እታ ሰበይትን እቲ ገበልን
ጥንስቲ ሰበይቲ፥ ነቲ ውላዳ ኽበልዕ ዝፅበ ገበል ድማ። እቲ ውላድ ናብ ዙፋን ኣቦና ይምንጠል፥ እታ ሰበይቲ ናብ ምድረ በዳ ትሃድም፥ ሚካኤል ከዓ ነቲ ገበል ካብ ሰማይ ይድርብዮ። ተሳዒሩ ናብቶም ካልኦት ደቃ ይምለስ—ጊዜኡ ሓፃር ምዃኑ ፈሊጡ ስለ ዝነደደ።
12 1ኣብ ሰማይ ዓብዪ ትእምርቲ ተርኣየ፦ ሓንቲ ፀሓይ ዝተኸድነት ሰበይቲ፥ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ፥ ኣኽሊል ዓሰርተ ኽልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ነበራ። 2ንሳ ጠኒሳ ነበረት፤ ብሕማም ሕርሲ፥ ብጭንቀት ምውላድ ድማ እናእወየት ነበረት።
3ሽዑ ካልእ ትእምርቲ ኣብ ሰማይ ተርኣየ፦ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ፥ ኣብ ርእሱ ድማ ሸውዓተ ኣኽሊል ዝደፍአ፥ ዓብዪ ቐይሕ ገበል ነበረ። 4ጭርኡ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ናብ ምድሪ ሰሓበ። እቲ ገበል ድማ ነቲ ውላዳ ምስ ተወለደ ብኡብኡ ምእንቲ ኽበልዖ፥ ኣብ ቅድሚ እታ ክትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ተዳልዩ ደው በለ። 5ወዲ ድማ ወለደት፤ ንሱ ኸዓ ተባዕታይ ውሉድ ኢየሱስ እዩ፤ ንኵሎም ኣህዛብ ድማ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ። እቲ ውላዳ ግና ናብ ኣቦና፥ ናብ ዙፋኑ ተመንጠለ። 6እታ ሰበይቲ ናብ ምድረ በዳ፥ ናብቲ ኣቦና ዘዳለወላ ቦታ ሃደመት፤ ኣብኡ ድማ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ምእንቲ ኽትምገብ።
7ኣብ ሰማይ ድማ ውግእ ኮነ፦ ሚካኤል ምስ መላእኽቱ ኾይኑ ምስቲ ገበል ተዋግአ፤ እቲ ገበልውን ምስ መላእኽቱ መሊሱ ተዋግአ። 8ንሱ ግና ኣይከኣለን፤ ኣብ ሰማይ ዝነበሮም ቦታ ድማ ሰኣኑ። 9እቲ ዓብዪ ገበል፥ እቲ ድያብሎስ ከምኡውን ሰይጣን ዝብል፥ ንብዘላ ዓለም ዘስሕት ናይ ጥንቲ ተመን፥ ምስ መላእኽቱ ናብ ምድሪ ተደርበየ።
10ሽዑ ኣብ ሰማይ ዓብዪ ድምፂ ኸምዙይ እናበለ ሰማዕኹ፦ “ሕዚ ድሕነትን ሓይልን መንግስትን ኣቦና፥ ስልጣን ክርስቶስን መፂኡ ኣሎ። እቲ ቐትርን ለይትን ኣብ ቅድሚ ኣቦና ንኣሕዋትና ዝኸሶም ዝነበረ ኸሳሲ ናብ ምድሪ ተደርቢዩ እዩ እሞ።” 11ብደም እቲ ገንሸል፥ ብቓል ምስክርነቶም ድማ ሰዓርዎ፤ ንህይወቶም ክሳዕ ሞት እኳ ኣይፈተዉን። 12ስለዙይ ኣቱም ሰማያት፥ ኣብኣቶም እትነብሩውን ተሓጐሱ! ድያብሎስ ጊዜኡ ሓፃር ምዃኑ ፈሊጡ፥ ብዓብዪ ቍጥዓ ናባኻትኩም ወሪዱ እዩ እሞ፥ ንምድርን ባሕርን ግና ወይለኦም!
13እቲ ገበል ናብ ምድሪ ኸም ዝተደርበየ ምስ ረአየ፥ ነታ ተባዕታይ ውላድ ዝወለደት ሰበይቲ ሰዓባ። 14እታ ሰበይቲ ድማ ናብቲ ኣብ ምድረ በዳ ንኣኣ ዝተዳለወ ቦታ ምእንቲ ኽትበርር፥ ክልተ ኣኽናፍ እቲ ዓብዪ ንስሪ ተውሃባ፤ ኣብኡ ኸዓ እቲ ተመን ኣብ ዘይበፅሓ፥ ንዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ትምገብ። 15እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ ብውሒዝ ፀራሪጉ ምእንቲ ኽወስዳ፥ ከም ሩባ ዝኾነ ማይ ካብ ኣፉ ደድሕሪኣ ተፍአ። 16ምድሪ ግና ነታ ሰበይቲ ረድአታ፤ ኣፋ ከፊታ ኸዓ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዝተፍኦ ሩባ ወሓጠቶ። 17እቲ ገበል ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ሰበይቲ ተቖጢዑ፥ ነቶም ዝተረፉ ዘርኣ፥ ነቶም ትእዛዛት ኣቦና ዝሕልዉን ናይ ኢየሱስ ምስክርነት ዘለዎምን ክዋጋእ ከደ።