ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

መጠንቀቕታ ኣቦና፦ ኣብታ ምድሪ ተቐመጡ

እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊት ዝኾነ ዝመፅእ መልሲ ክእዘዙ መሓሉ፥ ኤርሚያስ ክፅሊ ኸዓ ለመንዎ። ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ቃል ኣቦና መፀ፦ ኣብዛ ምድሪ ተቐመጡ፥ ክትከሉን ክትሕለዉን ኢኹም፤ ናብ ግብፂ እንተ ኸድኩም ግና፥ እቲ እትፈርሕዎ ሰይፍን ጥሜትን ኣብኣ ክስዕበኩም እዩ። ንሳቶም ግና ድሮ ወሲኖም ነበሩ።

ምዕራፍ 42።

ሽዑ ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊት፥ ምስ ዮሃናን ወዲ ቃሬሕን ኢዛንያ ወዲ ሆሻያን፥ ኵሉ ህዝቢ ኸዓ ካብ ንእሽቶ ክሳዕ ዓብዪ፥ ቀረቡ፤ ነቢይ ኤርሚያስ ከዓ ከምዙይ በልዎ፦ “በይዛኻ ምህለላና ስማዕ፤ ምእንታና፥ ስለ ኵሉ እዝ ተረፍ እዚ፥ ናብ ኣቦኻ ፀሊ፤ ከምቲ ንስኻ እትርእዮ፥ ካብ ብዙሓት ውሑዳት ተሪፍና ኣለና፤ ኣቦኻ ነቲ ክንከዶ ዘለና መንገድን ነቲ ክንገብሮ ዘለና ነገር ከርእየና።”

ነቢይ ኤርሚያስ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ሰሚዐኩም ኣለኹ። ከምቲ ዝሓተትኩምኒ ናብ ኣቦኻትኩም ክፀሊ እየ፤ ኣቦኻትኩም ዝምልሶ ዅሉ ድማ ዋላ ሓንቲ እንተይሓባእኩ ክነግረኩም እየ።”

ንሳቶም ድማ ንኤርሚያስ ከምዙይ በልዎ፦ “ነቲ ኣቦኻ ክነግረና ዝሰደደካ ዅሉ እንተ ዘይገበርናዮ፥ ኣቦና ኣባና ሓቀኛን እሙንን ምስክር ይኹን። ፅቡቕ ኮነ ክፉእ፥ ድምፂ ኣቦና - ነቲ ናብኡ እንሰደካ ዘለና - ክንሰምዕ ኢና፤ ድምፂ ኣቦና ምስ ሰማዕና ድማ ፅቡቕ ምእንቲ ኽኾነልና።”

ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ድማ ቃል ኣቦና ናብ ኤርሚያስ መፀ። ንሱ ኸዓ ንዮሃናን ወዲ ቃሬሕን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ኵሎም ኣሕሉቕን ንዅሉ ህዝቢ፥ ካብ ንእሽቶ ክሳዕ ዓብዪ ፀውዐ፤

ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ነቲ ምህለላኹም ከቕርበሉ ዝሰደድኩምኒ ናይ እስራኤል ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብሓቂ እንተ ተቐሚጥኩም፥ ክሃንፀኩም ደኣ እምበር ኣየፍርሰኩምን እየ፤ ክተኽለኩም ደኣ እምበር ኣይነቕለኩምን እየ፤ ነቲ ኣብ ልዕሌኹም ዘውረድክዎ መዓት ተመሊሰ ኣለኹ እሞ።

ነቲ ሕዚ እትፈርሕዎ ዘለኹም ንጉስ ባቢሎን ኣይትፍርሕዎ። ኣነ ከድሕነኩም ካብ ኢዱውን ኸናግፈኩም ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ኣይትፍርሕዎ፥ ይብል ኣቦና።

ክርህርሃለኩም እየ፤ ንጉስ ባቢሎን ድማ ክርህርሃለኩም እዩ፥ ናብ ምድሪኹምውን ክመልሰኩም እዩ።

ድምፂ ኣቦኻትኩም እናጠሓስኩም ግና ‘ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣይንቕመጥን ኢና’ እንተ በልኩም፥ ‘ኣይፋሉን፥ ናብታ ውግእ ዘይንርእየላ፥ ድምፂ መለኸት ዘይንሰምዓላ፥ እንጀራ ዘይንጠምየላ ግብፂ ክንከይድ፥ ኣብኣ ድማ ክንቕመጥ ኢና’ እንተ በልኩም፥ ኦ ተረፍ ይሁዳ፥ እምበኣር ቃል ኣቦና ስምዑ። ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ኣቦ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ናብ ግብፂ ኣቲኹም ኣብኣ ኽትቕመጡ እንተ ቘረፅኩም፥ እታ እትፈርሕዋ ሴፍ ኣብ ግብፂ ኽትረኽበኩም እያ፤ እቲ እትሽበርዎ ጥሜት ናብ ግብፂ ኽስዕበኩም እዩ፤ ኣብኣ ኸዓ ክትሞቱ ኢኹም። ኵሎም እቶም ኣብ ግብፂ ኽቕመጡ ዝቘረፁ፥ ብሴፍን ብጥሜትን ብፌራን ክሞቱ እዮም፤ ካብቲ ኣነ ዘምፅኣሎም መዓት ዝድሕን ወይ ዘምልጥ ሓደ እኳ ኣይህሉን።

ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ኣቦ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ከምቲ ቝጥዓይ ምስ መዓተይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ዝፈሰሰ፥ ከምኡ ድማ ናብ ግብፂ ምስ ኣተኹም ቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኹም ክፈስስ እዩ። መርገምን መስካሕክሒን መላገፂ ድማ ውርደትን ክትኮኑ ኢኹም፤ ነዛ ስፍራ እዚኣ ድማ መሊስኩም ኣይትርእይዋን ኢኹም።’”

“ኦ ተረፍ ይሁዳ፥ ኣቦና ‘ናብ ግብፂ ኣይትኺዱ’ ኢሉ ተዛሪቡኩም እዩ። ሎሚ ኸም ዘጠንቀቕኩኹም ብርግፅ ፍለጡ። ናብ ኣቦኻትኩም ሰዲድኩምኒ ኢኹም እሞ፥ ንነፍሳትኩም ኣስሒትኩም ኢኹም፤ ‘ምእንታና ናብ ኣቦና ፀሊ፤ ከምቲ ንሱ ዝብሎ ዅሉ ንገረና፥ ንሕና ኸዓ ክንገብሮ ኢና’ ኢልኩም። ሎሚ ነጊረኩም ኣለኹ፤ ግና ነቲ ንሱ ናባኻትኩም ክነግረኩም ዝሰደደኒ ዅሉ፥ ድምፂ ኣቦኻትኩም ኣይሰማዕኹምዎን። እምበኣር ኣብታ ኽትቕመጡላ እትደልይዋ ስፍራ ብሴፍን ብጥሜትን ብፌራን ከም እትሞቱ ብርግፅ ፍለጡ።”