ኣቦና ይዛረብ
ወሰናት ምድሪ ከነዓን ይሕንፀፁ፦ ብወገን ደቡብ ካብ ምድረ በዳ ፂን፥ ብወገን ምዕራብ ዓብዪ ባሕሪ፥ ብወገን ሰሜን ናብ ሓፃር ዔናን፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ብዮርዳኖስ ወሪዱ ናብ ባሕሪ ጨው። ነታ ርስቲ ምስ ኣልኣዛርን ኢያሱን ኽመቓቕሉ ድማ ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሓደ ሹም ተሰይሙ።
34 1ኣቦና ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
2“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፦ ናብ ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም፥ እታ ርስቲ ኾይና እትወድቐኩም ምድሪ፥ ማለት ምድሪ ከነዓን ምስ ወሰና፥ እዚኣ እያ። 3ናይ ደቡብ ወገንኩም ድማ ካብ ምድረ በዳ ፂን ኣብ ጥቓ ወሰን ኤዶም ይኸውን፤ ናይ ደቡብ ወሰንኩም ከዓ ካብ ጫፍ ባሕሪ ጨው ብወገን ምብራቕ ይጅምር። 4ወሰንኩም ድማ ናብ ደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም ይዘውር፤ ናብ ፂን ይሓልፍ፤ ናብ ደቡብ ቃዴስ በርኔ ይበፅሕ፤ ናብ ሓፃር ኣዳር ይድይብ፤ ናብ ዓፅሞን ድማ ይሓልፍ። 5ካብ ዓፅሞን ድማ እቲ ወሰን ናብ ሩባ ግብፂ ይዘውር፤ ኣብ ባሕሪ ኸዓ ይውዳእ።
6“ናይ ምዕራብ ወሰንኩም ድማ ዓብዪ ባሕርን ገምገሙን ይኸውን። a a v6 እቲ ዓብዪ ባሕሪ ሜዲተራንያን እዩ።
7“ናይ ሰሜን ወሰንኩም ድማ እዙይ ይኸውን፦ ካብ ዓብዪ ባሕሪ ናብ እምባ ሆር ሕንፃፅ ግበሩ። 8ካብ እምባ ሆር ድማ ናብ መእተዊ ሓማት ሕንፃፅ ግበሩ፤ ኣብ ፄዳድ ከዓ ይውዳእ፤ 9ሽዑ እቲ ወሰን ናብ ዚፍሮን ይዝርጋሕ፤ ኣብ ሓፃር ዔናን ከዓ ይውዳእ። ናይ ሰሜን ወሰንኩም እዙይ ይኸውን።
10“ናይ ምብራቕ ወሰንኩም ድማ ካብ ሓፃር ዔናን ክሳዕ ሴፋማ ሓንፅፁ። 11እቲ ወሰን ካብ ሴፋማ ናብ ሪብላ፥ ብምብራቕ ዓይን ይወርድ፤ ሽዑ ወሪዱ ናብቲ ብምብራቕ ባሕሪ ኪኔሬት ዘሎ ፀግዒ ይበፅሕ። b b v11 ባሕሪ ኪኔሬት፥ ድሓር ባሕሪ ገሊላ ዝተብሃለ ቀላይ እዩ። 12እቲ ወሰን ናብ ዮርዳኖስ ይወርድ፤ ኣብ ባሕሪ ጨው ከዓ ይውዳእ። ምድሪኹም ምስ ወሰና ብዙርያኣ እዚኣ ክትከውን እያ።”
13ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ እታ ኣቦና ንትሽዓቲኦም ነገድን ንፍርቂ ነገድን ክትወሃብ ዝኣዘዘ፥ ብዕፃ እትወርስዋ ምድሪ እዚኣ እያ። 14ነገድ ደቂ ሮቤል በብማይ ቤቶምን ነገድ ደቂ ጋድ በብማይ ቤቶምን ርስቶም ወሲዶም እዮም፤ ፍርቂ ነገድ ምናሴ ድማ ከምኡ ወሲዱ እዩ። 15እቶም ክልተን ፈረቓን ነገዳት ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ፥ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ርስቶም ተቐቢሎም እዮም።
ኣቦና መሊሱ ይዛረብ
16ኣቦና ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
17“ነታ ምድሪ ንርስቲ ዝመቓቕሉልኩም ሰባት ስሞም እዚኣቶም እዮም፦ ኣልኣዛር ካህንን ኢያሱ ወዲ ነዌን። 18ነታ ምድሪ ንርስቲ ኽትመቓቕልዋ ድማ ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሓደ ሹም ውሰዱ። 19ስማቶም ከዓ እዝ ዝስዕብ እዩ፦ ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ፥ 20ካብ ነገድ ደቂ ስምኦን፥ ሸሙኤል ወዲ ዓሚሁድ፥ 21ካብ ነገድ ብንያም፥ ኤሊዳድ ወዲ ኪስሎን፥ 22ካብ ነገድ ደቂ ዳን፥ ሹም ቡቂ ወዲ ዮግሊ፥ 23ካብ ደቂ ዮሴፍ፦ ካብ ነገድ ምናሴ፥ ሹም ሃኒኤል ወዲ ኤፎድ፥ 24ካብ ነገድ ደቂ ኤፍሬም ድማ፥ ሹም ቀሙኤል ወዲ ሺፍጣን፥ 25ካብ ነገድ ደቂ ዛብሎን፥ ሹም ኤሊሳፋን ወዲ ፓርናክ፥ 26ካብ ነገድ ደቂ ይሳኮር፥ ሹም ጳልጢኤል ወዲ ዓዛን፥ 27ካብ ነገድ ደቂ ኣሴር፥ ሹም ኣኪሁድ ወዲ ሸሎሚ፥ 28ካብ ነገድ ደቂ ንፍታሌም ድማ፥ ሹም ፈዳህኤል ወዲ ዓሚሁድ።”
29እቲ ኣቦና ኣብ ምድሪ ከነዓን ንደቂ እስራኤል ርስቲ ኽመቓቕሉሎም ዝኣዘዞም እዚኣቶም እዮም።