ካብ ትምኒት ዝውለድ ባእሲ
ባእስታት ካብ ኣብ ውሽጢ ዝዋግእ ትምኒት ይመፅእ፤ ስለ ዘይልምኑ የብሎምን፥ ምስ ዝልምኑ ኸዓ ብኽፉእ ይልምኑ። ምሕዝነት ምስ ዓለም ፅልኢ ምስ ኣቦና እዩ፥ ንሱ ግና ዝያዳ ፀጋ ይህብ። ናብኡ ቕረቡ፥ ህይወት ጊሜ ከም ዘይኮነት ገይርኩም ድማ ንፅባሕ ምውጣን ሕደጉ።
4 1ኣብ መንጎኹም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ ይመፅእ? ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ዝዋግእ ትምኒትኩምዶ ኣይኮነን? 2ትደልዩ፥ የብልኩምን፥ ትቐትሉ። ትምነዩ፥ ክትረኽቡ ኣይትኽእሉን፥ ትባኣሱን ትዋግኡን። ዘይትልምኑ ስለ ዝኾንኩም፥ የብልኩምን። 3ትልምኑ እሞ ኣይትቕበሉን ኢኹም፥ ንገዛእ ደስታኹም ክተውፅእዎ ብኽፉእ ስለ እትልምኑ። 4ኣቱም ዘመውቲ! ምሕዝነት ምስ ዓለም ፅልኢ ምስ ኣቦና ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን? ፈታዊ ዓለም ክኸውን ዝደሊ ኵሉ፥ ፀላኢ ኣቦና ይኸውን። 5ወይ እቲ ፅሑፍ፥ እቲ ኣባና ዘንበሮ መንፈስ ብቕንኣት ይናፍቕ እናበለ፥ ንከንቱ ይዛረብ ድዩ? 6ግና ዝያዳ ፀጋ ይህብ። ስለዙይ ከዓ እቲ ፅሑፍ፥ “ኣቦና ንዕቡያት ይቃወሞም፥ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም” ይብል።
7እምበኣር ንኣቦና ተገዝኡ። ንድያብሎስ ተቃወምዎ፥ ንሱ ኸዓ ካባኻትኩም ክሃድም እዩ። 8ናብ ኣቦና ቕረቡ፥ ንሱ ኸዓ ናባኻትኩም ክቐርብ እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፥ ኣእዳውኩም ኣፅርዩ፤ ኣቱም ክልተ ልቢ ዘለኩም፥ ልብኹም ኣንፅሁ። 9ሕዘኑ፥ ኣልቅሱ፥ ብኸዩ። ሰሓቕኩም ናብ ሓዘን፥ ሓጐስኩምውን ናብ ጓሂ ለውጡ። 10ኣብ ቅድሚ ኣቦና ርእስኹም ኣዋርዱ፥ ንሱ ኸዓ ልዕል ከብለኩም እዩ።
11ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ንሓድሕድኩም ብእከይ ኣይትተዛረቡ። ንሓዉ ብእከይ ዝዛረብ ወይ ንሓዉ ዝፈርድ ኵሉ፥ ንሕጊ ይዛረብ፥ ንሕጊ ኸዓ ይፈርድ። ንሕጊ እንተ ፈሪድካ ግና፥ ፈራዲ ሕጊ ደኣ ኢኻ እምበር፥ ሓላዊ ሕጊ ኣይኮንካን። 12ሕጊ ዝህብ ዝፈርድውን ሓደ ጥራሕ እዩ፤ ከድሕን ወይ ከጥፍእ ዝኽእል ንሱ እዩ። ንስኻ ግና ንብፃይካ እትፈርድ መን ኢኻ?
ብዛዕባ ፅባሕ ኣይትመክሑ
13ሕዚ ስምዑ፥ ኣቱም “ሎሚ ወይ ፅባሕ ናብ እዛ ወይ እታ ኸተማ ኽንከይድ፥ ኣብኣ ሓደ ዓመት ክንፀንሕ፥ ክንነግድን ክንረብሕን ኢና” እትብሉ። 14ፅባሕ እንታይ ከም ዘምፅእ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ህይወትኩም እንታይ እያ? ንቑሩብ ጊዜ ዝረአ፥ ድሕሪኡ ኸዓ ዝጠፍእ ጊሜ ኢኹም እሞ። 15ኣብ ክንዳኡስ፥ “ኣቦና እንተ ፈቒዱ፥ ብህይወት ክንነብር፥ እዙይ ወይ እቱይ ክንገብር ኢና” ክትብሉ ይግብአኩም። 16ሕዚ ግና ብትዕቢትኩም ትምክሑ ኣለኹም። ከምዙይ ዝበለ ትምክሕቲ ዅሉ ኸዓ ክፉእ እዩ። 17እምበኣር እቲ ፅቡቕ ክገብር እናፈለጠ ዘይገብሮ ኵሉ፥ ንእኡ ሓጢኣት እዩ።