ንህዝቦም ዝበልዑ መራሕቲ
እቲ ክሲ ብምስሉ ሰብ በላዒ እዩ፦ መራሕቲ ቘርበት ካብ ህዝቦም ዝገፍፉ፥ ንድስቲ ድማ ዝቘራርስዎም። ነብያት ንዝቕልቦም ሰላም ይሰብኩ፤ ኣቦና ግና ኣይመልሰሎምን። ብሰንኪ እዞም ሰባት እዚኦም፥ ፅዮን ክትሕረስ፥ እምባ ቤተ መቕደስ ከዓ ዱር ዝበቘሎ ኽኸውን እዩ።
3 1ሽዑ ኸምዙይ በልኩ፦ ኣቱም መራሕቲ ያእቆብ፥ ኣቱም ኣሕሉቕ ቤት እስራኤል፥ ስምዑ! ፍርዲ ምፍላጥ ግቡእኩምዶ ኣይኮነን? 2ኣቱም ሰናይ ዝፀላእኹም፥ ክፉእ ከዓ ዘፍቀርኩም፥ ቘርበት ካብ ህዝበይ እትገፍፉ፥ ስጋኦም ከዓ ካብ ኣዕፅምቶም፤ 3እቶም ስጋ ህዝበይ እትበልዑ፥ ቘርበቶም እትገፍፉ፥ ኣዕፅምቶም ከዓ እትሰባብሩ፤ ከምቲ ንቍራዕ ዝኸውን ስጋ፥ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ድስቲ ዘሎ ስጋ ከዓ ቘራሪስኩምዎም። 4ሽዑ ናብ ኣቦና ክእውዩ እዮም፥ ንሱ ግና ኣይመልሰሎምን እዩ፤ ስለ እቲ ዝገበርዎ ክፉእ፥ በቲ እዋን እቲ ገፁ ካብኣቶም ክሰውር እዩ።
5ኣቦና ብዛዕባ እቶም ንህዝበይ ዘስሕቱ ነቢያት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምስ ተቐለቡ “ሰላም” ኢሎም ይእውዩ፥ ኣብ ኣፎም ገለ ዘየንብረሎም ሰብ ግና ውግእ የዳልዉሉ። 6ስለዙይ ለይቲ ኣብ ልዕሌኹም ክመፅእ እዩ፥ ራእይ ከዓ ኣይክህልወኩምን፤ ፀልማት ንኣኻትኩም ክኸውን እዩ፥ ጥንቍላ ከዓ ኣይክህልወኩምን። ፀሓይ ኣብ ልዕሊ እቶም ነቢያት ክትዓርብ እያ፥ መዓልቲ ኸዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክትፀልም እያ። 7እቶም ረአይቲ ክሓፍሩ፥ እቶም ጠንቈልቲ ኸዓ ክዋረዱ እዮም፤ ካብ ኣቦና መልሲ የለን እሞ፥ ኵሎም ኣፎም ብሕፍረት ክኽድኑ እዮም።
8ኣነ ግና ንያእቆብ ዓመፁ፥ ንእስራኤል ከዓ ሓጢኣቱ ክነግር፥ ብሓይሊ፥ ብመንፈስ ኣቦና፥ ብፍርድን ብብርትዐን መሊአ ኣለኹ። 9እዙይ ስምዑ፥ ኣቱም መራሕቲ ቤት ያእቆብ፥ ኣቱም ኣሕሉቕ ቤት እስራኤል፥ ንፍርዲ እትንዕቑ፥ ነቲ ቅኑዕ ዘበለ ዅሉ ኸዓ እተቐይኑ፥ 10ንፅዮን ብደም፥ ንኢየሩሳሌም ከዓ ብዓመፅ እትሃንፁ። 11ኣሕሉቓ ብጉቦ ይፈርዱ፥ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፥ ነቢያታ ኸዓ ብብሩር ይጥንቍሉ፤ ኰይኖም ግና ኣብ ኣቦና ይምርኰሱ እሞ “ኣቦናዶ ኣብ ማእኸልና የለን? ጥፍኣት ኣባና ኣይመፅእን እዩ” ይብሉ። 12ስለዙይ ብሰንክኹም ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ እያ፥ ኢየሩሳሌም ኵምራ ዑና ክትከውን እያ፥ እምባ ቤተ መቕደስ ከዓ ዱር ዝበቘሎ ኮረብታ ክኸውን እዩ።