ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ደቂ ቆሬ

ንሓለቓ ዘማርያን። መዝሙር ደቂ ቆሬ።

ኣቦና ነዝ ህዝቢ ቅድሚ ሕዚ ይቕረ ኢሉሉ እዩ፥ ንሳቶም ድማ ንውሉድ ወለዶ ኽቍጣዕ ዘይኮነ፥ መሊሱ ይቕረ ክብለሎም ይልምኑ። እቲ ዝሰምዕዎ መልሲ ሰላም እዩ፥ ስእሊውን፦ ምሕረትን ሓቅን ይራኸቡ፥ ፅድቅን ሰላምን ይሳዓዓሙ፥ እታ ሃገር ድማ ፍርያታ ትህብ።

ምዕራፍ 85።

ኦ ኣቦና፥ ንምድርኻ ፀጋ ኣርኣኻያ፤ ንምርኮ ያእቆብ ከዓ መለስካዮ። በደል ህዝብኻ ይቕረ በልካ፤ ንዅሉ ሓጢኣቶም ከደንካዮ። ንዅሉ ቍጥዓኻ ኣግለስካ፤ ካብ ረስኒ ቍጥዓኻ ተመለስካ።

ኦ ኣቦና፥ መድሕንና፥ መልሰና፤ ኵራኻ ካባና ኣርሕቕ። ንዘለኣለም ክትቍጥዓና ዲኻ? ንቍጥዓኻ ንውሉድ ወለዶ ኸተንውሖ ዲኻ? ህዝብኻ ብኣኻ ምእንቲ ኽሕጐስ፥ መሊስካ ህያው ኣይትገብረናን ዲኻ? ኦ ኣቦና፥ ምሕረትካ ኣርኣየና፤ ምድሓንካ ድማ ሃበና።

ኣቦና እንታይ ከም ዝብል ክሰምዕ እየ፤ ንሱ ንህዝቡን ንቕዱሳኑን ሰላም ክዛረቦም እዩ እሞ፤ ናብ ዕሽነቶም ግና ከይምለሱ። ብሓቂ ምድሓኑ ነቶም ዝፈርሕዎ ቐረባ እዩ፤ ክብሪ ኣብ ሃገርና ምእንቲ ኽነብር። ምሕረትን ሓቅን ተራኸቡ፤ ፅድቅን ሰላምን ተሳዓዓሙ። ሓቂ ካብ ምድሪ ትበቍል፤ ፅድቂ ኸዓ ካብ ሰማይ ይጥምት። እወ፥ ኣቦና ሰናይ ክህብ እዩ፤ ሃገርናውን ፍርያታ ክትህብ እያ። ፅድቂ ኣብ ቅድሚኡ ኽትከይድ፥ ንስጕምቱ ድማ መንገዲ ከተዳሉ እያ።