ገለዓድ፦ ንጥሪት ፅብቕቲ ምድሪ
ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ነቲ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዘሎ ፅቡቕ ሰፈሪ ጥሪት ደለዩ፥ ሙሴ ኸዓ ኣቦታቶም ናብታ ኣቦና ዝሃቦም ምድሪ ኻብ ምእታው ዝኣበዩሉ ኻልኣይ ጊዜ ሰምዐ። ንሳቶም ድማ ተዓጢቖም ክሳገሩ፥ እታ ምድሪ ኽሳዕ እትግዛእ ከዓ ቀቅድሚ ኣሕዋቶም ክዋግኡ፥ ሽዑ ጥራሕ ናብ ገዛኦም ክምለሱ ተሰማምዑ።
32 1ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ብዙሕ መጓሰ ጥሪት ነበሮም። ንምድሪ ኢያዜርን ንምድሪ ገለዓድን ምስ ረአዩ ኸዓ፥ እታ ቦታ ንጥሪት ፅብቕቲ ኸም ዝኾነት ኣስተውዓሉ። 2ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን መፂኦም ድማ ንሙሴን ንኣልኣዛር ካህንን ንሹመኛታት እቲ ህዝብን ከምዙይ በልዎም፦ 3“ዓጣሮት፥ ዲቦን፥ ኢያዜር፥ ኒምራ፥ ሓሴቦን፥ ኤልኣሌ፥ ሴባም፥ ናባው፥ ቤዖን፥ 4እታ ኣቦና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ዝወቕዖ ምድሪ፥ ንጥሪት እትበቅዕ ምድሪ እያ፤ ንኣገልገልትኻ ድማ ጥሪት ኣለዎም።” 5ከምዙይ ድማ በሉ፦ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ረኺብና፥ እዛ ምድሪ እዚኣ ንኣገልገልትኻ ርስቲ ክትኮኖ ሃቦም፤ ንፈለግ ዮርዳኖስ ኣይተሳግረና።”
6ሙሴ ድማ ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ከምዙይ በሎም፦ “ኣሕዋትኩም ናብ ውግእ እናኸዱ፥ ንስኻትኩም ኣብዙይ ክትተርፉ ዲኹም? 7ንልቢ ደቂ እስራኤል ናብታ ኣቦና ዝሃቦም ምድሪ ኸይሰግሩ ስለምንታይ ተዳኽሙ? 8ኣቦታትኩም ድማ ነታ ምድሪ ኽርእይዋ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ለኣኽኽዎም፥ ከምዙይ እዮም ዝገበሩ። 9ናብ ለሰ ኤሽኮል ደይቦም፥ ነታ ምድሪ ረአዩ፤ ደሓር ከዓ ንልቢ ደቂ እስራኤል ናብታ ኣቦና ዝሃቦም ምድሪ ኸይኣትዉ ኣደኸሙ። 10በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኵራ ኣቦና ነደደ፤ ማሕላውን ተማሒሉ ኸምዙይ በለ፦ 11እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ሰባት፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይተኸተሉኒ፥ ነታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህቦም ዝመሓልኩ ምድሪ፥ ብርግፅ ኣይክርእይዋን እዮም፤ 12እንትርፊ ቄኔዛዊ ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ኢያሱ ወዲ ነዌን፥ ሓደ እኳ ኣይርእን፤ ንሳቶም ንኣቦና ምሉእ ብምሉእ ተኸቲሎምዎ እዮም እሞ። 13ኵራ ኣቦና ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ዝገበረ ዅሉ ወለዶ ኽሳዕ ዝመውት፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ዀለል ኣበሎም።
14ሕዚ ኸዓ፥ ኣቱም ውሉድ ሓጥኣን፥ ኣብ ክንዲ ኣቦታትኩም ተሲእኹም፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘሎ ብርቱዕ ኵራ ኣቦና ዝያዳ ተወስኽሉ ኣለኹም! 15ካብ ምኽታል እንተ ተመሊስኩም፥ ንሱ ኻልኣይ ጊዜ ኣብ ምድረ በዳ ክሓድጎም እዩ፤ ንስኻትኩም ድማ ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ክተጥፍእዎ ኢኹም።”
16ንሳቶም ድማ ናብኡ መፂኦም ከምዙይ በሉ፦ “ኣብዙይ ንጥሪትና ደምበ፥ ንደቅናውን ከተማታት ክንሰርሕ ኢና። 17ንሕና ግና ተዓጢቕና፥ ንደቂ እስራኤል ናብ ቦታኦም ክሳዕ እነብፅሖም ቐቅድሚኦም ክንከይድ ተዳሊና ኣለና፤ ደቅና ድማ ካብቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ብደሓን ኣብ ዝተዓረዳ ከተማታት ይፅንሑ። 18ነፍሲ ወከፍ ሰብ እስራኤል ርስቱ ክሳዕ ዝወስድ፥ ናብ ኣባይትና ኣይክንምለስን ኢና። 19ርስትና ኣብዛ ናይ ምብራቕ ወገን ዮርዳኖስ መፂኡልና እዩ እሞ፥ ኣብ ስግር ዮርዳኖስን ካብኡ ንላዕልን ምሳቶም ኣይንወርስን ኢና።”
20ሙሴ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “እዝ ነገር እዙይ እንተ ጌርኩም፥ ንውግእ ኣብ ቅድሚ ኣቦና እንተ ተዓጢቕኩም፥ 21ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም ዝተዓጥቀ ሰብ ድማ፥ ፀላእቱ ካብ ቅድሚኡ ክሳዕ ዘውፅእዎ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ንፈለግ ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሩ፥ 22እታ ምድሪ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ኣቦና እንተ ተዋሪዳ፥ ድሕሪኡ ክትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም፤ ካብኡን ካብ እስራኤልን ነፃ ክትኮኑ ኢኹም፤ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ርስትኹም ክትከውን እያ። 23እዝ እንተ ዘይጌርኩም ግና፥ እንሆ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ሓጢኣት ገይርኩም ኢኹም፤ ሓጢኣትኩም ድማ ከም ዝረኽበኩም ፍለጡ። 24ንደቅኹም ከተማታት፥ ንኣባጊዕኹም ድማ ደምበ ስርሑ፤ እቲ ኣፍኩም ዝተዛረቦ ኸዓ ግበሩ።”
25ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በልዎ፦ “ኣገልገልትኻ ኸምቲ ጐይታይ ዝእዝዞ ክገብሩ እዮም። 26ደቅናን ኣንስትናን ኣባጊዕናን ኵሉ ጥሪትን፥ ኣብኡ ኣብ ከተማታት ገለዓድ ክነብሩ እዮም፤ 27ኣገልገልትኻ ግና፥ ነፍሲ ወከፍ ንውግእ ዝተዓጥቀ ሰብ፥ ከምቲ ጐይታይ ዝብሎ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ናብ ኵናት ክሳገሩ እዮም።”
28ሙሴ ድማ ብዛዕባኦም ንኣልኣዛር ካህንን ንኢያሱ ወዲ ነዌን ንሹመኛታት ዓሌት ነገዳት እስራኤልን ኣዘዘ። 29ሙሴ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን፥ ነፍሲ ወከፍ ንውግእ ዝተዓጥቀ ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ምሳኻትኩም ንፈለግ ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮም፥ እታ ምድሪ ኸዓ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተዋሪዳ፥ ንገለዓድ ርስቲ ክትኮኖ ሃብዎም። 30ተዓጢቖም ምሳኻትኩም እንተ ዘይተሳገሩ ግና፥ ኣብ ማእኸልኩም ኣብ ምድሪ ከነዓን ርስቲ ይውረሱ።”
31ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ ከምዙይ ኢሎም መለሱ፦ “ከምቲ ኣቦና ንኣገልገልትኻ ዝበሎ ክንገብር ኢና። 32ባዕልትና ተዓጢቕና ኣብ ቅድሚ ኣቦና ናብ ምድሪ ከነዓን ክንሳገር ኢና፤ እታ ዝወረስናያ ርስትና ግና ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ናትና ክትከውን እያ።”
33ሙሴ ድማ ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ንፍርቂ ነገድ ምናሴ ወዲ ዮሴፍን፥ መንግስቲ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን መንግስቲ ዓግ ንጉስ ባሳንን፥ እታ ምድሪ ምስ ከተማታታን ምስ ወሰናታን ምስ እተን ኣብ ከባቢአን ዘለዋ ኸተማታትን ሃቦም። 34ደቂ ጋድ ድማ ንዲቦን፥ ንዓጣሮት፥ ንዓሮዔር፥ 35ንዓትሮትሾፋን፥ ንኢያዜር፥ ንዮግበሃ፥ 36ንቤትኒምራን ንቤትሃራንን ሰርሑ፤ ዝተዓረዳ ከተማታትን ደምበ ኣባጊዕን እዮም። 37ደቂ ሮቤል ድማ ንሓሴቦን፥ ንኤልኣሌ፥ ንቂርያታይም፥ 38ንናባው፥ ንበዓልሜዖን (ስሞም ተለዊጡ)፥ ንሲበማ ሰርሑ፤ ነተን ዝሰርሑ ከተማታት ድማ ሓድሽ ስም ኣውፅኡለን። 39ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ድማ ናብ ገለዓድ ከይዶም ሓዝዋ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኣሞራውያን ከዓ ኣባረርዎም። 40ሙሴ ድማ ንገለዓድ ንማኪር ወዲ ምናሴ ሃቦ፤ ንሱ ኸዓ ኣብኣ ተቐመጠ። 41ያኢር ወዲ ምናሴ ኸዓ ከይዱ ንዓድታቶም ሓዞም፤ ሰፈራት ያኢር ኢሉ ድማ ሰመዮም። 42ኖባ ኸዓ ከይዱ ንቄናትን ንዓድታታን ሓዘ፤ ብስሙ ድማ ኖባ ኢሉ ሰመያ።