኣርባዕተ ሊትሮ፥ መምስ ሓደ ካብቶም ሸውዓተ ጡቦታት በጊዕ ድማ ኣስታ ክልተ ሊትሮ፤ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ድማ፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ ኣቕርቡ። እዙይ ብዘይ እቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን፥ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተን እዩ፤ ከም ስርዓቶም፥ ንኣቦና ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።

መዓልቲ ስርየት ሓጢኣት

“ኣብ መበል ዓሰርተ መዓልቲ ናይዛ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ነፍስኹም ድማ ኣዋርዱ፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ። ንኣቦና ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ፦ ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም። መስዋእቲ እኽሎም ድማ ብዘይቲ ዝተለወሰ ፅቡቕ ሕሩጭ ይኹን፤ ነቲ ዝራብዕ ኣስታ ሽዱሽተ ሊትሮ፥ ነቲ ሓደ ማጕላ ኣስታ ኣርባዕተ ሊትሮ፥ መምስ ሓደ ካብቶም ሸውዓተ ጡቦታት በጊዕ ድማ ኣስታ ክልተ ሊትሮ፤ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ ድማ፥ ብዘይ እቲ ናይ ስርየት መስዋእቲ ሓጢኣትን ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

በዓል ዳስ

“ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ፤ ንኣቦና ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዕሉ። ንኣቦና ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ፦ ዓሰርተ ሰለስተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም። መስዋእቲ እኽሎም ድማ ብዘይቲ ዝተለወሰ ፅቡቕ ሕሩጭ ይኹን፤ መምስ ሓደ ካብቶም ዓሰርተ ሰለስተ ዝራብዓት ኣስታ ሽዱሽተ ሊትሮ፥ መምስ ሓደ ካብቶም ክልተ ማጓሉ ኣስታ ኣርባዕተ ሊትሮ፥ መምስ ሓደ ካብቶም ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡቦታት በጊዕ ድማ ኣስታ ክልተ ሊትሮ፤ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ ድማ፥ ብዘይ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

“በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ኣቕርቡ፤ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ማጓሉን ነቶም ጡቦታት በጊዕን ድማ፥ ከም ብዝሖም ከምቲ ዝተኣዘዘ፥ መስዋእቲ እኽሎምን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ፤ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ ድማ፥ ብዘይ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

“በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ሓደ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ኣቕርቡ፤ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ማጓሉን ነቶም ጡቦታት በጊዕን ድማ፥ ከም ብዝሖም ከምቲ ዝተኣዘዘ፥ መስዋእቲ እኽሎምን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ ድማ፥ ብዘይ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

“በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ኣቕርቡ፤ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ማጓሉን ነቶም ጡቦታት በጊዕን ድማ፥ ከም ብዝሖም ከምቲ ዝተኣዘዘ፥ መስዋእቲ እኽሎምን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ፤ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ ድማ፥ ብዘይ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

“በታ ሓምሸይቲ መዓልቲ ድማ ትሽዓተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ኣቕርቡ፤ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ማጓሉን ነቶም ጡቦታት በጊዕን ድማ፥ ከም ብዝሖም ከምቲ ዝተኣዘዘ፥ መስዋእቲ እኽሎምን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ ድማ፥ ብዘይ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

“በታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ድማ ሸሞንተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ኣቕርቡ፤ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ማጓሉን ነቶም ጡቦታት በጊዕን ድማ፥ ከም ብዝሖም ከምቲ ዝተኣዘዘ፥ መስዋእቲ እኽሎምን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ፤ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ ድማ፥ ብዘይ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

“በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ሸውዓተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ኣቕርቡ፤ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ማጓሉን ነቶም ጡቦታት በጊዕን ድማ፥ ከም ብዝሖም ከምቲ ዝተሓገገ ስርዓት፥ መስዋእቲ እኽሎምን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ፤ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ ድማ፥ ብዘይ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

“በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ናይ ምዝዛም ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ኣድካሚ ስራሕ ኣይትስርሑ። ንኣቦና ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ፦ ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ነቲ ዝራብዕን ነቲ ማጕላን ነቶም ጡቦታት በጊዕን ድማ፥ ከም ብዝሖም ከምቲ ዝተሓገገ ስርዓት፥ መስዋእቲ እኽሎምን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዲበላ ድማ፥ ብዘይ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

“እዝ ዅሉ ድማ ኣብ ምዱባት በዓላትኩም ንኣቦና ኣቕርብዎ፤ እዙይ ብዘይ እቲ መብፅዓኹምን ብፍቓድኩም እተቕርብዎ መባእኩምን፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኾነ መስዋእቲ እኽሊ፥ መስዋእቲ መስተ ወይ መስዋእቲ ሰላም እዩ።”

ሙሴ ድማ ኸምቲ ዅሉ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንደቂ እስራኤል ኵሉ ነገሮም።