ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

መስዋእቲ ምስጋና

መስዋእቲ ሰላም ካብ ከፍቲ፥ ካብ ጤለ በጊዕ፥ ወይ ካብ ኣጣል ክኸውን ይኽእል፥ ተባዕታይ ኮነ ኣንስተይቲ፥ ግና ከቶ ጐደሎ ዘይብሉ ይኹን። ስብሕን ዅላሊትን ከም ምግቢ ይቃፀል፤ እቲ ዝተረፈ ኸዓ ይማቐል። ንዅሉ ሰብ ኣብ ኵሉ ቦታ ክልተ ናይ ዘለኣለም ሕጊ ተነቢሩ፦ ስብሒ ከቶ ኣይትብልዑ፥ ደምውን ከቶ ኣይትብልዑ።

ምዕራፍ 3።

መስዋእቲ ሓደ ሰብ ካብ ከፍቲ ዝኾነ መስዋእቲ ምስጋና እንተ ኾይኑ፥ ተባዕታይ ኮነ ኣንስተይቲ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ኣብ ቅድመይ የቕርቦ። a a v1 መስዋእቲ ምስጋና እቲ ከም ምግቢ ዝማቐል ሓደ መስዋእቲ ነበረ — እቲ ዘምልኽ፥ እቶም ካህናትን ኣቦናን ኣብ ሓደ ጣውላ። ምስኡ ዝህሉ ሕብረትን ፍፁምነትን ዘብዕል ነበረ። ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ መስዋእቱ ኣንቢሩ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይሕረዶ፤ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ። ካብቲ መስዋእቲ ምስጋና ድማ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ናባይ የቕርብ፦ እቲ ንናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ስብሕን ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን፥ ክልቲአን ዅላሊትን ኣብ ዙርያአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ ነቲ ቃንጡጥ ከብዲ ኸዓ ምስ ዅላሊት የልዕሎ። ደቂ ኣሮን ከዓ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ዕንፀይቲ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዝቃፀል መስዋእቲ የቃፅልዎ፤ እዝ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ንኣይ ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ።

ንኣይ ዘቕርቦ መስዋእቲ ምስጋና ካብ ጤለ በጊዕ እንተ ኾይኑ፥ ተባዕታይ ኮነ ኣንስተይቲ፥ ጐደሎ ዘይብሉ የቕርቦ። ንመስዋእቱ ክኸውን ጡበት በጊዕ እንተ ኣምፀአ፥ ኣብ ቅድመይ የቕርቦ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ መስዋእቱ ኣንቢሩ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይሕረዶ፤ ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደሙ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ። ካብቲ መስዋእቲ ምስጋና ድማ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ናባይ የቕርብ፦ ስብሑ፥ ኣብ ጥቓ ዓንዲ ሕቘ ተቐሪፁ ዝውሰድ ብዘሑ ሕልሕል፥ እቲ ንናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ስብሕን ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን፥ ክልቲአን ዅላሊትን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ ነቲ ቃንጡጥ ከብዲ ኸዓ ምስ ዅላሊት የልዕሎ። እቲ ኻህን ከዓ ኣብ መሰውኢ ኸም ምግቢ የቃፅሎ፤ እዝ ናባይ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።

መስዋእቱ ጤል እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድመይ የቕርቦ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣንቢሩ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይሕረዶ፤ ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደሙ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ። ካብኡ ድማ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ናባይ የቕርብ፦ እቲ ንናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ስብሕን ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን፥ ክልቲአን ዅላሊትን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሐንን፥ ነቲ ቃንጡጥ ከብዲ ኸዓ ምስ ዅላሊት የልዕሎ። እቲ ኻህን ከዓ ኣብ መሰውኢ ኸም ምግቢ የቃፅሎም፤ እዝ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ። ኵሉ ስብሒ ናተይ እዩ።

እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብሩሉ፥ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ፦ ዝኾነ ስብሒ ኮነ ዝኾነ ደም ከቶ ኣይትብልዑ።