ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣህዛብ ናብ እምባ ኣቦና ይውሕዙ

ኣህዛብ ክምሃሩ ናብ እምባ ኣቦና ይድይቡ፥ ኣስይፍቶም ቀጥቂጦም ድማ ማሕረሻ ይገብሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ዘፍርሖ ዘይብሉ ኣብ ትሕቲ ወይኑ ይቕመጥ። ሽዑ እቲ ትርኢት ናብ ሕዚ ይምለስ፦ ፅዮን ከም እትወልድ ሰበይቲ ቃንዛ ሒዝዋ ናብ ባቢሎን ትወፅእ፤ ካብቲ ጕዕዞ ኣይትድሕንን ደኣ እምበር ኣብኡ ትድሕን።

ምዕራፍ 4።

ኣብ ዳሕረዋይ መዓልቲታት፥ እቲ ቤት ኣቦና ዝቐውመሉ እምባ ከም ርእሲ እምባታት ፅኑዕ ኮይኑ፥ ኣብ ልዕሊ ኰረብታታት ልዕል ክብል እዩ፤ ኣህዛብ ድማ ናብኡ ክውሕዙ እዮም። ብዙሓት ኣህዛብ መፂኦም ከምዙይ ክብሉ እዮም፦ “ንዑ፥ ናብ እምባ ኣቦና፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ፤ ንሱ ኸዓ መንገዱ ኽመሃረና፥ ንሕናውን ብመንገዱ ክንከይድ።” ሕጊ ካብ ፅዮን፥ ቃል ኣቦናውን ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ። ንሱ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ክፈርድ፥ ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ሓያላት ኣህዛብ ድማ ክርክር ክፈትሕ እዩ። ንሳቶም ኣስይፍቶም ቀጥቂጦም ማሕረሻ፥ ኵናታቶም ድማ ማዕፀድ ክገብሩ እዮም፤ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኣልዕልን፥ ድሕሪ ደጊም ድማ ውግእ ኣይመሃሩን እዮም። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን ኣብ ትሕቲ በለሱን ክቕመጥ እዩ፥ ዘፍርሖም ከዓ የለን፤ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ባዕሉ ተዛሪቡ እዩ እሞ። ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣምላኾም ይኸዱ እዮም እሞ፥ ንሕና ግና ንዘለኣለመ ኣለም ብስም ኣቦና ክንከይድ ኢና።

ኣቦና ንዝተበተኑ ውሉዱ ይእክቦም

በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ይብል ኣሎ ኣቦና፥ ነቶም ሓንካሳትን ነቶም ዝተሰጐጉን፥ ነቶም ዘጨነቕክዎም ኣብ ሓደ ክእክቦም እየ። ነቶም ሓንካሳትን ነቶም ናብ ርሑቕ ዝተሰጐጉን ተረፍን ሓያል ህዝብን ክገብሮም እየ፤ ኣቦና ድማ ኣብ እምባ ፅዮን ካብ ሕዚ ጀሚሩ ንዘለኣለም ኣብ ልዕሊኦም ክነግስ እዩ።

ኣቲ ግንቢ መጓሰ፥ ኰረብታ ጓል ፅዮን፥ ናባኺ ክመፅእ እዩ፤ እቲ ቐዳማይ ግዝኣት፥ መንግስቲ ጓል ኢየሩሳሌም ክምለስ እዩ።

ሕዚ ስለምንታይ ዓው ኢልኪ ትእውዪ ኣለኺ? ኣባኺ ንጉስ የለን ድዩ? መኻሪኺዶ ጠፊኡ፥ ከም እትወልድ ሰበይቲ ቃንዛ ንዓኺ ዝሓዘ? ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ከም እትወልድ ሰበይቲ ተቐነዝዊ ግዓሪውን፤ ሕዚ ኻብ ከተማ ወፂእኪ ኣብ መሮር ክትነብሪ ኢኺ እሞ፥ ናብ ባቢሎን ክትከዲ ኢኺ። ኣብኡ ኽትድሕኒ ኢኺ፤ ኣብኡ ኣቦና ካብ ኢድ ፀላእትኺ ክቤዝወኪ እዩ።

ሕዚ ብዙሓት ኣህዛብ ኣብ ልዕሊኺ ተኣኪቦም ኣለዉ፤ ከምዙይ ድማ ይብሉ ኣለዉ፦ “ትርከስ፥ ኣዒንትና ኸዓ ኣብ ፅዮን ይጠምታ።” ንሳቶም ግና ሓሳብ ኣቦና ኣይፈልጡን፤ ምኽሩ ድማ ኣየስተውዓሉን፤ ንሱ ከም እንዳእቲ ናብ ዓውዲ ኣኪብዎም እዩ እሞ። ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ተሲእኪ ኣኽዲ፤ ቀርንኺ ሓፂን፥ ሸኰናኺ ድማ ነሃስ ክገብሮ እየ፤ ንብዙሓት ኣህዛብ ክትቕጥቅጢ ኢኺ፥ ረብሐኦም ንኣቦና፥ ሃብቶም ከዓ ንጐይታ ኵላ ምድሪ ክትቕድሲ ኢኺ።