ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ክብሪ ኣቦና ካብ ቤተ መቕደስ ይፍለ

እቶም ኪሩቤልን እቲ ብኣዒንቲ ዝተመልአ መንኰራዅሮምን ተንስኡ፥ እቲ ንቤተ መቕደስ መሊኡ ዝነበረ ክብሪ ድማ ወፀ፥ ቅድም ናብ ድርኵዂት፥ ሽዑ ናብ ምብራቓዊ ደገ። ብሃሪ ዝተኸድነ ሰብኣይ ነዳዲ ጓህሪ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ዘረወ። ህዝቅኤል ንኣቦና ካብ ገዛእ ቤቱ ክወፅእ ረአየ።

ምዕራፍ 10።

ሽዑ ጠመትኩ፦ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ርእሲ እቶም ኪሩቤል ዘሎ ጠፈር፥ ከም ዙፋን ዝተቐረፀ፥ ሰንፔር እምኒ ዝመስል ተርኣየ።

ኣቦና ከዓ ነቲ ብሃሪ ዝተኸድነ ሰብኣይ ከምዙይ በሎ፦ “ናብ ማእኸል እቲ ኣብ ትሕቲ ኪሩቤል ዘሎ ዝዝወር መንኰራዅር እቶ። ካብ ማእኸል እቶም ኪሩቤል ነዳዲ ጓህሪ ኣእዳውካ ምላእ፤ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ድማ ዘርዎም።” ንሱ ድማ እናረአኹ ኣተወ።

እቲ ሰብኣይ ኣብ ዝኣተወሉ ጊዜ፥ እቶም ኪሩቤል ብወገን ደቡብ እቲ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ነበሩ፤ ነቲ ውሽጣዊ ኣፀድ ድማ ደመና መልኦ። ሽዑ ክብሪ ኣቦና ኻብ ልዕሊ እቲ ኪሩቤል ተልዒሉ ናብ ድርኵዂት እቲ ቤተ መቕደስ ኣተወ፤ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ ብደመና መልአ፤ እቲ ኣፀድ ከዓ ብብርሃን ክብሪ ኣቦና መልአ። ድምፂ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ድማ፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እናተዛረበ፥ ክሳዕ እቲ ደጋዊ ኣፀድ ተሰምዐ።

ነቲ ብሃሪ ዝተኸድነ ሰብኣይ፥ “ካብ ማእኸል እቲ ዝዝወር መንኰራዅር፥ ካብ ማእኸል ኪሩቤል ሓዊ ውሰድ” ኢሉ ምስ ኣዘዞ፥ ኣትዩ ኣብ ጥቓ ሓደ መንኰራዅር ደው በለ።

ሽዑ እቲ ኪሩቤል ኢዱ ናብቲ ኣብ ማእኸል ኪሩቤል ዝነበረ ሓዊ ዘርጊሑ፥ ገሊኡ ወሲዱ፥ ኣብ ኣእዳው እቲ ብሃሪ ዝተኸድነ ሰብኣይ ኣንበሮ፤ ንሱ ድማ ወሲዱ ወፀ። እቶም ኪሩቤል ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ኣእዳው ሰብ ዝመስል ከም ዘለዎም ተርኣዮም።

ጠሚተ ድማ፥ እንሆ ኣብ ጥቓ እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ መንኰራዅር፥ ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ሓደ፥ ደው ኢሎም ነበሩ፤ እቲ መንኰራዅር ከዓ ኸም ቢረሌ እምኒ የንፀባርቕ ነበረ። እቶም ኣርባዕቲኦም መንኰራዅር ሓደ ዓይነት ትርኢት ነበሮም፤ ከም መንኰራዅር ኣብ ውሽጢ መንኰራዅር ዘሎ ይመስል ነበረ። እንትንቀሳቐሱ ድማ፥ ናብ ኣርባዕቲኡ ወገኖም እንተይግለሱ ይኸዱ ነበሩ፤ እቲ ቅድሚት ዘሎ መንኰራዅር ናብ ዝጠመተሉ ወገን፥ እቶም ካልኦት እንተይግለሱ ይስዕብዎ ነበሩ። ኵሉ ኣካላቶም፥ ዝባኖምን ኣእዳዎምን ኣኽናፎምን እቲ መንኰራዅርን፥ ኣብ ዙሪያኦም ኣዒንቲ መሊኦም ነበሩ፤ እቲ መንኰራዅር ናይ ኣርባዕቲኦም ከምኡ ነበረ። ብዛዕባ እቲ መንኰራዅር ድማ፥ ኣነ እናሰማዕኩ “እቶም ዝዝወሩ” ተባሂሎም ተፀውዑ። ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገፅ ነበሮ፤ እቲ ቀዳማይ ገፅ ናይ ኪሩቤል፥ እቲ ኻልኣይ ገፅ ናይ ሰብ፥ እቲ ሳልሳይ ገፅ ናይ ኣንበሳ፥ እቲ ራብዓይ ከዓ ገፅ ናይ ንስሪ ነበረ።

እቶም ኪሩቤል ድማ ተልዒሎም ዓረጉ። እዚኣቶም እቶም ኣብ ርባ ኮባር ዝረኣኽዎም ህይወት ዘለዎም ፍጡራት እዮም። እቶም ኪሩቤል እንትንቀሳቐሱ፥ እቲ መንኰራዅር ኣብ ጐኖም ይንቀሳቐስ ነበረ፤ ካብ ምድሪ ክለዓሉ ኣኽናፎም ምስ ዘርግሑ ድማ፥ እቲ መንኰራዅር ካብ ጐኖም ኣይፍለን ነበረ። እንተ ደው ኢሎም፥ እቲ መንኰራዅር ደው ይብል ነበረ፤ እንተ ተልዒሎም ድማ፥ እቲ መንኰራዅር ምሳታቶም ይለዓል ነበረ፤ መንፈስ እቶም ህይወት ዘለዎም ፍጡራት ኣብኡ ነበረ እሞ።

ሽዑ ክብሪ ኣቦና ኻብ ልዕሊ ድርኵዂት እቲ ቤት ተፈልዩ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ደው በለ። ኣነ እናረአኹ ድማ፥ እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ዘርጊሖም ካብ ምድሪ ተልዓሉ፤ ክወፁ እንተለዉ ኸዓ እቲ መንኰራዅር ኣብ ጐኖም ነበረ። ኣብ ኣፍ ደገ እታ ናይ ምብራቕ ደገ ቤት ኣቦና ደው በሉ፤ ክብሪ ኣቦ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊኦም ልዕል ኢሉ ነበረ።

እዚኣቶም እቶም ኣብ ርባ ኮባር ኣብ ትሕቲ ኣቦ እስራኤል ዝረኣኽዎም ህይወት ዘለዎም ፍጡራት እዮም፤ ኪሩቤል ምዃኖም ድማ ፈለጥኩ። ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገፅን ኣርባዕተ ኣኽናፍን ነበሮ፤ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ድማ ኣእዳው ሰብ ዝመስል ነበረ። ገፆም ከዓ ኸምቲ ኣብ ርባ ኮባር ዝረኣኽዎ ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ናብ ቅድሚኡ ቐጥ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።