ኣቦ ጭደራ እቶም ግፉዓት ይርኢ
እቲ ንዓፀድቲ ዝተኸልአ ዓስቢ ይጠርዕ፥ ናብ ኣእዛን ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ድማ ይበፅሕ፤ እቶም ሃብቲ ዘከቡ ሃብታማት ክበኽዩ ተነጊርዎም። ካልኦት ኵሎም ከም ሓረስታይ ክፅበዩ፥ ኣብ መከራ ኽፅልዩ፥ ንሓድሕዶም ክተናዘዙ፥ ነቲ ዝጠፍአ ድማ ክስዕቡ ተነጊሩ።
5 1ሕዚ ኣቱም ሃብታማት፥ በቲ ናባኻትኩም ዝመፅእ ዘሎ መከራ ብከዩን ውጨጩን። 2ሃብትኹም በስቢሱ፤ ክዳውንትኹም ድማ ብቢልቲ ተበሊዑ። 3ወርቅኹምን ብሩርኹምን መሪቱ፤ እቲ ዝመረተ ኸዓ ኣብ ልዕሌኹም ክምስክር እዩ፤ ንስጋኹምውን ከም ሓዊ ኽበልዖ እዩ። ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ሃብቲ ኣከብኩም። 4እንሆ፥ እቲ ነቶም ገራሁኹም ዝዓፀዱ ሰራሕተኛታት ዝኸላእኩምዎም ዓስቢ ይጠርዕ ኣሎ፤ ፀራሕ እቶም ዓፀድቲውን ናብ ኣእዛን ኣቦ ሰራዊት ሰማይ በፅሐ። 5ንስኻትኩም ኣብ ምድሪ ብፃዕቢን ብሂወት ፈንጠዝያን ነበርኩም። ልብኹም ድማ ኣብ መዓልቲ ሕርደት ኣሰብሐኩምዎ። 6ነቲ ዘይቃወመኩም ፃድቕ ፈሪድኩም ቀተልኩምዎ።
ብትዕግስቲ ዝመልኦ ልቢ ተፀበዩ
7ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ክሳዕ ምምፃእ ጐይታ ተዓገሱ። እቲ ሓረስታይ ተመልከቱ፤ ንሱ ፅድያን ክረምትን ዝናም ክሳዕ ዝረክብ፥ ነቲ ክቡር ፍረ ምድሪ ብትዕግስቲ ይፅበዮ። 8ንስኻትኩምውን ተዓገሱ። ምምፃእ ጐይታ ቐሪቡ እዩ እሞ፥ ልብኹም ኣፅንዑ። 9ኣሕዋተይ፥ ከይትፍረዱ፥ ንሓድሕድኩም ኣይተጕረምርሙ። እንሆ፥ እቲ ፈራዲ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኣሎ። 10ኣሕዋተይ፥ ነቶም ብስም ኣቦና ዝተዛረቡ ነብያት፥ ኣብነት መከራን ትዕግስትን ግበርዎም። 11እንሆ፥ ነቶም ዝፀዓሩ ብፁኣን ንብሎም ኣለና። ትዕግስቲ ኢዮብ ሰሚዕኹም፥ እቲ ኣቦና ዝገበሮ ድማ ረኣኹም፤ ኣቦና ብርህራሄን ብምሕረትን ዝበለፀ እዩ።
12ልዕሊ ዅሉ ግና፥ ኣሕዋተይ፥ ኣይትምሓሉ፤ ብሰማይ ይኹን፥ ብምድሪ ይኹን፥ ብዝኾነ ኻልእ መሓላ ይኹን። ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ምእንቲ ኸይትወድቁ፥ እቲ እወኹም እወ፥ እቲ ኣይኮነንኩም ድማ ኣይኮነን ይኹን።
እታ ፀሎት እምነት ተሕዊ
13ኣብ ማእኸልኩም መከራ ዝፅገብ ሰብ ኣሎዶ? ይፀሊ። ዝተሓጐሰ ሰብ ኣሎዶ? መዝሙር ይዝምር። 14ኣብ ማእኸልኩም ዝሓመመ ሰብ ኣሎዶ? ንሽማግለታት ቤተ ክርስቲያን ይፅውዕ፤ ንሳቶም ከዓ ብስም ጐይታ ዘይቲ እናቐብኡ፥ ኣብ ልዕሊኡ ይፀልዩ። 15እታ ፀሎት እምነት ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፤ ጐይታ ድማ ከተስኦ እዩ። ሓጢኣትውን ገይሩ እንተ ኾይኑ፥ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። 16ስለዙይ ምእንቲ ኽትሓውዩ፥ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተናዘዙ፤ ንሓድሕድኩምውን ተፀላለዩ። ፀሎት ፃድቕ ሰብ ብርትዕቲን ዓያዪትን እያ። 17ኤልያስ ከማና ዝበለ ሰብ ነበረ፤ ዝናም ከይዘንም ድማ ኣበርቲዑ ፀለየ፤ ኣብታ ምድሪ ድማ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ዝናም ኣይዘነመን። 18ደጊሙ ኸዓ ፀለየ፤ ሰማያት ድማ ዝናም ሃበ፤ ምድሪ ድማ ፍሪኣ ኣፍረየት።
19ኣሕዋተይ፥ ካብ ማእኸልኩም ሓደ ኻብ ሓቂ እንተ ተዘንበለ እሞ፥ ሓደ ሰብ እንተ መለሶ፥ 20እዙይ ፍለጡ፦ እቲ ንሓጥእ ካብ ጥዋይ መንገዱ ዝመለሶ፥ ንነፍሲ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ሞት የድሕን፤ ብዙሕ ሓጢኣትውን ይኽውል።