ንሌዋውያን ዝኾና ከተማታት
ንሌዋውያን ምስ መዋፈሪአን ኣርብዓን ሸሞንተን ከተማ ተውሃበ፥ ካብአን ሽዱሽተ መዕቘቢ ከተማታት እየን። እቲ ቐታሊ ክሳዕ መጋባእያ ነቲ ሃቀነ ዝፈርዶ ካብ ፈዳዪ ደም ይዕቀብ፤ ቅትለት ግና ገና ሞት እዩ፥ ደም ምፍሳስ ነታ ኣቦኦም ኣብ ማእኸሎም ዝነብረላ ምድሪ የርክሳ እዩ እሞ።
35 1ኣቦና ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ዮርዳኖስ መንፅር ኢያሪኮ፥ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2“ንደቂ እስራኤል፥ ካብ ርስቶም ንሌዋውያን ዝነብሩለን ከተማታት፥ ኣብ ዙርያአን ዘሎ መዋፈሪአን ድማ ክህብዎም ኣዝዞም። 3እተን ከተማታት ዝነብሩለን ናታቶም ይኹና፤ እቲ መዋፈሪ ኸዓ ንእንስሳኦምን ንከብቶምን ንዅሎም ህይወት ዘለዎም ፍጡራቶምን እዩ።
4“እቲ ንሌዋውያን እትህብዎ መዋፈሪ ኸተማታት፥ ካብ መንደቕ እታ ኸተማ ናብ ወፃኢ፥ ብዅሉ ወገን ኣስታት ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ጫማ ይበፅሕ። 5ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ ዕቀኑ፦ በቲ ምብራቕ ወገን ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ጫማ፥ በቲ ደቡብ ወገን ሰለስተ ሽሕ፥ በቲ ምዕራብ ወገን ሰለስተ ሽሕ፥ በቲ ሰሜን ወገን ድማ ሰለስተ ሽሕ፤ እታ ኸተማ ኸዓ ኣብ ማእኸል ትኹን። እዙይ ንኸተማታቶም ዝኸውን መዋፈሪ እዩ።
6“ካብተን ንሌዋውያን እትህብወን ከተማታት፥ ሽዱሽተ ሰብ ዝቐተለ ዝሃድመለን መዕቘቢ ከተማታት ይኹና፤ ብዘይ እዚኣተን ከዓ ኣርብዓን ክልተን ከተማ ሃቡ።
7“ኵለን እተን ንሌዋውያን እትህብወን ከተማታት፥ ምስ መዋፈሪአን፥ ኣርብዓን ሸሞንተን ከተማ ይኹና። 8ካብ ርስቲ ደቂ እስራኤል ንሌዋውያን ከተማታት ክትህቡ እንተለኹም፥ ካብቲ ዓብዪ ነገድ ብዙሕ፥ ካብቲ ንእሽተይ ነገድ ድማ ውሑድ ሃቡ፤ ነፍሲ ወከፍ ከከም መጠን እቲ ዝወረሶ ርስቲ ካብ ከተማታቱ ንሌዋውያን ይሃብ።”
ኣቦና መሊሱ ተዛረበ
9ኣቦና ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
10“ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም እሞ ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ናብ ምድሪ ከንኣን ምስ ኣተኹም፥ 11ገለ ኸተማታት ንርእስኹም ምረፁ፤ እተን ኸተማታት መዕቘቢ ይኹናኹም፤ እቲ እንተይፈለጠ ሰብ ዝቐተለ ዅሉ ኸዓ ናብተን ይሃድም። 12እዘን ከተማታት ካብ ፈዳዪ ደም መዕቘቢ ይኹናኹም፤ እቲ ቐታሊ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ንፍርዲ ደው ክሳዕ ዝብል ከይመውት እዩ። 13እተን እትህብወን ከተማታት፥ ሽዱሽተ መዕቘቢ ከተማታት ይኹናኹም። 14ሰለስተ ኸተማታት ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፥ ሰለስተ ኸተማታት ድማ ኣብ ምድሪ ከንኣን ሃቡ፤ መዕቘቢ ከተማታት ይኹና። 15እዘን ሽዱሽተ ኸተማታት ንደቂ እስራኤልን ነቲ ጓናን ኣብ ማእኸሎም ንዝነብር ስደተኛን መዕቘቢ ይኹና፤ እቲ ብዘይ ምፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ዅሉ ኸዓ ናብተን ይሃድም።
16“ሓደ ሰብ ንኻልእ ብኣቕሓ ሓፂን እንተ ወቕዖ እሞ እቲ ዝተወቕዐ እንተ ሞተ ግና፥ እቲ ወቓዒ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ እቲ ቐታሊ ነፍሲ ኸዓ ፈፂሙ ይቀተል። 17ኣብ ኢዱ ብዝሓዞ ዝቐትል እምኒ እንተ ወቕዖ እሞ እንተ ሞተ፥ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ እቲ ቐታሊ ነፍሲ ይቀተል። 18ወይ ድማ ኣብ ኢዱ ብዝሓዞ ዝቐትል ብዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ኣቕሓ እንተ ወቕዖ እሞ እንተ ሞተ፥ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ እቲ ቐታሊ ነፍሲ ይቀተል። 19እቲ ፈዳዪ ደም ባዕሉ ነቲ ቐታሊ ነፍሲ ይቀትሎ፤ ምስ ረኸቦ ይቀትሎ። 20ብፅልኢ እንተ ደፍኦ፥ ወይ ተሓቢኡ ገለ ነገር እንተ ደርበየሉ እሞ እንተ ሞተ፥ 21ወይ ብፅልኢ ብኢዱ እንተ ወቕዖ እሞ እንተ ሞተ፥ እቲ ወቓዒ ቐታሊ ነፍሲ እዩ እሞ ይቀተል፤ እቲ ፈዳዪ ደም ነቲ ቐታሊ ነፍሲ ምስ ረኸቦ ይቀትሎ።
22“ብዘይ ፅልኢ ብድንገት እንተ ደፍኦ፥ ወይ ከዓ ከይተሓብአ ዝኾነ ነገር እንተ ደርበየሉ፥ 23ወይ ከይረኣዮ ዝቐትል እምኒ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ደርበየሉ እሞ እንተ ሞተ፥ ፀላኢኡ ዘይኮነ፥ ክፉእ ዘይደለየ፥ 24ሽዑ እቲ መጋባእያ ከም እዞም ሕግጋት እዚኣቶም ኣብ መንጎ እቲ ቐታሊ ሰብን ኣብ መንጎ እቲ ፈዳዪ ደምን ይፍረድ። 25እቲ መጋባእያ ነቲ ቐታሊ ኻብ ኢድ ፈዳዪ ደም የድሕኖ፤ ናብታ ናብኣ ዝሃደመ መዕቘቢ ኸተማ ድማ ይመልሶ፤ ክሳዕ እቲ ብቅዱስ ዘይቲ ዝተቐብአ ሊቀ ካህናት ዝመውት ኣብኣ ይንበር። a a v25 እቲ ዝተሰደ ሰብ፥ እቲ ሊቀ ካህናት ምስ ዝመውት ጥራሕ እዩ ነፃ ዝወፅእ፤ እዚ ሞት እዙይ ነቲ በዳሊ ነፃ የውፅእ። ኢየሱስ፥ እቲ ዓብዪ ሊቀ ካህናትና፥ ብናይ ባዕሉ ሞት ናፅነትና የረጋግፅ።
26እቲ ቐታሊ ግና ካብ ዶብ እታ ናብኣ ዝሃደመ መዕቘቢ ኸተማኡ ወፂኡ እንተ ወፀ፥ 27እቲ ፈዳዪ ደም ኣብ ወፃኢ ዶብ መዕቘቢ ኸተማኡ እንተ ረኸቦ እሞ ነቲ ቐታሊ እንተ ቐተሎ፥ ዕዳ ደም የብሉን። 28እቲ ቐታሊ ኽሳዕ እቲ ሊቀ ካህናት ዝመውት ኣብ መዕቘቢ ኸተማኡ ይንበር፤ ድሕሪ ሞት እቲ ሊቀ ካህናት ጥራሕ ናብ ምድሩ ይመለስ። 29እዚኣቶም ኣብ ኵሉ እትነብሩሉ ቦታ፥ ንውሉድ ወለዶኹም ዝነብር ናይ ፍርዲ ስርዓት ይኹኑኹም።
30“ሰብ ዝቐተለ ዅሉ፥ ብምስክርነት መሰኻኽር ከም ቐታሊ ነፍሲ ይቀተል፤ ሓደ ምስክር ጥራሕ ግና ሰብ ንኽመውት ክምስክር ኣይክእልን እዩ።
31“ንሞት ዝግብኦ ቐታሊ ነፍሲ ብዛዕባ ህይወቱ ጋር ነፍሲ ኣይትቀበሉ፤ ፈፂሙ ይቀተል። 32ናብ መዕቘቢ ኸተማኡ ንዝሃደመ ሰብ፥ ቅድሚ ሞት እቲ ካህን ናብ ምድሩ ተመሊሱ ንኽነብር፥ ጋር ነፍሲ ኣይትቀበሉ።
33“እትነብርዋ ምድሪ ኣይተርክሱ፤ ደም ንምድሪ የርክሳ እዩ እሞ፤ ነታ ምድሪ ድማ፥ ብዘይ ደም እቲ ዘፍሰሶ ሰብ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝፈሰሰ ደም ስርየት የብላን። 34ነታ እትነብርዋ ምድሪ ኣይተርክስዋ፤ ኣነ ኣብ ማእኸልኩም እነብር ኣለኹ እሞ፤ ኣነ ኣቦኻትኩም፥ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል እነብር ኣለኹ።”