ጴጥሮስ ናብ እቶም ዝተበተኑ ይፅሕፍ
ምእንቲ እምነቶም መከራ ንዝቕበሉ ኣመንቲ ዝኾነ ምትብባዕ፤ ነታ ህያው ተስፋኦምን ናይ ኣቦና ሕሩይ ህዝቢ ምዃኖምን የዘኻኽሮም።
1 1ጴጥሮስ፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ናብ እቶም ኣብ ጳንጦስን ገላትያን ቀጰዶቅያን እስያን ቢታንያን ተበቲኖም ዘለዉ ሕሩያት ስደተኛታት። 2ብቅድመ ፍልጠት ኣቦና ዝተሓረኹም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደስኩም፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ ክትእዘዙን ብደሙ ክትንፀጉን፦ ፀጋን ሰላምን ይብዛሕልኩም።
ናብ ህያው ተስፋ ምውላድ
3ኣቦናን ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ዝኾነ ይባረኽ፤ ንሱ ብዓብዪ ምሕረቱ፥ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምዉታን፥ ናብ ህያው ተስፋ ዳግማይ ወሊዱና፤ 4ናብቲ ዘይጠፍእን ዘይረክስን ዘይቕምስልን ርስቲ፥ እቲ ንኣኻትኩም ኣብ ሰማይ ተዓቂቡ ዘሎ፥ 5ንስኻትኩም እቶም ብሓይሊ ኣቦና ብእምነት ንዝሕለዉ ዘለኹም፥ ነቲ ኣብ ዳሕረዋይ ጊዜ ክግለፅ ተዳልዩ ዘሎ ምድሓን። 6በዙይ የመና ትሕጎሱ ኣለኹም፥ ሕዚ ግና ንቑሩብ ጊዜ ብዝተፈላለየ ፈተና ክትጭነቑ ኣድልዩኩም እንተ ኾነ። 7እዙይ ዝኾነ፥ እታ እምነትኩም፥ ካብቲ ብሓዊ ዝፃረ ዝጠፍእ ወርቂ ዝኸበረት፥ ተፈቲና ሓቀኛ ኮይና ምስ ተረኽበት፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝግለፀሉ ጊዜ፥ ንውዳሰን ክብርን ኣኽብሮትን ምእንቲ ከተምፅእ እዩ። 8ርኢኹምዎ ዘይትፈልጡ እንተ ኾንኩም፥ ተፍቅርዎ ኢኹም፤ ሕዚ እኳ እንተ ዘይርኣኹምዎ፥ ብእኡ ትኣምኑ ኢኹም፤ ብቓላት ክግለፅ ብዘይኽእል ክብሪ ዝመልኦ ሓጐስ እናተሓጐስኩም፥ 9ናይ እምነትኩም ፍፃሜ፥ ናይ ነፍሳትኩም ምድሓን፥ ትቕበሉ ኣለኹም እሞ።
10እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም ዝተዳለወ ፀጋ ዝተነበዩ ነብያት፥ ብዛዕባ እዝ ምድሓን እዙይ መርመሩ፥ ኣፀቢቖምውን ደለዩ፥ 11እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፥ ብዛዕባ መከራ ክርስቶስን ድሕሪኡ ዝስዕብ ክብርን ኣቐዲሙ ክምስክር እንተሎ፥ ናብ ኣየናይ ጊዜ ከምኡውን ናብ ኣየናይ ኵነታት ይሕብር ከም ዝነበረ ይምርምሩ ነበሩ። 12ንሳቶም ባዕልቶም ዘይኮኑ፥ ንኣኻትኩም ደኣ የገልግሉ ኸም ዝነበሩ ተገሊፁሎም፤ እዝ ነገር እዙይ ድማ፥ ሕዚ በቶም ካብ ሰማይ ብዝተለኣኸ መንፈስ ቅዱስ ወንጌል ዝሰበኹልኩም፥ ንኣኻትኩም ተነጊሩኩም ኣሎ። መላእኽቲ እኳ ናብዝ ነገር እዙይ ኪጥምቱ ይሃርሩ።
ቅዱሳን ክትኮኑ ተፀዊዕኩም
13እምበኣር ኣእምሮኹም ንተግባር ኣዳልዩ፥ ፈፂምኩም ነቒሕኩም፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝግለፀሉ ጊዜ ናባኻትኩም ኣብ ዝመፅእ ፀጋ ፈፂምኩም ተስፋ ግበሩ። 14ከም ትእዛዝ ዝእዘዙ ውሉድ፥ በቲ ቅድም ብዘይ ፍልጠትኩም ዝሰዓብኩምዎ ትምኒት ኣይትቀረፁ። 15ግና ከምቲ ዝፀውዓኩም ቅዱስ፥ ንስኻትኩም ድማ ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳን ኩኑ፤
16ከምዙይ ተፂሒፉ ኣሎ እሞ፦ “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ።”
17ነቲ ብዘይ ኣድልዎ ንነፍሲ ወከፍ ተግባር ዝፈርድ ኣቦ ትፅውዕዎ ስለ ዘለኹም፥ ኣብዛ ናይ ስደትኩም ጊዜ ብፍርሓት ሕለፉ። 18ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም ዝተወርሰ ኸንቱ ናብራ፥ እቲ ዝበስብስ ነገር ዝኾነ ብሩርን ወርቅን ከም ዘይተበጀወኩም ትፈልጡ ኢኹም፥ 19ደኣ ብኽቡር ደም ክርስቶስ፥ ከምቲ ነውርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል እዩ እምበር። 20ንሱ ቅድሚ ምምስራት ዓለም ዝተሓረየ፥ ኣብ እዝ ዳሕረዋይ ዘመን ድማ ምእንታኻትኩም ዝተገለፀ እዩ። 21ብእኡ ኣቢልኩም በቲ ካብ ምዉታን ዘተስኦ፥ ዘኽበሮውን ኣቦና ትኣምኑ ኢኹም፤ ስለዙይ እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ ኣቦና እዩ።
22ንሓቂ ብምእዛዝ ነፍሳትኩም ኣንፂህኩም፥ ንኣሕዋት ብቕኑዕ ፍቕሪ ስለ እተፍቅሩ፥ ንስንሳትኩም ካብ ንፁህ ልቢ ብዓሚቚ ተፋቐሩ። 23በቲ ህያው ዝኾነን ንዘለኣለም ዝነብርን ቃል ኣቦና፥ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ ደኣ እምበር ካብ ዝጠፍእ ዘርኢ ዘይኮነ፥ ካልኣይ ተወሊድኩም ኢኹም እሞ። 24ከመይ፥ “ኵሉ ሰብ ከም ሳዕሪ እዩ፥ ኵሉ ክብሩ ድማ ከም ዕምበባ መሮር እዩ፤ ሳዕሪ ይነቅፅ፥ ዕምበባ ድማ ይረግፍ፥ 25ቃል ኣቦና ግና ንዘለኣለም ፀኒዑ ይነብር።” እዝ ድማ እቲ ዝተሰብከልኩም ቃል እዩ።