ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ካብ መዓሙቝ

መዝሙር ምዕራግ።

ካብ መዓሙቝ፥ ናብ ኣቦኡ ኣብ ዝቐረበ ሓደ ሕቶ ዝተመርኮሰ ፀሎት፦ ንሓጢኣት እንተ ትዕቅብ ኔርካ፥ መን ደው ክብል ምኸኣለ? ሕድገት እዩ ፍርሓት ዘክእል። እቲ ምፅባይ ክሳዕ ንግሆ ሰዓታት ከም ዝቘፅሩ ዘብዐኛታት ለይቲ ይምሰል።

ምዕራፍ 130።

ካብ መዓሙቝ ናባኻ እእዊ ኣለኹ ኦ ኣቦይ።

ኦ ጐይታ፥ ቓለይ ስማዕ፤ ናብ ድምፂ ምህለላ ምሕረተይ ኣፅምም።

ኦ ኣቦይ፥ ንስኻ ንሓጢኣት እንተ ትዕቅብ እንተ ትኸውን ኔርካ፥ ኦ ጐይታ፥ መን ደው ክብል ምኸኣለ? ኣባኻ ግና ሕድገት ኣሎ፥ ምእንቲ ኽትፍራሕ።

ንኣቦይ እፅበ ኣለኹ፤ ነፍሰይ ትፅበ ኣላ፥ ብቓሉ ከዓ ተስፋ እገብር። ነፍሰይ ንጐይታ፥ ካብ ዘብዐኛታት ንግሆ ዝፅበዩ ንላዕሊ ትፅበ ኣላ፥ ካብ ዘብዐኛታት ንግሆ ዝፅበዩ ንላዕሊ።

ኦ እስራኤል፥ ተስፋኻ ኣብ ኣቦና ግበር፥ ኣብ ኣቦና ምሕረት ኣሎ እሞ፥ ኣብኡ ኸዓ ብዙሕ ምድሓን ኣሎ። ንሱ ባዕሉ ድማ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ሓጢኣቱ ክቤዝዎ እዩ። a a v8 እቲ ኣቦ ንህዝቡ ካብ ኵሉ ሓጢኣቶም ክቤዝዎም ዝኣተዎ ተስፋ፥ በቲ ንህዝቡ ካብ ሓጢኣቶም ከድሕን ዝተሰምየ ኢየሱስ ተፈፂሙ እዩ።