መዝሙር ድሕነት እስራኤል
መዝሙር መዓርግ።
እስራኤል ከም በሰላ ዘለዎ ዝደሓነ ኾይኑ ይዛረብ፥ ነቶም ኣብ ዝባኑ ነዋሕቲ ትልሚ ዝሓረሱ ግና ዘይሰዓርዎ ገፋዕቲ እናገለፀ። እቲ ዝተለመነ መርገም ናይ ሕርሻ እዩ፦ ከም ሳዕሪ ናሕሲ ይኹኑ፥ ቅድሚ ዓፂድ ዝነቅፅ፥ ዝሓልፍ ሰብ ደው ኢሉ ዘይምርቖም።
ምዕራፍ 129።
129 1“ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም የመና ኣጨነቑኒ” ሕዚ እስራኤል ይበል። 2“ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም የመና ኣጨነቑኒ፥ ንኣይ ግና ኣይሰዓሩንን። 3ሓረስቶት ኣብ ዝባነይ ሓረሱ፤ ትልሞም ኣናውሑ።” 4ኣቦና ፃድቕ እዩ፤ ገመድ እቶም ሓጥኣን ቈረፀ።
5ኵሎም ንፅዮን ዝፀልኡ፥ ይሕፈሩን ንድሕሪት ይመለሱ። 6ከምቲ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዘሎ ሳዕሪ ይኹኑ፤ ንሱ ከይበቈለ ዝነቅፅ፥ 7እቲ ዓፃዳይ ኢዱ ዘይመልኣሉ፥ እቲ እኽሊ ዝዓትር ከዓ ሕቝፉ ዘይመልኣሉ፥ 8እቶም ብመንገዲ ዝሓልፉ ድማ ከምዙይ ኣይብሉን፦ “በረከት ኣቦና ኣባኻትኩም ይኹን! ብስም ኣቦና ንባርኸኩም ኣለና።”