ብመንገድታቱ ምኻድ
መዝሙር ምዕራግ።
በረኸት ኣቦና ኣብ ልዕሊ ንቡር ናይ ገዛ ህይወት፦ ፍረ ፃማ ኣእዳውካ ምብላዕ፥ ከም ፈራይት ወይኒ ዝኾነት ሰበይቲ፥ ከም ጨናፍር ኣውሊዕ ኣብ ዙርያ ማእዲ ዝኾኑ ደቂ። ኣብ መወዳእታ ናብ ሰናይ እታ ኸተማን ናብ ደቂ ደቅን ይገፍሕ፥ ብሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድማ ይዓፁ።
ምዕራፍ 128።
128 1ኵሉ ንኣቦና ዝፈርሕ፥ ብመንገድታቱ ዝኸይድ ብፁእ እዩ።
2ፍረ ፃማ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ፤ ብፁእ ክትከውን ኢኻ፥ ሰናይ ድማ ክኾነልካ እዩ። 3ሰበይትኻ ከም ፈራይት ወይኒ ኣብ ውሽጢ ገዛኻ ክትከውን እያ፤ ደቅኻ ከም ጨናፍር ኣውሊዕ ኣብ ዙርያ ማእድኻ ክኾኑ እዮም። 4እንሆ፥ ንኣቦና ዝፈርሕ ሰብኣይ ከምዙይ እዩ ዝባረኽ።
5ኣቦና ኻብ ፅዮን ይባርኽካ፤ ሰናይ ኢየሩሳሌም ብዅሉ ዘመን ህይወትካ ክትርኢ ኢኻ፤ 6ደቂ ደቅኻ ድማ ክትርኢ ኢኻ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን።