ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ነቶም ዝዓምፁ ወይለኦም

ኣብ ዓራቶም ተጋዲሞም ገራሁን ኣባይትን ከመይ ገይሮም ከም ዝሕዝዎም ብዝሓስቡ ሰባት ይጅምር፥ ክገብርዎ ሓይሊ ስለ ዘለዎም ድማ ብንግሆ ይፍፅምዎ። ንሚክያስ ከይሰብኽ ይብልዎ። ኣቦና ንኣኣቶም እውን ገለ ኸም ዝሓስበሎም ይብል፥ ሽዑ ብድንገት ንተረፍ ከም መጓሰ ኸኣኽቦም ተማባፅዐ።

ምዕራፍ 2።

ወይለኦም ነቶም ኣብ ዓራቶም ክፍኣት ዝሓስቡ፥ ክፉእውን ዝሰርሑ! ክገብርዎ ሓይሊ ስለ ዘለዎም፥ ብብርሃን ንግሆ ይፍፅምዎ። ገራሁ ይምነዩ፥ ይሕዝዎምውን፤ ኣባይቲ ድማ ይዘምትዎም። ንሰብኣይ ምስ ቤቱ፥ ንሰብ ምስ ርስቱ ይዓምፁ።

ስለዙይ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ እዝ ዓሌት እዙይ ጥፍኣት እሓስብ ኣለኹ፥ ካብኡ ኽሳድኩም ከተውፅኡ ዘይትኽእሉ፤ ርእስኹም ኣልዒልኩም ክትከዱ ኣይትኽእሉን፥ ክፉእ ግዜ እዩ እሞ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣባኻትኩም መፅረፊ ከልዕሉ፥ ብመሪር ብኽያትውን ክበኽዩ እዮም፤ ከምዙይ ኢሎም፦ “ፈፂምና ጠፊእና! ንሱ ግደ ህዝበይ ይልውጦ፥ ካባይ ከመይ ገይሩ ይገፎ! ንኸሓዲ ገራህና ይመቕሎ።” ስለዙይ ኣብ ጉባኤ ኣቦና፥ መዐቀኒ ገመድ ብዕፃ ዘውድቕ ዋላ ሓደ ኣይክህልወኩምን እዩ። a a v5 ብዕፃ መዐቀኒ ገመድ ምውዳቕ፥ እስራኤል ንምድሪ ኣብ መንጎ ስድራቤታት ዝመቕሉሉ ዝነበሩ መገዲ እዩ ነይሩ፤ እዝ መሰል እዙይ ምጥፋእ ድማ፥ ካብ ርስቲ እቲ ማሕበር ንሓዋሩ ምውጋድ ማለት ነበረ።

ኣቦ ንሓሰውቲ ነቢያት የህድኦም

“ኣይትስበኹ!” ኢሎም ይሰብኩ። “ከምዙይ ዝበለ ነገር ሓደኳ ኣይስበኽ፤ ውርደት ኣይረኽበናን።”

ኦ ቤት ያእቆብ፥ እዙይዶ ክብሃል ይግባእ? መንፈስ ኣቦና ሓፂሩዶ? እዚኣቶምዶ ግብርታቱ እዮም? ቃላተይዶ ነቲ ብቕንዕና ዝመላለስ ሰናይ ኣይገብሩን?

ቀረባ ግዜ ግና ደቀይ ተንሲኦም ከም ፀላኢ ኮይኖም። ካብቶም ተኣማሚኖም ዝሓልፉ ክቡር ክዳን ትገፉ፥ ከምቶም ውግእ ዘይደለዩ፥ ካብ ኲናት ዝምለሱ ሰባት። ንኣንስቲ ህዝበይ ካብ ፅቡቕ ኣባይተን ትሰጉ፤ ካብ ናእሽቱ ደቀን፥ ክብረይ ንዘለኣለም ትወስዱ። ተሲእኹም ኪዱ፥ እዛ ቦታ እዚኣ መዕረፊ ኣይኮነትን እሞ፤ ረኺሳ ስለ ዝኾነት፥ ጥፍኣት ተምፅእ—ብርቱዕ ጥፍኣት። ብኸንቱ ተንኰል ዝነብር ሰብ፥ “ብዛዕባ ወይንን ዓረቅን ክሰብከልኩም እየ” ኢሉ ሕሶት እንተ ተዛረበ፥ ንሱ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዝበቅዕ ሰባኺ ምኾነ!

ኣቦ ንተረፍ ህዝቡ ይእክብ

ኦ ያእቆብ፥ ንኵልኻ ብርግፅ ክእክበካ እየ፤ ንተረፍ እስራኤል ብርግፅ ክእክቦም እየ። ከም ኣባጊዕ ኣብ ደንደስ፥ ከም ሓደ ገይረ ከንብሮም እየ፤ ከም መጓሰ ኣብ ማእኸል መጓሰዪኦም— ብድምፂ ሰብ ዝተመልአ ቦታ።

እቲ መገዲ ዝሰብር ኣብ ቅድሚኦም ይድይብ፤ ሰቢሮም ነቲ ደገ ሓሊፎም፥ ብእኡ ይወፅኡ። ንጉሶም ኣብ ቅድሚኦም ይኸይድ፥ ኣቦናውን ኣብ ርእሶም እዩ። b b v13 እቲ መገዲ ዝሰብር፥ ኢየሱስ እዩ፤ ንሱ ናብ ገዛ ዝወስድ መገዲ ኽኸፍትን ካብ ኵሉ ምርኮ ኸውፅኦምን ቀቅድሚ ህዝቡ ይኸይድ—ንጉሶም እዩ፥ ኣቦናውን ኣብ ርእሶም እዩ።