ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እታ ዝተጓዓዝዋ መንገዲ

ሙሴ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ እቲ ኻብ ራምሴ ክሳዕ ጐላጕል ሞኣብ ዝተገብረ ጕዕዞ፥ ሰፈር ብሰፈር፥ ኣሮን ዝሞተሉ ኸይተረፈ፥ ፀሓፎ። ሽዑ ድማ ትእዛዝ መፀ፦ ንዮርዳኖስ ተሳገሩ፥ ነቶም ነበርቲ ስጎጕ፥ ምስልታቶምን በረኽትታቶምን ኣጥፍኡ፥ ነታ ምድሪ ኸዓ ብዕፃ ምቐሉ።

ምዕራፍ 33።

ደቂ እስራኤል ብኢድ ሙሴን ኣሮንን በብሰራዊቶም ካብ ግብፂ ዝወፁሉ ጕዕዞ ሰፈራት እዚኣቶም እዮም። ሙሴ ኸዓ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዞ፥ መበገሲኦም ከከም ሰፈራቶም ፀሓፎ፤ ሰፈራቶም ከከም መበገሲኦም ድማ እዚኣቶም እዮም። ኣብ መጀመርታ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ንፅባሕ ፋሲካ ኻብ ራምሴ ተልዓሉ፤ ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ ኵሎም ግብፃውያን ብፅንዕቲ ኢድ ወፁ፤ ግብፃውያን ከዓ ነቶም ኣቦና ካብኣቶም ዝቐተሎም ኵሎም በዅሪ ይቐብሩ ነበሩ፤ ኣቦና ድማ ኣብ ኣማልኽቶም ፍርዲ ፈፀመ። ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ራምሴ ተልዒሎም ኣብ ሱኮት ሰፈሩ። ካብ ሱኮት ተልዒሎም ድማ ኣብ ኤታም ሰፈሩ፤ ንሳ ድማ ኣብ ወሰን ምድረ በዳ እያ ዘላ። ካብ ኤታም ተልዒሎም ድማ ናብ ፒሃሒሮት ተመሊሶም፥ ኣብ ምብራቕ በዓልፀፎን፥ ኣብ መንፅር ሚግዶል ሰፈሩ። ካብ መንፅር ሒሮት ተልዒሎም ድማ ብማእኸል ባሕሪ ናብ ምድረ በዳ ተሳገሩ፤ ብምድረ በዳ ኤታም ኣቢሎም ድማ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጕዒዞም ኣብ ማራ ሰፈሩ። ካብ ማራ ተጕዒዞም ናብ ኤሊም በፅሑ፤ ኣብኣ ዓሰርተ ኽልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ፤ ኣብኡ ኸዓ ሰፈሩ። ካብ ኤሊም ተልዒሎም ድማ ኣብ ጥቓ ያም ሱፍ ሰፈሩ። a a v10 ያም ሱፍ ማለት እቲ ብባሕሪ ኤርትራ ተባሂሉ ዝፍለጥ ማይ ዕዳጋ ዝሕብር ናይ እብራይስጢ ስም እዩ። ካብ ያም ሱፍ ተልዒሎም ድማ ኣብ ምድረ በዳ ሲን ሰፈሩ። ካብ ምድረ በዳ ሲን ተልዒሎም ድማ ኣብ ዶፍቃ ሰፈሩ። ካብ ዶፍቃ ተልዒሎም ድማ ኣብ ኣሉሽ ሰፈሩ። ካብ ኣሉሽ ተልዒሎም ድማ ኣብ ራፊዲም ሰፈሩ፤ ኣብኡ ኸዓ እቲ ህዝቢ ዝሰትዮ ማይ ኣይነበሮን። ካብ ራፊዲም ተልዒሎም ድማ ኣብ ምድረ በዳ ሲና ሰፈሩ። ካብ ምድረ በዳ ሲና ተልዒሎም ድማ ኣብ መቓብር ህርፋን ሰፈሩ። ካብ መቓብር ህርፋን ተልዒሎም ድማ ኣብ ሓፄሮት ሰፈሩ። ካብ ሓፄሮት ተልዒሎም ድማ ኣብ ሪትማ ሰፈሩ። ካብ ሪትማ ተልዒሎም ድማ ኣብ ሪሞንፋሬስ ሰፈሩ። ካብ ሪሞንፋሬስ ተልዒሎም ድማ ኣብ ልብና ሰፈሩ። ካብ ልብና ተልዒሎም ድማ ኣብ ሪሳ ሰፈሩ። ካብ ሪሳ ተልዒሎም ድማ ኣብ ቄሄላታ ሰፈሩ። ካብ ቄሄላታ ተልዒሎም ድማ ኣብ እምባ ሼፈር ሰፈሩ። ካብ እምባ ሼፈር ተልዒሎም ድማ ኣብ ሓራዳ ሰፈሩ። ካብ ሓራዳ ተልዒሎም ድማ ኣብ ማቄሎት ሰፈሩ። ካብ ማቄሎት ተልዒሎም ድማ ኣብ ታሓት ሰፈሩ። ካብ ታሓት ተልዒሎም ድማ ኣብ ታራ ሰፈሩ። ካብ ታራ ተልዒሎም ድማ ኣብ ሚትቃ ሰፈሩ። ካብ ሚትቃ ተልዒሎም ድማ ኣብ ሓሽሞና ሰፈሩ። ካብ ሓሽሞና ተልዒሎም ድማ ኣብ ሞሴሮት ሰፈሩ። ካብ ሞሴሮት ተልዒሎም ድማ ኣብ ብኔያዕቃን ሰፈሩ። ካብ ብኔያዕቃን ተልዒሎም ድማ ኣብ ሖርሃጊድጋድ ሰፈሩ። ካብ ሖርሃጊድጋድ ተልዒሎም ድማ ኣብ ዮጥባታ ሰፈሩ። ካብ ዮጥባታ ተልዒሎም ድማ ኣብ ዓብሮና ሰፈሩ። ካብ ዓብሮና ተልዒሎም ድማ ኣብ ዔፅዮንጋብር ሰፈሩ። ካብ ዔፅዮንጋብር ተልዒሎም ድማ ኣብ ምድረ በዳ ሲን፥ ንሳ ኸዓ ቃዴስ፥ ሰፈሩ። ካብ ቃዴስ ተልዒሎም ድማ ኣብ እምባ ሆር፥ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶምያስ ሰፈሩ። ካህን ኣሮን ድማ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዞ ናብ እምባ ሆር ደየበ፤ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት፥ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣብኡ ሞተ። ኣሮን ኣብ እምባ ሆር ምስ ሞተ ወዲ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ። እቲ ኣብ ደቡባዊ ከነዓን ዝነብር ከነዓናዊ ናይ ዓራድ ንጉስ ድማ ደቂ እስራኤል ከም ዝመፁ ሰምዐ። ካብ እምባ ሆር ተልዒሎም ኣብ ፃልሞና ሰፈሩ። ካብ ፃልሞና ተልዒሎም ኣብ ፉኖን ሰፈሩ። ካብ ፉኖን ተልዒሎም ኣብ ኦቦት ሰፈሩ። ካብ ኦቦት ተልዒሎም ኣብ ዒዬዓባሪም፥ ኣብ ወሰን ሞኣብ ሰፈሩ። ካብ ዒዪም ተልዒሎም ኣብ ዲቦንጋድ ሰፈሩ። ካብ ዲቦንጋድ ተልዒሎም ኣብ ዓልሞንዲብላታይም ሰፈሩ። ካብ ዓልሞንዲብላታይም ተልዒሎም ኣብ ጎቦታት ዓባሪም፥ ኣብ ጥቓ ናባው ሰፈሩ። ካብ ጎቦታት ዓባሪም ተልዒሎም ኣብ ጐልጐል ሞኣብ፥ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣብ ኢያሪኮ ሰፈሩ። ኣብ ጐልጐል ሞኣብ፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ካብ ቤትያሲሞት ክሳዕ ኣቤልሰጢም ሰፈሩ።

ኣቦና ንሙሴ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ መንፅር ኢያሪኮ ከምዙይ በሎ፦

“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ንስኻትኩም ንፈለግ ዮርዳኖስ ሰጊርኩም ናብ ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም፥ ንዅሎም እቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ካብ ቅድሜኹም ኣውፅእዎም፤ ንዅሉ ዝተቐርፀ ምስልታቶምን ብፍሲ ዝተሰርሐ ምስልታቶምን ኣጥፍኡ፥ ንዅሉ በረኽትታቶም ድማ ኣፍርሱ። ነታ ምድሪ ውረስዋ ኣብኣውን ተቐመጡ፤ ነታ ምድሪ ንርስቲ ሂበኩም እየ እሞ። ነታ ምድሪ በብዓሌትኩም ብዕፃ ተማቐልዋ፤ ነቶም ብዙሓት ብዙሕ ርስቲ፥ ነቶም ውሑዳት ከዓ ውሑድ ርስቲ ሃቡ። እቲ ዕፃ ንዝኾነ ሰብ ኣብ ዝወደቐ ቦታ፥ ንሱ ናቱ ይኹን። በብነገድ ኣቦታትኩም ክትወርሱ ኢኹም።

“ንነበርቲ እታ ምድሪ ካብ ቅድሜኹም እንተ ዘይኣውፃእኩምዎም ግና፥ እቶም እተትርፍዎም ኣብ ኣዒንትኹም መውጋእቲ፥ ኣብ ጎድንኹም ከዓ እሾዅ ክኾኑ እዮም፤ ኣብታ እትነብሩ ምድሪ ድማ ከጨንቑኹም እዮም። ሽዑ ኸዓ ከምቲ ንኣኣቶም ክገብሮ ዝሓሰብክዎ፥ ንኣኻትኩም ክገብረኩም እየ።”