ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ናይ ምሉእ ዕድመ መዕቘቢ

ፀሎት ሽማግለ ሰብኣይ። ካብ ልደቱ ጀሚሩ ኣብ ኣቦኡ ተደጊፉ፥ ሕዚ ድማ ሓይሉ እናኸሰረ ከሎ፥ ፀላእቲ “ተሓዲጉ እዩ” ክብሉ ኸለዉ፥ ከይድርበ ይፈርሕ። ዝልምኖ ጊዜ እዩ — ነቲ ዝመፅእ ወለዶ ዝፈልጦ ኽነግር።

ምዕራፍ 71።

ኦ ኣቦይ፥ ብኣኻ እዕቘብ ኣለኹ፤ ከቶ ኣይተሕፍረኒ። ብፅድቅኻ ኣናግፈኒ ኣውፅአኒ፤ እዝንኻ ናባይ ኣዝንብል ኣድሕነኒ። መዕቘቢ ከውሐይ ኹነኒ፥ ኵልሻዕ ናባኣ ክመፅእ እየ፤ ንስኻ ኸውሐይን እምባይን ኢኻ እሞ፥ ከተድሕነኒ ትእዛዝ ሃብካ። ኦ ኣቦይ፥ ካብ ኢድ ሓጢኣተኛ ኣናግፈኒ፥ ካብ ኢድ ዓመፀኛን ጨካን ሰብን።

ኦ ጐይታ ኣቦ፥ ንስኻ ተስፋ ናተይ ኢኻ እሞ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚሩ ትውክልተይ ኢኻ። ካብ ምውላደይ ጀሚረ ኣባኻ ተደጊፈ፤ ካብ ከርሲ እኖይ ዘውፃእካኒ ንስኻ ኢኻ፤ ኵልሻዕ አመስግነካ ኣለኹ። ኣነ ንብዙሓት መደነቒ ኾይነ፤ ንስኻ ግና ጽኑዕ መዕቘብየይ ኢኻ። ኣፈይ ብምስጋናኻ መሊኡ፤ ምሉእ መዓልቲ ኸዓ ብኽብርኻ።

ብእርጋነይ ኣይትደርብየኒ፤ ሓይለይ ምስ ወድአ ኣይትሕደገኒ። ፀላእተይ ኣንፃረይ ይዛረቡ ኣለዉ እሞ፤ ነፍሰይ ክወስዳ ዝሕልዉ ኸዓ ሐቢሮም ይማኸሩ። ከምዙይ ይብሉ ኣለዉ፦ “እግዚኣብሄር ሓዲጉዎ እዩ፤ ሃዲንኩም ሓዝዎ፥ ዘናግፎ ሰብ የለን እሞ።”

ኦ ኣቦይ፥ ካባይ ኣይትርሓቕ፤ ኦ ኣቦይ፥ ክትረድአኒ ተቐላጠፍ! ከሰስተይ ይሕፈሩን ይጥፍኡን፤ ጕድኣተይ ዝደለየ ነፍሲ ወከፍ ብፀርፍን ውርደትን ይከደን።

ኣነ ግና ተስፋ ክገብር እየ፤ ኵልሻዕ ናብ ምስጋናኻ ኣብ ልዕሊ ምስጋና ክውስኽ እየ። ኣፈይ ፅድቅኻ ክነግር እዩ፥ ምሉእ መዓልቲ ኸዓ ምድሓንካ፤ ናቱ መጠን እኳ ኣይፈልጥን እየ። ዓበይቲ ግብርታት ጐይታ ኣቦ እናነገርኩ ክመፅእ እየ፤ ፅድቅኻ፥ ናትካ ጥራሕ ዝኾነ ፅድቂ፥ ክሰብኽ እየ።

ኦ ኣቦይ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሃርካኒ፤ ክሳዕ ሕዚ ድማ ተኣምራትካ ክነግር እየ። ኣሪገ ፀጕረይ ምስ ሸየበ እውን ኦ ኣቦይ፥ ክሳዕ ሓይልኻ ነቲ ካልእ ወለዶ ዝሰብኽ፥ ኣይትሕደገኒ፤ ስልጣንካ ኸዓ ነቲ ዝመፅእ ዅሉ ወለዶ።

ፅድቅኻ፥ ኦ ኣቦይ፥ ክሳዕ ላዕለዋይ ሰማያት ይበፅሕ። ዓበይቲ ነገር ዝገበርካ ኦ ኣቦይ፥ ከማኻ መን ኣሎ? ብዙሕ መከራን ሕሰምን ዘርኣኻኒ ንስኻ፥ ንኣይ መሊስካ ህያው ክትገብር ኢኻ፤ ካብ መዓሙቝ ምድሪ ድማ መሊስካ ኸተደይበኒ ኢኻ። ክብረይ ክትውስኸለይ ኢኻ፤ መሊስካ ኸዓ ክተፀናንዐኒ ኢኻ።

ኣነ ኸዓ ስለ ሓቅነትካ ብበገና አመስግነካ፥ ኦ ኣቦይ፤ ኦ ቅዱስ እስራኤል— ኦ ኣቦይ፥ ብመሰንቆ እዝምረልካ። ናባኻ እንትዝምር፥ ከናፍረይ ብሓጐስ ዕልል ክብላ እየን፤ ነፍሰይ እውን፥ እታ ዝተቤዘኻያ። ልሳነይ ድማ ፅድቅኻ ምሉእ መዓልቲ ክነግር እዩ፤ ጕድኣተይ ዝደለዩ ሓፊሮም ተዋሪዶም እዮም እሞ።