ንሱ እንተ ዘይሃነፃ
መዝሙር መዓርግ። ናይ ሰሎሞን።
ምዕዶ ሰሎሞን ንርእስኻ ኻብ ምድካም። እቲ ነዳቒ፥ እቲ ሓላውን እቲ ተጨኒቑ ኣንጊሁ ዝትስእን፥ ብዘይ ኣቦና ኵሎም ብኸንቱ እዮም ዝፅዕሩ፥ ንሱ ንፍቑሩ ድቃስ ይህቦ። ውሉድ ከም ዝተዋህበ ህያብ እምበር ከም ብፃማ ዝተረኽበ ዓወት ኣይኮኑን ዝፅውዑ።
ምዕራፍ 127።
127 1ኣቦና ነታ ቤት እንተ ዘይሃነፃ፥ ነዳቖኣ ብኸንቱ እዮም ዝፅዕሩ። ኣቦና ነታ ኸተማ እንተ ዘይሓለዋ፥ እቲ ሓላዊ ብኸንቱ እዩ ዝነቅሕ። 2ኣንጊህኩም ምትሳእኩምን ክሳዕ ዶንጊኹም ምፅናሕኩምን፥ እንጀራ ፃዕሪ ጭንቀት እናበላዕኩም፥ ብኸንቱ እዩ፤ ንፍቑሩ ድቃስ ይህቦ እዩ እሞ።
3ውሉድ ካብ ኣቦና ርስቲ እዮም፤ ፍረ ማህፀን ድማ ዓስቢ እዩ። 4ከም ፍላፃ ኣብ ኢድ ጅግና፥ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። 5እቲ መፃውሩ ብኣኣቶም ዝመልአ ሰብኣይ ብፁእ እዩ! ምስ ፀላእቱ ኣብ ኣፍ ደገ ክዛረብ እንተሎ ኣይሓፍርን እዩ። a a v5 እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ፥ ጉዳያት ሕግን ጉዳያት ዓድን ዝፍረደሉ ዝነበረ ናይ ሓባር ባይቶ እዩ ነይሩ — ብዙሓት ኣወዳት ምህላው፥ ኣብኡ ኣብ ጐንኻ ፅኑዓት ተማጎትቲ ኸም ዘለዉኻ ማለት እዩ ነይሩ።