ቅዲ ምቅራብ
ናይ መስዋእቲ ዕለት-ሰሌዳ ተወሰነ፦ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኽልተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ብሰንበት ዕፅፊ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰርቂ ወርሒ ዝያዳ፥ ካብ ፋሲካን በዓል ቅጫን ክሳዕ በዓል ሰሙናት። ናብ ኣቦኦም ምቕራብ ብድላይ ዝግደፍ ኣይኮነን — ምዱብ ጊዜ ኣለዎ።
28 1ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦
2“ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም፥ ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ቍርባነይ፥ ንብሓዊ ዝቃፀል መስዋእትታተይ ዝኸውን ምግበይ፥ ንኣይ ደስ ዘብለኒ ጥዑም ጨና፥ በቲ ምዱብ ጊዜኡ ከተቕርቡለይ ተጠንቀቑ። 3ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ እቲ ንኣይ እተቕርብዎ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዙይ እዩ፦ ዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ጡበታት ኣባጊዕ ነንመዓልቲ፥ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ። 4ሓደ ጡበት በጊዕ ጊሓት፥ እቲ ኻልኣይ ጡበት በጊዕ ድማ ክመሲ እንተሎ ሰውእ፥ 5ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ድማ ብሓደ ሊትሮ ዝተወቐጠ ዘይቲ ዝተለወሰ ሓደ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ኣቕርብ። 6እዙይ ኣብ ደብረ ሲና እተኣዘዘ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ንኣይ ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። 7መስዋእቲ መስተ ኸዓ መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ሓደ ሊትሮ ይኹን፤ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ኸም ፅኑዕ መስተ ጌርካ ኣፍስሰለይ። 8ነቲ ኻልኣይ ጡበት በጊዕ ክመሲ እንተሎ ሰውኣዮ፤ ከምቲ ናይ ጊሓት መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ጌርካ ድማ፥ ንኣይ ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርብ።
9“ኣብ መዓልቲ ሰንበት ድማ ዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ጡበታት ኣባጊዕን ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ክልተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭን ምስ መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ። 10እዙይ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ መስተን ዝውሰኽ እዩ።
ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ወርሒ
11“ኣብ መጀመርታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣዋርሕኩም ድማ ንኣይ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ፦ ክልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዘይብሎም ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ 12ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን መምስ ሓደ ዝራብዕ ብዘይቲ ዝተለወሰ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ፥ ምስቲ ሓደ ማጕላ ድማ ብዘይቲ ዝተለወሰ ክልተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ፥ 13መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ከዓ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ሓደ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ እዙይ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ንኣይ ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። 14መስዋእቲ መስቶም ድማ፥ ምስቲ ዝራብዕ ክልተ ሊትሮ ወይኒ፥ ምስቲ ማጕላ ሓደ ሊትሮን ፈረቓን፥ ምስቲ ጡበት በጊዕ ከዓ ሓደ ሊትሮ ይኹን። እዙይ ናይታ ወርሒ እትወፀላ በዓል ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ወርሒ ብወርሒ ኣብ ምሉእ ዓመት ዝግበር እዩ። 15ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ጤል ድማ ንኣይ ኣቕርቡ፤ እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ መስተን ዝውሰኽ እዩ።
ፋሲካ
16“ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ፋሲካይ እዩ። 17በታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ በዓል እዩ፤ ሸውዓተ መዓልቲ ዘይበዅዐ ቕጫ ይብላዕ። 18በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ይኹን፤ ዝኾነ ንቡር ስራሕ ኣይትስርሑ። 19ንኣይ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ ኣቕርቡ፦ ክልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፤ ጐደሎ ዘይብሎም ምዃኖም ኣረጋግፁ። 20መስዋእቲ እኽሎም ድማ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ይኹን፤ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ምስቲ ማጕላ ድማ ክልተ ኺሎ ግራም፥ 21መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ካብቶም ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ ከዓ ሓደ ኺሎ ግራም ኣቕርቡ፤ 22ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ጤል ሰውኡ። 23እዝኣቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾነ ናይ ጊሓት ዝቃፀል መስዋእቲ ወሲድኩም ኣቕርቡ። 24ነዙይ ንሸውዓተ መዓልቲ ነንመዓልቲ ግበሩ፤ ንኣይ ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ምግቢ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ መስተን ዝውሰኽ እዩ። 25በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ንቡር ስራሕ ኣይትስርሑ።
በዓል ሰሙናት
26“ኣብታ መዓልቲ በዅራት፥ በዓል ሰሙናትኩም እንተለኹም ሓድሽ መስዋእቲ እኽሊ ናባይ ከተምፅኡ እንተለኹም፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ንቡር ስራሕ ኣይትስርሑ። 27ንኣይ ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ ኣቕርቡ፦ ክልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ። 28ምስኣቶም ድማ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ መስዋእቲ እኽሊ ይቕረብ፤ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ምስቲ ሓደ ማጕላ ድማ ክልተ ኺሎ ግራም፥ 29መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ካብቶም ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ ከዓ ሓደ ኺሎ ግራም፤ 30ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም ድማ ሓደ ጤል ሰውኡ። 31እዝኣቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ወሲድኩም ኣቕርቡ፤ ጐደሎ ዘይብሎም ምዃኖም ድማ ምስ መስዋእቲ መስቶም ኣረጋግፁ።”