መንገዲ ኣቦ ናብ ስርየት
እንተይፈለጠ ዝተገበረ ሓጢኣት ገናውን ክፍታሕ ኣለዎ፥ እቲ ዋጋ ኸዓ ምስ ሓላፍነት ይውስኽ፦ ነቲ ዝተቐብአ ካህን ወይ ንብዘሎ ጉባኤ ዝራብዕ፥ ንመራሒ ተባዕታይ ጤል፥ ንኻልእ ዝኾነ ሰብ ከዓ ጤል ወይ ዕየት በጊዕ። ደሓር እቲ ቃላት፦ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
4 1ኣቦና ንሙሴ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
2ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሓደ ሰብ እንተይፈለጠ፥ ካብ ትእዛዛት ኣቦና ኣብ ዝኾነ እንተ በደለ፥ ዘይግባእ ነገር እናገበረ፥ ንሓደ ኻባታቶም እንተ ጠሓሰ፥ 3እቲ ዝተቐብአ ካህን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደል እናኣምፅአ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ ነቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ንእሽቶ ዝራብዕ ናብ ኣቦና የቕርብ። a a v3 እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ነቲ በደል ናይቲ ዝሓጥአ ሰብ ተሰኪሙ፥ ኣብ ክንዳኡ ተቐትለ። ናብቲ ንበደልና ሓንሳብ ንሓዋሩ ኣብ ርእሱ ዝፀወረ ኢየሱስ ድማ የመልክት ነበረ። 4ነቲ ዝራብዕ ናብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ ኣቦና የምፅእ፤ ኢዱ ኣብ ርእሱ የንብር፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ድማ ይሕረዶ። 5እቲ ዝተቐብአ ካህን ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ናብ መራኸቢ ድንኳን የእትዎ። 6ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ይጥማዕ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣብ ቅድሚ መጋረጃ መቕደስ ድማ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀጎ። 7እቲ ካህን ካብቲ ደም ወሲዱ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣብ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ዘሎ ኣብ ኣቕርንቲ መሰውኢ ምዑዝ ዕጣን ይገብሮ፤ ነቲ ዝተረፈ ኵሉ ደም እቲ ዝራብዕ ከዓ ኣብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ዘሎ እግሪ መሰውኢ ዝቃፀል መስዋእቲ የፍስሶ። 8ኵሉ ስብሒ ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ የውፅእ፤ እቲ ንውሽጣዊ ኣካላት ዝጕልብብ ስብሕን ኵሉ እቲ ኣብ ውሽጣዊ ኣካላት ዘሎ ስብሕን። 9ክልቲኡ ዅላሊት፥ እቲ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን፥ ቃንጡጥ ከብድን፥ ምስ ዅላሊት ፈልዩ የውፅእ፤ 10ከምቲ ካብ ዝራብዕ መስዋእቲ ምስጋና ዝውፃእ፤ እቲ ካህን ድማ ኣብ መሰውኢ ዝቃፀል መስዋእቲ የቃፅሎ። 11ናይቲ ዝራብዕ ቈርበትን፥ ኵሉ ስጋኡን፥ ርእሱን፥ ኣእጋሩን፥ ኣምዑቱን፥ ፈርሱን ግና፥ 12ነቲ ዝተረፈ ኵሉ ዝራብዕ ናብ ወፃኢ ሰፈር፥ ሓሙዅሽቲ ናብ ዝድፋእ ንፁህ ቦታ የውፅእ፤ ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ ብሓዊ ከዓ የቃፅሎ፤ ሓሙዅሽቲ ኣብ ዝድፋእ ቦታ ይቃፀል።
13ኵሉ ማሕበር እስራኤል እንተይፈለጠ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ እቲ ነገር ድማ ካብ ዓይኒ እቲ ጉባኤ ተሰዊሩ፥ ካብቲ ኣቦና ከይግበር ዝኣዘዞ ንሓደ እንተ ገበሩ፥ በደለኛታት እንተ ኾኑ፥ 14እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምስ ተፈለጦም፥ እቲ ጉባኤ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ንእሽቶ ዝራብዕ የቕርብ፤ ናብ ቅድሚ መራኸቢ ድንኳን ከዓ የምፅእ። 15ዓበይቲ እቲ ማሕበር ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ድማ ይሕረድ። 16እቲ ዝተቐብአ ካህን ድማ ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ናብ መራኸቢ ድንኳን የእትዎ። 17ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ይጥማዕ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ድማ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀግ። 18ካብቲ ደም ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣብ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ዘሎ ኣብ ኣቕርንቲ መሰውኢ ይገብሮ፤ ነቲ ዝተረፈ ኵሉ ከዓ ኣብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ዘሎ እግሪ መሰውኢ ዝቃፀል መስዋእቲ የፍስሶ። 19ኵሉ ስብሑ የውፅእ፤ ኣብ መሰውኢ ድማ የቃፅሎ። 20በዝ ዝራብዕ እዙይ ከምቲ ብዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝገበሮ ይገብር። እቲ ካህን ከዓ የስተስርየሎም፤ ይቕረ ኸዓ ኽበሃለሎም እዩ። 21ነቲ ዝራብዕ ናብ ወፃኢ ሰፈር የውፅእ፤ ከምቲ ነቲ ቐዳማይ ዝራብዕ ዘቃፀሎ ኸዓ የቃፅሎ፤ ናይቲ ጉባኤ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
22ሓደ ሹም እንተይፈለጠ ካብቲ ኣቦና ከይግበር ዝኣዘዞ ዝኾነ ነገር እናገበረ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ በደለኛ እንተ ኾነ፥ 23ነቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ምስ ፈለጠ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ጤል ንመስዋእቱ የምፅእ። 24ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ጤል የንብር፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣብቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሕረደሉ ቦታ ድማ ይሕረዶ፤ ንሱ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእቲ እዩ። 25እቲ ካህን ካብ ደም ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ በፃብዕቱ ወሲዱ፥ ኣብ ኣቕርንቲ መሰውኢ ዝቃፀል መስዋእቲ ይገብሮ፤ ነቲ ዝተረፈ ከዓ ኣብ እግሩ የፍስሶ። 26ኵሉ ስብሑ ኸም ስብሒ መስዋእቲ ምስጋና ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ካህን በቲ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ይቕረ ኸዓ ኽበሃለሉ እዩ።
27ካብ ተራ ህዝቢ ሓደ ሰብ እንተይፈለጠ ካብቲ ኣቦና ከይግበር ዝኣዘዞ ንሓደ እናገበረ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ በደል እንተ ኣምፅአ፥ 28ሓጢኣቱ ምስ ፈለጠ፥ ነቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ጐደሎ ዘይብላ ኣንስተይቲ ጤል ንመስዋእቱ የምፅእ። 29ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ የንብር፤ ኣብቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሕረደሉ ቦታ ድማ ይሕረዶ። 30እቲ ካህን ካብ ደሙ በፃብዕቱ ወሲዱ ኣብ ኣቕርንቲ መሰውኢ ዝቃፀል መስዋእቲ ይገብሮ፤ ነቲ ዝተረፈ ኵሉ ከዓ ኣብ እግሩ የፍስሶ። 31ኵሉ ስብሑ፥ ከምቲ ካብ መስዋእቲ ምስጋና ዝውፃእ ስብሒ የውፅእ፤ እቲ ካህን ከዓ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ፤ ንኣቦና ጥዑም ጨና እዩ፤ የስተስርየሉ ድማ፤ ይቕረ ኸዓ ኽበሃለሉ እዩ።
32ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ዝኸውን ጡበት በጊዕ እንተ ኣምፅአ፥ ጐደሎ ዘይብላ ኣንስተይቲ የምፅእ። 33ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ የንብር፤ ኣብቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሕረደሉ ቦታ ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ገይሩ ይሕረዶ። 34እቲ ካህን ካብ ደም ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ በፃብዕቱ ወሲዱ፥ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝስዋኣሉ መሰውኢ ይገብሮ፤ ነቲ ዝተረፈ ኵሉ ደም ከዓ ኣብ እግሪ መሰውኢ የፍስሶ። 35ኵሉ ስብሑ፥ ከምቲ ስብሒ ጡበት በጊዕ ካብ መስዋእቲ ምስጋና ዝውፃእ የውፅእ፤ እቲ ካህን ከዓ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣቦና ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ የቃፅሎ። እቲ ካህን ድማ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት የስተስርየሉ፤ ይቕረ ኸዓ ኽበሃለሉ እዩ።