ድሕሪ እቲ መቕዘፍቲ፥ ሓድሽ ቍፅሪ
ድሕሪ እቲ መቕሰፍቲ ኻልኣይ ቆፀራ ሽዱሽተ ሚእትን ሓደ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ተዋጋኢ ቆፀረ — እንትርፊ ካሌብን ኢያሱን ካብቶም ቀዳሞት ሓደ እኳ ስለ ዘይተረፈ፥ ፈፂሙ ሓድሽ ወለዶ እዩ። እቲ ቍፅሪ ድማ ሕዚ ንርስቲ ይውስን፦ ዓበይቲ ዓሌታት ዝያዳ ምድሪ ይረኽቡ፥ ነፍሲ ወከፍ ክፍፍል ከዓ ገና ብዕፃ ይወድቕ።
26 1ድሕሪ እቲ መቕሰፍቲ፥ ኣቦና ንሙሴን ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮንን ከምዙይ በሎም፦
2“ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘሎ፥ ኣብ ሰራዊት እስራኤል ከገልግል ዝኽእል ዅሉ፥ ንብዘሎ ማሕበር ደቂ እስራኤል በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቍፅርዎም።”
3ሙሴን ኣልኣዛር ካህንን ድማ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ዮርዳኖስ መንፅር ኢያሪኮ፥ ከምዙይ ኢሎም ተዛረብዎም፦ 4“ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ነቲ ኻብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘሎ ህዝቢ ቍፅሩ።” እዞም ካብ ምድሪ ግብፂ ዝወፁ ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም፦
5ሮቤል፥ በዅሪ እስራኤል። ደቂ ሮቤል፦ ካብ ሄኖህ፥ ዓሌት ሄኖሃውያን፤ ካብ ፈሉስ፥ ዓሌት ፈሉሳውያን፥ 6ካብ ኣስሮን፥ ዓሌት ኣስሮናውያን፤ ካብ ከርሚ፥ ዓሌት ከርማውያን። 7እዚኣቶም ዓሌታት ሮቤላውያን እዮም፤ ዝተቘፀሩ ድማ ኣርብዓን ሰለስተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ነበሩ። 8ደቂ ፈሉስ፦ ኤልያብ። 9ደቂ ኤልያብ ከዓ ነሙኤልን ዳታንን ኣቤሮንን እዮም። እዚኣቶም እቶም ዳታንን ኣቤሮንን፥ ሹመኛታት እቲ ማሕበር ዝነበሩ፥ ኣብ ማሕበር ቆሬ ንሙሴን ንኣሮንን ዝተቓወምዎም፥ ኣብ ልዕሊ ኣቦና ኸዓ ዝተስኡ እዮም። 10ምድሪ ኣፋ ኸፈተት፤ ንኣኣቶምን ንቆሬን ድማ ወሓጠቶም፤ እቲ ጉጅለ ምስ ሞተ፥ እቲ ሓዊ ድማ ነቶም ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት በልዖም። ንሳቶም ከዓ መጠንቀቕታ ኾኑ። 11ደቂ ቆሬ ግና ኣይሞቱን።
12ደቂ ስምኦን በብዓሌቶም፦ ካብ ነሙኤል፥ ዓሌት ነሙኤላውያን፤ ካብ ያሚን፥ ዓሌት ያሚናውያን፤ ካብ ያኪን፥ ዓሌት ያኪናውያን፥ 13ካብ ዛራ፥ ዓሌት ዛራውያን፤ ካብ ሳኡል፥ ዓሌት ሳኡላውያን። 14እዚኣቶም ዓሌታት ስምኦናውያን እዮም፦ ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን።
15ደቂ ጋድ በብዓሌቶም፦ ካብ ፅፎን፥ ዓሌት ፅፎናውያን፤ ካብ ሓጊ፥ ዓሌት ሓጋውያን፤ ካብ ሹኒ፥ ዓሌት ሹናውያን፥ 16ካብ ኦዝኒ፥ ዓሌት ኦዝናውያን፤ ካብ ዔሪ፥ ዓሌት ዔራውያን፤ 17ካብ ኣሮድ፥ ዓሌት ኣሮዳውያን፤ ካብ ኣርኤሊ፥ ዓሌት ኣርኤላውያን። 18እዚኣቶም ዓሌታት ደቂ ጋድ እዮም፤ ዝተቘፀሩ ድማ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ።
19ደቂ ይሁዳ ዔርን ኣውናንን እዮም፤ ዔርን ኣውናንን ግና ኣብ ምድሪ ከነዓን ሞቱ። 20ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም፦ ካብ ሴሎም፥ ዓሌት ሴሎማውያን፤ ካብ ፋሬስ፥ ዓሌት ፋሬሳውያን፤ ካብ ዛራ፥ ዓሌት ዛራውያን። 21ደቂ ፋሬስ፦ ካብ ኤስሮም፥ ዓሌት ኤስሮማውያን፤ ካብ ሓሙል፥ ዓሌት ሓሙላውያን። 22እዚኣቶም ዓሌታት ይሁዳ እዮም፤ ዝተቘፀሩ ድማ ሰብዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ።
23ደቂ ይሳኮር በብዓሌቶም፦ ካብ ቶላ፥ ዓሌት ቶላውያን፤ ካብ ፉዋ፥ ዓሌት ፉዋውያን፥ 24ካብ ያሱብ፥ ዓሌት ያሱባውያን፤ ካብ ሺምሮን፥ ዓሌት ሺምሮናውያን። 25እዚኣቶም ዓሌታት ይሳኮር እዮም፤ ዝተቘፀሩ ድማ ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ነበሩ።
26ደቂ ዛብሎን በብዓሌቶም፦ ካብ ሴሬድ፥ ዓሌት ሴሬዳውያን፤ ካብ ኤሎን፥ ዓሌት ኤሎናውያን፤ ካብ ያሕልኤል፥ ዓሌት ያሕልኤላውያን። 27እዚኣቶም ዓሌታት ዛብሎናውያን እዮም፤ ዝተቘፀሩ ድማ ስሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ።
28ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም ምናሴን ኤፍሬምን እዮም። 29ደቂ ምናሴ፦ ካብ ማኪር፥ ዓሌት ማኪራውያን፤ ማኪር ድማ ንገለዓድ ወለደ፤ ካብ ገለዓድ፥ ዓሌት ገለዓዳውያን። 30ደቂ ገለዓድ፦ ካብ ኢዔዘር፥ ዓሌት ኢዔዘራውያን፤ ካብ ኬሌግ፥ ዓሌት ኬሌጋውያን፥ 31ካብ ኣስሪኤል ድማ፥ ዓሌት ኣስሪኤላውያን፤ ካብ ሴኬም ከዓ፥ ዓሌት ሴኬማውያን፤ 32ካብ ሸሚዳ ድማ፥ ዓሌት ሸሚዳውያን፤ ካብ ኦፌር ከዓ፥ ዓሌት ኦፌራውያን። 33ሰለጰኣድ ወዲ ኦፌር ድማ ኣጓላት ጥራሕ እምበር ኣወዳት ኣይነበርዎን፤ ስም ኣዋልዱ ኸዓ ማሕላ፥ ኖዓ፥ ሖግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ እዩ። 34እዚኣቶም ዓሌታት ምናሴ እዮም፤ ዝተቘፀሩ ድማ ሓምሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ነበሩ።
35እዚኣቶም ደቂ ኤፍሬም በብዓሌቶም እዮም፦ ካብ ሹተላ፥ ዓሌት ሹተላውያን፤ ካብ ቤከር፥ ዓሌት ቤከራውያን፤ ካብ ታሃን፥ ዓሌት ታሃናውያን። 36ደቂ ሹተላ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ዔራን፥ ዓሌት ዔራናውያን። 37እዚኣቶም ዓሌታት ደቂ ኤፍሬም እዮም፤ ዝተቘፀሩ ድማ ሰላሳን ክልተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም እዮም።
38ደቂ ብንያም በብዓሌቶም፦ ካብ ቤላ፥ ዓሌት ቤላውያን፤ ካብ ኣስቤል፥ ዓሌት ኣስቤላውያን፤ ካብ ኣኪራም፥ ዓሌት ኣኪራማውያን፥ 39ካብ ሸፉፋም፥ ዓሌት ሸፉፋማውያን፤ ካብ ሑፋም፥ ዓሌት ሑፋማውያን። 40ደቂ ቤላ ድማ ኣርድን ናዕማንን እዮም፦ ካብ ኣርድ፥ ዓሌት ኣርዳውያን፤ ካብ ናዕማን፥ ዓሌት ናዕማናውያን። 41እዚኣቶም ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም እዮም፤ ቍፅሮም ድማ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበረ።
42ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሱሃም ዓሌት ሱሃማውያን። ዓሌታት ዳን ከከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም። 43ኵሎም ዓሌታት ሱሃማውያን ቍፅሮም ድማ ሱሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ።
44ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም፦ ካብ ዪምና ዓሌት ዪምናውያን፥ ካብ የስዊ ዓሌት የስዋውያን፥ ካብ በሪዓ ዓሌት በሪዓውያን። 45ደቂ በሪዓ፦ ካብ ሔቤር ዓሌት ሔቤራውያን፥ ካብ መልኪኤል ዓሌት መልኪኤላውያን። 46ኣሴር ድማ ሴራሕ እትበሃል ጓል ነበረቶ። 47እዚኣቶም ዓሌታት ደቂ ኣሴር እዮም፤ ዝተቘፀሩ ድማ ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።
48ደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም፦ ካብ ያሕፅኤል ዓሌት ያሕፅኤላውያን፥ ካብ ጉኒ ዓሌት ጉናውያን፥ 49ካብ ዮፅር ዓሌት ዮፅራውያን፥ ካብ ሺሌም ዓሌት ሺሌማውያን። 50እዚኣቶም ዓሌታት ንፍታሌም እዮም፤ ቍፅሮም ድማ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። 51ብድምር ዝተቘፀሩ ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ሽዱሽተ ሚእትን ሓደን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ነበሩ።
52ኣቦና ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
53“ነዚኣቶም ከም ቍፅሪ ስሞም እታ ምድሪ ርስቲ ኽትኮኖም ክትማቐል እያ። 54ነቶም ብዙሓት ብዙሕ ርስቲ ሃብ፥ ነቶም ውሑዳት ድማ ሒደት ርስቲ ሃብ፤ ንነፍሲ ወከፍ ድማ ከም መጠን ቍፅሪ ዝተቘፀርዎ ዕፃ ይወሃብ። 55ግናኸ እታ ምድሪ ብዕፃ ክትማቐል እያ፤ ከም ስም ነገድ ኣቦታቶም ድማ ይወርሱ። 56ርስቶም ድማ ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓትን እቶም ውሑዳትን ብዕፃ ይማቐል።”
57እዚኣቶም ድማ ከከም ዓሌቶም ዝተቘፀሩ ሌዋውያን እዮም፦ ዓሌት ጌድሶን ማለት ጌድሶናውያን፥ ዓሌት ቀዓት ማለት ቀዓታውያን፥ ዓሌት ሜራሪ ማለት ሜራራውያን። 58ዓሌታት ሌዊ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ዓሌት ሊብናውያን፥ ዓሌት ኬብሮናውያን፥ ዓሌት ማህላውያን፥ ዓሌት ሙሳውያን፥ ዓሌት ቆሬያውያን። ቀዓት ከዓ ንእንበረም ወለደ። 59ስም ሰበይቲ እንበረም ድማ ዮካብድ ነበረ፤ ንሳ ጓል ሌዊ ኮይና ኣብ ግብፂ ንሌዊ ዝተወለደት እያ። ንሳ ኸዓ ንእንበረም ንኣሮንን ንሙሴን ንማርያም ሓፍቶምን ወለደትሉ። 60ንኣሮን ድማ ናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን ተወለዱሉ። 61ናዳብን ኣብዩድን ግና ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክልኩል ሓዊ ምስ ኣቕረቡ ሞቱ። 62እቶም ዝተቘፀሩ ሌዋውያን ድማ፥ ዕድሚኦም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾነ ኵሉ ተባዕታይ፥ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ነበሩ። ንሳቶም ከዓ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይተውሃቦምን እሞ፥ ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቘፀሩን።
63እዚኣቶም እቶም ሙሴን ኣልኣዛር ካህንን ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ መንፅር ኢያሪኮ ዝቘፀርዎም እዮም። 64ካብ እዚኣቶም ግና፥ ኣብ ምድረ በዳ ሲና ሙሴን ኣሮን ካህንን ዝቘፀርዎም ሓደ እኳ ኣይነበረን። 65ኣቦና ብዛዕባኦም “ኣብ ምድረ በዳ ብሞት ክሞቱ እዮም” ኢሉ ነበረ እሞ፥ ብጀካ ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ኢያሱ ወዲ ነዌን፥ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።