ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣጓላት ሰለጰኣድ

ሓሙሽተ ኣሓት ስም ኣቦአን ብሰኣን ወዲ ስለምንታይ ከም ዝጠፍእ ሓተታ፥ ኣቦና ኸዓ ቅኑዓት ምዃነን ኢሉ ሕጊ ርስቲ ለወጠ። ሙሴ ኣብ ወፃኢ እታ ምድሪ ኸም ዝመውት ምስ ተነግሮ፥ ነቲ ህዝቢ ጓሳ ለመነ፤ ኢያሱ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ኵሎም ተሸመ።

ምዕራፍ 27።

ኣጓላት ሰለጰኣድ ድማ ቐረባ። ሰለጰኣድ ከዓ ወዲ ኦፌር እዩ፤ ኦፌር ድማ ወዲ ገለዓድ፥ ገለዓድ ወዲ ማኪር፥ ማኪር ከዓ ወዲ ምናሴ እዩ። ምናሴ ኸዓ ወዲ ዮሴፍ ኮይኑ፥ እዘን ኣጓል ካብ ዓሌት ምናሴ እየን። ስም ኣጓላቱ ድማ እዙይ እዩ፦ ማሕላ፥ ኖዓ፥ ሖግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ። ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ እቶም መራሕትን ኵሉ እቲ ማሕበርን፥ ኣብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ደው ኢለን ከምዙይ በላ፦ “ኣቦና ኣብ ምድረ በዳ ሞተ። ንሱ ግና ኣብ መንጎ እቶም ምስ ሰዓብቲ ቆሬ ኾይኖም ኣብ ልዕሊ ኣቦና ዝተኣከቡ ኣይነበረን፤ ብሓጢኣቱ ደኣ ሞተ እምበር፥ ኣወዳት ኣይነበርዎን። ወዲ ስለ ዘይነበሮ፥ ስም ኣቦና ኻብ ዓሌቱ ስለ ምንታይ ይጠፍእ? ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኣቦና ርስቲ ሃቡና።”

ሙሴ ኸዓ ጕዳየን ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣቕረቦ። ኣቦና ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦

“እቲ ኣጓላት ሰለጰኣድ ዝበላ ፅቡቕ እዩ። ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኣቦአን ርስቲ ሃበን፤ ርስቲ ኣቦአን ድማ ናብአን ኣመሓላልፍ። ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዙይ ኢልካ ተዛረብ፦ ሓደ ሰብ ወዲ ዘይብሉ እንተ ሞተ፥ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣመሓላልፉ። ጓል ዘይብሉ እንተ ኾይኑ፥ ርስቱ ነሕዋቱ ሃብዎ። ኣሕዋት ዘይብሉ እንተ ኾይኑ፥ ርስቱ ነሕዋት ኣቦኡ ሃብዎ። ኣቦኡ ኣሕዋት ዘይብሉ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ዓሌቱ ናብቲ ዝቐርቦ ዘመዱ ርስቱ ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ይውረሶ። እዙይ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንደቂ እስራኤል ስርዓት ፍርዲ እዩ።”

ሙሴ ነታ ምድሪ ይርኢ

ኣቦና ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ እምባ ዓብሪም ደይብ እሞ፥ ነታ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ ርኣያ። ምስ ረአኻያ ድማ፥ ከምቲ ሓውካ ኣሮን ዝተኣከበ፥ ንስኻውን ናብ ህዝብኻ ክትእከብ ኢኻ፤ ኣብ ምድረ በዳ ፂን እቲ ማሕበር ኣብ ዝተቛየቐሉ ጊዜ፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኣብቲ ማይ ቅዱስ ክትገብሩኒ ክነሱ፥ ንትእዛዘይ ስለ ዝዓመፅኩም እዩ፤ እዙይ ማይ መሪባ ቃዴስ፥ ኣብ ምድረ በዳ ፂን እዩ።”

ሙሴ ድማ ንኣቦና ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ “ኣቦ መናፍስቲ ኵሉ ስጋ ኣብ ልዕሊ እዝ ማሕበር ሓደ ሰብ ይሹም፥ ኣብ ቅድሚኦም ዝወፅእ ኣብ ቅድሚኦም ዝኣቱ፥ ዘውፅኦምን ዘእትዎምን ሰብ፥ ማሕበር ኣቦና ኸም ጓሳ ዘይብለን ኣባጊዕ ምእንቲ ከይኸውን።”

ኣቦና ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “መንፈስ ኣቦና ዘለዎ ሰብ ዝኾነ፥ ንኢያሱ ወዲ ነዌ ውሰድ እሞ፥ ኢድካ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር። ኣብ ቅድሚ ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ኵሉ እቲ ማሕበርን ኣቕርቦ፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ድማ ኣዝዞ። ኵሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ምእንቲ ኽእዘዝዎ፥ ካብ ስልጣንካ ገለ ሃቦ። ንሱ ኣብ ቅድሚ ካህን ኣልኣዛር ደው ይብል፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ብፍርዲ ኡሪም ይጥይቐሉ። በቃል ኣልኣዛር ይወፁ፥ በቃሉ ድማ ይኣትዉ፤ ንሱን ኵሎም እቶም ምስኡ ዘለዉ ደቂ እስራኤልን ኵሉ እቲ ማሕበርን።”

ሙሴ ድማ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንኢያሱ ወሲዱ፥ ኣብ ቅድሚ ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ኵሉ እቲ ማሕበርን ኣቖሞ። ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢሩ ድማ፥ ከምቲ ኣቦና ብሙሴ ዝተዛረቦ ኣዘዞ።